2ይ ልደታ ለእግዝእትነ ቅድስት ማርያም ፩
ግንቦት
ኢትዮጵያዊ
ቄርሎስ ተባሂሉ ዝተሰምየ ናይ ነገረ ማርያም ሊቅ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ “እመቤትና ኣብ እምባ ሊባኖስ ከም እትውለድ ኣቐዲሙ
ሰለሞን ዝተነበዮ ትንቢት ብልደታ ከም ዝተፈጸመ ክገልጽ እንከሎ “ደጊመ ውን ጓል ኣናብስት ይብለኪ ከመይሲ ናይ ልደትኪ ዜና
ከም ዝጓዝም ኣንበሳን ከም ድምጺ ኣንስተይቲ ኣንበሳን ስለ ዝኾነ፡ ንይሁዳ ኣቡኡ ያዕቆብ ሽደን ኣንበሳ ከም ዝበሎ፡ ስለዚ ጓል
ኣናብስቲ በልኩኺ፡ ሰለሞን ከም’ዚ ክብል ከም ዝተዛረበ ““ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ ኣቲ መርዓተይ ካብ ሊባኖስ ምሳይ ንዒ
ካብ... መኃ 4፡8 ምሩጽ ነገድ ብምዃኑ ካብ ዝምካሕ ወገን ናይ ምውላድኪ ዜና ኣዝዩ ግሩም ኢዩ” (አር ዘሠሉስ ምዕ
12፡11-13)
ኢትዮጵያውያን
ሊቃውንት ኣባ ጽጌ ድንግልን ኣባ ገብረ ማርያም ዘደብረ ሐንታ አብ ማሕሌተ ጽጌ ናይ ነገረ ማርያም መጽሓፎም
“ለንጉሠ ነገሥት ሰሎሞን ከመተፈሥሐ ልቡ
በዕለተ ወፃእኪ መርዓት ለአንበሳ ትንቢት እምግቡ
ማእከለ ማኅበር ፍሱሓን ተአምረኪ እንዘ እነቡ
እዜምር ለኪ ጽጌ ሐና ወፍኖተ ነፈርዐጽ እሌቡ
ከመጣዕዋ ሐሊበ ዘይጠቡ”
“ትንቢት ካብ ዝተነግረሉ ካብ ጉድጓድ ኣናብስቲ መርዓት ድንግል ምስ ተረኸብኪ፡ ናይ ንጉሠ ነገሥት ናይ ሰሎሞን ልቢ ከም ዝተሓጎሰ ኣብ ቅድሚ ደስ ዝበሎም ናይ መላእኽቲ ሓድነት ተኣመርኪ እንዳ ተናገርኩ ናይ ሐና ዕምበባ ማርያም እዝምረልኪ፡ ጸባ ሰትዩ ከም ዝዘልል ኣንበሳ ውን ዝለል ዝለል ይብለኒ” (ማሐሌተ ጽጌ ቊ46) ብምባል ሰሎሞን ብዛዕባ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነበዮ ትንቢት ፍጻሜ ረኺቡ ዓቢ ደስታ ንኹላትና ከም ዝተዋህበና ኣብሪሂ ገሊጽዎ ኢዩ።
ጠቢበ ሰሎሞን ኣቐዲሙ ኣብ (መኃ 6፡10) እዛ ከም ወገግታ እትቕልቀል፡
ከም ወርሒ ድምቕቲ ከም ፀሐይ ድምቕቲ፡ ከም ሰራዊት ምስ ሰንደቕ ዕላማ እተፍርህ መን ኢያ?” ብምባል ከም ፀሐይ ዝሞቐ ከም
ወርሒ ዝደመቐ ንጽሕናኣን ቅድስናኣን ናይ መልክዓ ደም ግባት ብትንቢተ ነብያት ኣቐዲሙ ዝተነግረላ ናይቲ ሓቀኛ ፀሐይ ክርስቶስ
ኣደ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ከም ዝተነግረላ ኣብ እምባ ሊባኖስ ብ፩ ግንቦት ኣብ ዝተወልደትሉ ጊዜ ገጻ ኣዝዩ የብርህ
ነበረ መኣዝኣ ውን ካብ ኵሉ ሽቶ ይበልጽ ነበረ። ነዚ ናይ መኣዝኣ ሽቶ ውን ጠቢበ ሰሎሞን ብመንፈስ ቅዱስ ተገሊጽሉ ብዝተፈላለዩ ድንቂ መኣዛ ዘለዎም ሽቶታት እናመሰለ “ገነት ምሰለ ፍሬ
ኣቅማሕ... ኣባኺ ዝበቖለስ ገነት ሮማንን ክቡር ፍሬታትን ዕምበባ ሪሓንን ናርዶስን፡ ናርዶስ ሳፍራንን ምኡዝ ሻምብቆ ቅርፍትን
ምስኡ ውን በብዓይነቱ ኣእዋም ዕጣን ከርበን ዓልወን ኵሉ ብሉጽ ቀመመማትን ዘለዋ ኢያ ናይ ገነት ዓይኒ ማይ ናይ ማይ ሕይወት
ዒላ ካብ ሊባኖስ ዝፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ” (መኃ 4፡11-13 ) ብምባል ናይቲ ማይ ሕይወት ዝኾነ ክርስቶስ ኣብ ሊባኖስ ዝተወልደት ኣዲኡ ድንግል ማርያም ፍሉይን ድንቅን መኣዛ
ተዛሪቡ ኢዩ።
