1.1 ደርፊ ማለት እንታይ ማለት እዩ።
ደርፊ ብዜማን ብግጥምን ምስ ዝተፈላለየ ናይ ድምጺ መሳርሒታት እናተቐናበረ ዝቐርብ ድምጺ እዩ። ናይ ኪዳነ ወልድ ክፍሌ መዝገበ ቃላት ድማ ንጓይላ ምውዝዋዝ ምዝላል እስክስክስ ምባል ማለት እዩ እናበለ ይትርጉሞ። ጓይላ መብዛሕትኡ ጊዜ ብዛዕባ ሥጋዊ ስምዒትን ዕግበት ናይታ ሥጋዊትን ደማዊትን ዝኾነት ነፍሲን የነቓቕሕ። ደርፊ ናይ ተውኔት ድቓላ ኮይኑ ዓለማውያን ሰባት ሓጎሶም ይገልጽሉ። ዘውትር ድማ ብዛዕባ’ቲ ብሥጋዊ ድሌት ዝተመልአ ሓላፊ ፍቕሪ ይዛረብ። ስለዚ ፈጣሪ ዘይኮነ ሰብ ከም ዝምለኽ ብምግባር ግዙእ ናይ ሰይጣን ምዃንካ መረጋገጺ እዩ። ደርፊ ናይ ፈጣሪ ክብሪ ንፍጡር ብምሃብ፡ ፍጡር ንፍጡር እናወደሰ ንልቢ ብናይ ፍትወት እሳት እናቃጸላ ንሰይጣን ዝቐርብ ናይ ውዳሴ ግብሪ እዩ። ብጠቕላላ ደርፊ ንሰይጣን ዝቐርብ መሥዋዕቲ እዩ።
1.2 መዝሙር "ደርፊ" ክበሃል ይከኣል ዶ?
መዝሙርን ደርፍን ሓደ ሓደ ናይ ሓባር ነጥብታት ኣለዎም። ንኣብነት ክልቲኦም ዝተቐናበሩ ድምጽታት ምዃኖም ክጥቀስ ይከኣል። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ዝበዝሕ’ስ ፍልልዮም እዩ። መጽሐፍ ቅዱስ ኣብ ብዙሕ ቦታ ንመንፈሳውያን መዛሙር "ደርፊ" እናበለ ክጽውዖም ነንብብ ኢና። ማርያም ሓውቲ ሙሴ እስራኤልውያን ካብ ግብጺ ባርነት ወጺአም ብዘደንቕ ተኣምራት ባሕሪ ኤርትራ ኣብ ዝተሳገርሉ ጊዜ፡ ንሴብሖ እናበለት ንእግዚአብሔር ኣመስጊና እያ። ብነብዩት ማርያም እናተመርሓ ናይ እስራኤል ደቂ ኣንስትዮ ዝዘመርኦ መንፈሳዊ መዝሙር ምሉእ መዝሙር ኣብ (ዘፀ 15፡1-21) ተመዝጊቡ ይርከብ። እሞ’ኸ ድኣ እዚ ሓውቲ ሙሴ ማርያም ዘቕረበቶ ናይ ምስጋና መዝሙር፡ መንፈሳዊ መዝሙር ክነሱ "ሳዕስዒት" ተባሂሉ ኣሎ። "ነቢዩት ማርያም ሓውቲ ኣሮን ከበሮ ሒዛ ተላዕለት፡ ኩለን ኣንስቲ ድማ ከበሮ ሒዘን ብሳዕስዒት ደድሕሪኣ ወጻ፡ ማርያም ከኣ ከምዚ ዝስዕብ እናበለት ዘመረትሎም። እገዚአብሔር ኣዝዩ ልዑል እዩ እሞ ዘምሩሉ" ዘፀ15፡20-21። ኣብ’ዚ ጽሑፍ እዚ "ሳዕስዒትን መዝሙርን" ዝብሉ ቃላት ከመይ ኢሎም ከም ዝተወራረሱ ተመልከት።
ጻድቕ እዮብ ውን "ደቆም ኣብ ቅድሚኦም ይደርፉ ከበሮን መሰንቆን ሒዞም ይዝምሩ" ኢየ 21፡11-12 ብምባል ዝተዛረቦም ቃላት መዝሙርን ደርፍን ተወራረስቲ ቃላት ምዃኖም ዘነጽር እዩ። ተወራረስቲ ማለት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ዝትክኦ እንተዘይኮኑ ኔሮም ኣቦና ኢዮብ ሓንሳብ ይደርፉ ምስ በለ ምስኡ ድማ ይዝምሩ ኣይምበለን። ልክዕ ከም ናይ ኣቦና ኢዮብ ቅዱስ ዳዊት ውን ሳዕስዒትን መዝሙርን ዝብሉ ቃላት ተወራረስቲ ጌሩ ተጠቒምሎም ኣሎ። "ንስሙ ብሳዕስዒት የመስግንዎ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ" ይብል መዝ 149፡3። ስለዚ መዝሙርን (ደርፍን) ሳዕስዒትን ተወራረስቲ እንተ ዘይኮኑ ኔሮም "ብሳዕስዒት የመስግንዎ" ቀጺሉ ድማ "ይዘምሩሉ" ኣይምበለን። ብሳዕስዒት ኣመስገንዎ ማለት ከ እግዚኣብሔር ብሥጋዊ ሳዕስዒት ይምስገን ድዩ? ሎቱ ስብሓት ክብሪ ንዕኡ ይኹን ኣምላኽና ብዓለማዊ ሳዕስዒት ኣይምስገንን እዩ። ቅዱስ ዳዊት ብሳዕስዒት የመስግንዎ ዝበሎ ፡ ኣብቲ ዝቐጸለ ዓንቀጽ ከም ዘብርሆ "ንመዝሙር" እዩ ሳዕስዒት ኢሉ ዝጸውዖ። ንጉሥ ዳዊት ናይ እግዚአብሔር ታቦት ናብ ከተማኡ ምስ ኣተወ፡ ሜልኮል ዝተባህለት ገዛእ ሰበይቱ ክሳብ እትንዕቆ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክዘልልን ክስዕስዕን ኢና ንዕዘብ። 2 ሳሙ 6፤16።
ስለዚ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክስዕስዕ እየ ማለቱ ክዝምር እየ ማለት ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ እንተ ዘይከውን ዳዊት ክስዕስዕ እየ ብምባል ዝተዛረቦ ቃል ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናይ ሥጋ ፍረ ብምባል ዘወገዞ ሳዕስዒት ወይ ድማ ጓይላ እንተ ዝኸውን ኔሩ ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል? ምኽንያቱ ዳዊት እኮ ዝሳዕስዖ ንእግዚአብሔርን ንታቦተ ጽዮንን እዩ ዝነበረ። እግዚአብሔር በቲ ናይ ሥጋ ፍረ ዝኾነ ሳዕስዒት ይሕጎስ ድዩ? ሰብ ብዓለማዊ ሳዕስዒትን ደርፍን ክሕጎስ በዚ ደርፊ እዚ ውን ንኻልእ ከመስግን ንባዕሉ ውን ክምስገን ይኽእል ይኸውን። እግዚአብሔር ግን ከምዚ ኣይኮነን። "እንዳ ደረፍካ ቅዳሴ እንዳ ጸረፍካ ውዳሴ" ስለ ዘየለ ፈጣሪ ብደርፊ ደስ ይብሎ እዩ ኣይበሃልን። ብተወሳኺ እግዚኣብሔር ናይ ንጉሥ ዳዊት ሳዕስዒት ተቐቢሉ ነታ ዘቃለለቶ ሜልኮል ግን ንምንታይ ቀዚፍዋ? ምኽንያቱ እቲ ዳዊት ዝሳዕስዖ ናይ እግዚአብሔር መዝሙር ስለ ዘዝነበረ እዩ። መዝሙርን ደርፍን ሳዕስዒትን ተወራረስቲ ቃላት ብምዃኖም ግን ንጉሥ ዳዊት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሳዕሲዐ ክብል ሰሚዕናዮ። ስለ’ዚ ሳዕሲዐ ኣለኹ ማለቱ ዘሚረ ኣለኹ ማለት ከም ዝኾነ ርዱእ እዩ።
ብዘይካ’ዚ መዝሙር ዝብል ቃል ደርፊ ወይ ከኣ ሳዕስዒት ብዝብል ቃል ከም ዝውክል ዘረድእ ቃል ባዕሉ ቅዱስ ዳዊት ተዛሪቡ ኣሎ። ንኣብነት ኣብ መዝ 150፡4 "ብከበሮን ብሳዕስዒትን ኣመስግንዎ" ብምባል እስትንፋስ ዘለዎ ኩሉ እግዚአብሔር ከመስግን ከም ዘለዎ ይመክር። ኣብ’ዚ ቦታ ውን ሳዕስዒት ዝብል ቃል ነቲ መዝሙር ዝብል ቃል ተኪኡ ዝኣተወ አንተዘይኮይኑ እግዚኣብሔር ከመይ ኢሉ ብሥጋዊ ሳዕስዒት ክምስገን ይኽእል? ስለ’ዚ መዝሙር ሳዕስዒት ወይ ድማ ደርፊ ታባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ኮይኑ ግን ሳዕስዒት ወይ ድማ ደርፊ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩሉ መዝሙር ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ጊዜ ብዘይ ከበሮ ብርግኣትን ብህድኣትን ዝዝመር መዝሙር ብልምዲ ናይ ንስሓ መዝሙር" ኢልና ኢና ንጽውዖም። ብኸበሮ ተሰንዩ ብጨብጨባን ዕልልታን ሆይሆይታን ዝዝመር መዝሙር ድማ ናይ ቸብቸቦ መዝሙር ይበሃል።
ካብ መዝሙራት ደርፍን ሳዕስዒትን ብምባል ዝፍለጡ ኩሎም መዝሙራት ዘይኮኑ፡ ኣብ ጊዜ ዓወትን ኣብ ጊዜ በዓላትን ዝዝመሩ መዝሙራት ጥራይ እዮም። ንኣብነት ታቦተ ጽዮን ብዓቢ ዓወትን ክብርን ክትምለስ እንከላ ዳዊት ዝዘመሮ መዝሙርን እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ክወጽኡ እንከለዉ ዝዘመርዎ መዝሙርን ክንጠቅስ ንኽእል። ዋላ እኳ መዝሙር ደርፊ እንተ ተባህለ ዓለማውን ሥጋውን ደርፊ ግን መዝሙር ኣይበሃልን እዩ። ዋላ ብዜማኡ ውን እንተ ኾነ መዝሙር ካብ ደርፊ ይፍለ እዩ። እንተ ኾነ ግን ሓደ ሓደ ሰኣን ፍልጠት ካልኦት ድማ ብኽፍኣት ውሑዳት ድማ ንቅዱስ ያሬድን ንሃገሮምን ንቅድስቲ ቤተ ክርስቲያንን ዝጠቐሙ መሲልዎም "ኣብ ዓለም ዝርከብ ማንም ዓይነት ዜማ ካብ ያሬዳዊ ዜማ ዝወጸ የለን" ብምባል መንፈሳውን ሥጋውን ዜማ ሓደ ንምግባር ዝጽዕሩ ኣለዉ። ነዚ መረድኢ ንኽኸውን ድማ የኢትዮጵያ ሥልጣኔ፡ የኢትዮጵያ ታሪክ ጥያቄዎችና ባህል፡ ያሬድና ዜማው` ዝተባህሉ መጻሕፍቲ ከም መወከሲ ምጥቃስ ይከኣል። ደርፍን ሳዕስዒትን መዝሙርን ዝብሉ ቃላት ተወራረስቲ ምዃኖም ምትንታን ዘድለየሉ ምኽንያት፡ ንእግዚኣብሔር ምዝማር ከም ዝግባእ ከረድኣና መጽሓፍ ቅዱስ ንመዝሙር "ደርፊ ሳዕስዒት" እናበለ ዝጠቐሶም ዓንቀጻት ብምሓዝ ሓደ ሓደ ሰባት ደርፍን ጓይላን መጽሓፍ ቅዱስ ይድግፎ እዩ" ንምባል ስለ ዝጽዕሩ እዩ። መዝሙርን ደርፍን ጓይላን ዝብሉ ቃላት ተወራረስቲ ምዃኖም ብዝግባእ ድሕሪ ምርዳእና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንደርፍን ጓይላን ብዝኾነ ዓይነት መንገዲ ከም ዘይድግፎ ንምፍላጥ ሓደ ስጉምቲ ተጓዒዝና ኣለና ማለት እዩ።
........... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment