በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምለክ አሜን!!!
ዘለናዮ ዘመን ኣምልኾተ እግዚአብሔር እናተረፈ ሰብ ንሰባት ብግልጺ ከምልኽ እርእየሉ ዘለና ዘመን እዩ። ዲያብሎስ ንደቂ ሰባት ኣምላኽ ከም ዘየለ ጌሩ የእምኖም እሞ፡ ብድሕሪኡ ወይ ንገንዘቦም ወይ ንፍልጠቶም ወይ ንሥልጣኖም ወይ ንህቡብነቶም ወይ ንከምኦም ዚኣመሰሉ ፍጡራት ደቂ ሳባት ከም ዘምልኹ ይገብሮም ኣሎ። ኣብ’ዚ ኣርእስቲ እዚ ብፍላይ ኪዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ግን ብዛዕባ እቲ ዳርጋ ንኹሉ ማለት እምነት ኣለኒ ክርስቲያን እየ ንዚብል ይኹን እምነት ንዘይብሉ ብማዕረ ገዚኡ ባሮት ጌርዎም ዘሎ "ደርፊ ሳዕስዒት ወይ ከኣ ጓይላ" እዩ። ኣብ’ዚ ዚተቐደሰ ጾም ካብዚ ናይ ሰይጣን ህያብ ዚኾነ ተግባር እዚ እንተዘይ ርሒቕና ጸወምቲ ኢና ኢልካ ምዝራብ ዋጋ የብሉን።



ደርፍን ጓይላን ናብ ዓለም መን ኣምጺእዎ?
ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓጻር ጽሑፈይ ብዛዕባ ናይ ጓይላን ደርፍን መእተዊ ጥራይ እየ ከቕርብ። ነዚ መታን ኪሕግዘና ድማ ካብቲ ብዛዕባ ኣጀማምራ ደርፍን ጓይላን ብንጹር ዚነግረና ናይ ቅዱስ ቀሌሜንጦስ ዚጸሓፎ መጽሓፍ ወሲደ ከቕረበልኩም እየ። ብተወሳኺ ውን ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባ ምትረተ ዮሐንስ መጥምቅ ኣመልኪቱ ዚጸሓፋ ሓጻርን ምቅርትን መድኃኒተ ሥጋ ወነፍስ ዚኾነት ጽሕፍቲ "ሰማዕትነት ኣየምልጥኩም" ክብ ትብል መጽሓፉ ተርጕመ ኣቕሪበያ ኣለኹ ። ብድሕሪ እዚ ካብ 2ይ ክፋል ንድሕሪት ዘሎ ግና ተኸታታሊ ትምህርቲ ብዛዕባ መዝሙር ትርጉሙ በረኸቱ ጓይላ ደርፊ ትርጉሙን ጕድኣቱን፡ ብዛዕባ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ወ.ዘ.ተ ኣዝዩ ሰፊሕ ትምህርቲ ዚሓዘ ብዲያቆን ኀብረት የሺጥላ ካብ ዚተጻሕፈ መጽሓፍ ተርጕሙ ኣቕሪበዮ ኣለኹ። ሓቢርና ንብላዕ ሰናይ ንባብ….
መጽሓፈ ቀለሜንጦስ ምዕራፍ 3፡40 ጀሚሩ ደርፍን ጓይላን ደቂቀ ቃኤል ካብ ሰይጣን ተማሂሮም ከም ዚጀመርዎ ይነግረና። ብሰንኪ ናታቶም ደርፍን ጓይላን ሳዕስዒትን ድማ እቶም ኣብ ደብረ ቅዱስ ብጾምን ብጸሎትን ብመዝሙርን ተወሲኖም ዚነብሩ ዚነበሩ ደቂ ሴት ወደቑ ይብል።
(ምዕ 3፡40) ደቂ ሴት ብሰይጣን ተታሊሎም ንደቂ ቃኤል ተኸተሉ። በዚ ሰሓቢ ናይ ደርፊ ዜማ ተመሰጡ። ነዚ ምኽንያት ጌሮም ካብ ደብረ ቅዱስ ወሪዶም ምስ’ቶም ክፉኣት ደቂ ቃኤል ተሓወሱ
(41) ደቂ ሴት ብደርፊ ተጠሊፎም ወደቑ፡ ብብልዒ ብመስተ፡ ብዝሙት ተታሕዙ። እተን ኣዋልድ ነቶም ኣጓብዝ ተኸቲለን ተጓየዩ። ኣወዳት ከም ናይ ጫካ ኣራዊት ዕራቖም ብምዃን ኣብ ፈቖዶ ዕዳጋ ክዛወሩ ጀመሩ።
(42) ሰይጣን ንደቂ ሴት ኣጋግዩ ምስ ደቂ ቃኤል ሓዋወሶም፤ እዚ ድማ ብድምጺ ደርፊ ብጸወታ ብመስንቆን ሆይሆይታን ብምትላል እዩ ካብ ደብረ ቅዱስ ናብታ ዝተረግመት ቦታ ናብ ምድሪ ዝወረዱ።
ሓወይ ሓፍተይ ንሕና ኸ ኣብ ደብረ ቅዱስ ማለት ኣብ መዝሙር ዶ ኣለና ዋላስ ኣብ ደርፊ? ኣብ ደብረ ቅዱስ ኣብ ማህሌትን ቅዳሴን ዶ ኣለና ዋላስ ኣብ ሳዕስዒትን ለይታዊ ትልሂትን? ደቂ መን ኢና ደቂ ቃኤል ዋላ ደቂ ሴት? ደቂ ክርስቶስ ዋላ ደቂ ዲያብሎስ? ንብስና ንሕተታ እሞ ናብ ልብና ንመለስ!!!