ኢትዮጵያዊ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ውን ናይ ሰሎሞን ቃል ጠቒሱ ኣብ ኣንቀጸ
ብርሃን ናይ ድንግል ማርያም መኣዛ ክገልጽ እንከሎ “ሰሎሞን ኣቡኪ ተነበየ ወይቤ ጼና አአንፍኪ ከመ ጼና ስኂን..... “ኣቦኺ
ሰሎሞን ናይ ኣፍንጫኺ መኣዛ ከም መኣዛ ጻዕዳ ዕጣን ኢዩ ኢሉ ትንቢት ተነበየ፡ ኣቲ ሓፍተይ መርዓተይ ዝተሓጸረ ተኽሊ ኢኺ፡
መንገድኺ ውን ዝተሓጸረት ተኽሊ ዝተሓትመት ጕድጓድ ኢያ፡ ምስ ሽታ ቀመም ሽታ ኣለኪ፡ ቆዕ ዝበሃል ሽቶ ምስ ሽታ ናርዶስ
ኣለኪ፡ ናርዶስ ምስ መጽርይ ዝበሃል ሽታ ቀጺመታት ምስ ቀናንሞስ
ዝበሃሉ ሽታታት... ካብ ኵሉ ሽታ ዝበልጹ ከርቤን ዓልወን ዝበሃሉ ሽቶታት ምስዞም ኵሎም ሽቶታት ኣለውኺ፡ ንስኺ ናይ ገነት ፈሳሲ ካብ ደጋ ዝፈስስ ናይ ሕይወት ማይ ጉድጓድ ኢኺ”
ናይ እመቤትና ጣዕመ ውዳሴአ ኣዝዩ ዝበዝሓሉ ኣባ ቅዱስ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ
ውን ኣብ ኣርጋኖን ምስጋናኡ ካብ ናይ ሰሎሞን ቃል ብምብጋሰስ መኣዛኣ ከድንቕ እንከሎ “ካብ ፍረ ማሕጸንኪ ናብ ከንፈረይ
እውስኽ ኣለኹ፡ ናይ ፍሬኺ ደም ውን ንጎረሮይ ምቊር ኢዩ፡ ናይ ሽታኺ መኣዛ ንኣፍንጫይ ጽቡቕ ኢዩ፡ ናይ ድንግልናኺ ክብሪ ውን
ንልቦናይ ከም ዝኸረመ ንጹሕ ወይኒ ደስ የብሎ፡.......ኣዘራርባኺ ዝጸበቐ ቃልኪ ውን ዝመቀረ ኢዩ፡ ከናፍርኪ ውን ናይ ደስታ
ምንጪ ኢዮም፡ ኣንደበትኪ ናይ ምስጋና መፈልፈሊ ኢዩ............ናይ ልብስኺ መኣዛ ኣፈው ብምባል ከም ዝፍለጥ ሽታ ኢዩ፡
ናይ ኣፍንጫኺ መኣዛ ከም ወይኒ ኣበባ ሽታ ዝኾነልኪ ድንግል
ንሓጎስኪ እፈትዎ፡ (መኃ 7፡8) ናይ ኣፍኪ ኣከፋፍታ ከም ዕንበባ ቀናንሞስ ዝመቀረ ኢዩ፡ ምስ ኵሉ ዕንጨት ሊባኖስ (መኃ
4፡14 ኣር ዘሠሉስ 12፡17-20) ብምባል ከም ናይ ሰሎሞን ንሱ ውን ናይ ፈጣሪኡ ኣደ ኣመስጊኑ ኢዩ።
ናይ ፈጣሪና
ኣደ ዝተወለደትሉ ፩ ግንቦት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን “ልደታ ለማርያም”
ብምባል ካብ ጥንቲ ጀሚራ ብዓቢ መንፈሳዊ ደስታ ብማሕሌትን ቅዳሴን እተኽብረላ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ
ክፍሊ ዓለም ዘለዉ ክርስቲያን ድማ ናይ እመቤትና ናይ ልደት በዓል (The nativity of the blessed virgin
Mary) (ናይ ዝተባረኸት ናይ ድንግል ማርያም ልደት) ብምባል ክዝክርዎ እንከለዉ ኣብ ጥንቲ ምብራቓውያን (ቤዛንታይን ኣብ
ዘለዉ) ሃገራት ሓድሽ ዓመት ልክዕ ከማና ኣብ ወርሒ መስከረም ይውዕል ስለ ዝነበረ፡ ምስ’ዚ ኣተሓሒዞም ልደታ ድማ መስከረም 8 የኽብርዎ ከም ዝነበሩ ታሪኽ ዘረድኣና ክኸውን
እንከሎ፡ ብዙሓት ነዚ ሒዞም በዚ ዕለት ዘኽብርዎ ብዙሓት ሃገራት ኣለዉ ( The nativity of the virgin Mary,
Wikipedia, The free encyclopedia, by Giotoo di Bondone)
ሐናን ኢያቄምን እግዚአብሔር ብዝሃቦም ውላድ ኣዝዮም ተሓጒሶም ኣብ ሸሞንተ
መዓልታ ስማ “ማርያም” ኢሎም ሰመይዋ።
ምስጋና ንእግዚአብሔር
ንወላዲቱ ድንግል
ንመስቀሉ ክቡር ንዘለዓለመ ዓለም ኣሜን!
No comments:
Post a Comment