(44). ወዲ ምስ ወዲ ጓል ምስ ጓል ንሓንቲ ጓል ድማ ክልተ ሰለስተ እናገበሩ ከቢድ ናይ ኣመንዝራነት ስራሑ ብግልጺ ሰርሑ።
ኣብ’ዚ ከም እንምልከቶ ድማ ድሕሪ ጓይላን ሳዕስዒትን ተኸቲሉ ዚመጽእ ናይ ዝሙት ርኽሰት እዩ። ኣሕዋተይ ከይሓሰብክንኦ ዚመጸ ጥንሲ ኣበይ ዚጀመረ እዩ? እቲ መድኃኒት ዘይብሉ ሕማም ከ ካበይ ዚተሸመተ እዩ? ድሕሪ ጓይላ ዝሙት ድሕሪ ዝሙት ሕማምን ዘይተደልየ ጥንስን፡ ድሕሪ ዘይተደልየ ጥንሲ ምንጻል ጥንሲ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ክልተ ሞት ኣሎ፡ ቅትለት ናይቲ ምስኪናይ ዕሸል፡ ከምኡ ውን ናይታ ወላዲት ዘጋጥም ሓደጋ።
(45-53) ያሬድን ሄኖክን ነቶም ደቂ ሴት ናብ ደቂ ቃኤል ከይከዱ ኣትሪሮም እኳ እንተለመንዎም ኪሰምዕዎም ግን ኣይከኣሉን።
ንሕና ኸ ነቦታትና ካህናት ንሰምዖም ዶ? ንመጽሓፍ ቅዱስ ንሰምዖ ዶ? እወ ምስማዕ ሲ ትሰምዑ ግን ኣይተስተውዕሉን ኢኹም ከም ዚተባህለ ኣቦታት ካብ ምንጋር ኣይዓረፉን ሰማዒት እዝኒ ስለ ዘይተረኽበት ግና ከም ባህሊ ተቖጺሩ ኣብ ደምና ሰሪጹ ንነፍስና ይጎድእ ኣሎ። ኦ ጎይታ ንቃልካ ዚሰምዓ ኣእዝነ ልቦና ዓድለና!!!
(53 ያሬድ ንሄኖክ ንስኻ ግን ኣብ ቅድሚ ሥጋ ናይ ኣቦና ኣዳም ምዝማርን ምምስጋንን ኣይትግደፍ" ኪብል ለበዋ ሃቦ።
ኣቦታትና ቅዱሳን ዚላበውና ኪንዝምር እዩ። እሞ ኸ ካባና ክንደይ ሰባት ኢና ንፈጣሪና ብመዝሙር እነመስግን? ክንደይ መዝሙር ከ ንፈልጥ? ሄኖክ ናይ ኣቦኡ ለበዋ ኣኽቢሩ ካብ ደርፍን ጓይላን ርሒቑ ኣብ መዝሙር ተጸሚዱ ስለ ዚነበረ፡ ሞት ከይጠዓመ ናብ ሰማያት ከም ዚተወስደ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። "ሄኖክ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ገዓዘ፡ ቅድሚ ምግዓዙ ንኣምላኽ ከም ዘስመረ፡ ተመስኪሩሉ ነበረ እሞ፡ ኣምላኽ ስለ ዘግዓዞ፡ ኣይተረኽበን" ከም ዚብል (እብ 11፡5)እቶም ምስ ደቂ ቃኤል ናብ ጓይላን ደርፍን ዝሙትን ዚኣተዉ ግና እግዚአብሔር ብተግባራቶም ስለ ዚሓዘነ ብማይ ኣይሂ ጌሩ ደምሰሶም። (ዘፍ 6፡1..)
ካብ’ዚ እንታይ ንመሃር ንክብሪ እግዚአብሔር ዚዝምሩ ከም ሄኖክ ካልኣይ ሞት ከይጠዓሙ መንግሥተ ሰማያት ከም ዚኣትዉ፡ ብኣንጻሩ ከም ደቂ ቃኤል ዚደርፉ ዚስዕስዑን ድማ መንግሥተ ሰማያት ፈጺሞም ከም ዘይርእይዋ እኳ ድኣ ከምቲ እቶም ቀዳሞት ደረፍትን ሳዕሳዕትን ማይ ኣይሂ መጺኡ ዚደምሰሶም፡ እዞም ናይ ሕጂ ተኸተልቶም ድማ ካብኡ ዚኸፍእ ናይ ገሃንመ እሳት ቅጽዓት ከም ዘለዎም ኢና ንመሃር።
ምትረተ ዮሐንስ
ዚተፈተኹም ደቀይ ንወለተ ሄሮድያዳን ከምኡ ውን ኣብ’ዚ ዘመን እዚ ንዓኣ ንዚመስሉ ኵላቶምን ንብከየሎም። ከምዚ ዓይነት ዲያብሎሳዊ ተግባር ሕጂ ውን ብዚገደደን ብዚበኣሰን መልክዑ ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ ንወለተ ሄሮድያዳን ወለተ ሄሮድያዳውያንን ንብከየሎም። ዋላ እኳ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ዮሐንስ ክሳዱ እንተዘይተሰይፈ፡ ካብዚ ብዝገደደ መልክዑ ግና ናይ ክርስቶስ ህዋሳት ይስየፉ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ደረፍቲ ዚሓደረ ርኹስ መንፈስ ከም ናይ ጓል ሄሮድያዳ ሥጋዊ ክሳድ ዘይኮነስ ነፍሲ እዩ ዚሓትት
ደረፍቲ ብመጀመርያ ንሰባት ናታቶም ባሮት ወይ ከኣ ኣድነቕቲ ይገብርዎም። ብምቕጻል ድማ ብደርፍታቶም ጌሮም ነፍሳት ብፍትወት ከም ዚቃጸላ ይገብርወን። ዝሙት ንኽፍጽሙ ድማ የበረታትዕዎም። እቶም ባሮት ወይ ድማ ኣድነቕቲ በዚ ተግባሮም እዚ ሥጋዊ ክሳዶም ኣይኮኑን ዚሕተቱ፡ እንታይ ድኣ ንነፍሳቶም ግዲ ዘይብሎም ሸለልተኛታት ኣመንዝራታት ብምዃን ናይ ናፍሶም ክሳድ እዮም ዚሕተቱ።
ዚተፈተኹም ኣሕዋተይ! ወይኒ ሰቲኹም ሰኺርኩም እንከለኹም፡ ሓንቲ ጽብቕቲ ጓል ኣብ ቅድሜኹም መጺኣ ምስ እትስዕስዕ፡ ከምኡ ውን ንዓኹም ብዚድልል ናይ ቅብጥሮት ቃላት ምስ እትዛረበኩም "ምንም ኣይነት ፍትወት ኣይለዓለናን እዩ። ምስኣ ዝሙት ንምፍጻም ውን ኣይንሓስቦን ኢና። ክብረ ንጽሕናና ኣይነርክስን ኢና" እናበልኩም ፈጺምኩም ርእስኹም ኣይተታልሉ ዲያብሎስ ብኣምሳል ደራፊትን ሳዕሳዒትን ኣብ ቅድሜኻ ዚቖመ፡ ነቲ ናይ ክርስቶስ ኣካላት ዝኾነ ሥጋኹም ኣካል ናይ ኣመንዝራታት ንምግባር ከም ዚኾነ ፍለጡን ተረድኡን። (1ይ ቆሮ 6፡15) ዋላ እኳ ጓል ሄሮድያዳ ሎሚ ብኣካለ ሥጋ እንተዘይሃለወት፡ ንዓኣ ዘሳዕስዓ ዲያብሎስ ግን ኣሎ። ሕጂ ውን ንብዙሓት እናሳዕስዑ ክሳደ ነፍሶም ከም ዚቑረጹ ዚገብር ዘሎ ንሱ ስለ ዚኾነ ፈጺምኩም ርእስኹም ኣይተታልሉ።
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment