3ይ እንመሃሮ ነጥቢ ድማ ኣብ ሕይወትና ንዚኾነ ነገር ብዘይ ዚኾነ መረጋገጺ ቀልጢፍካ ዘይምእማንን ዘይምውሳንን እዩ። ኣሕዋት
ዮሴፍ ንዮሴፍ ብገንዘብ ብምሻጥ፡ ክዳኑ ወሲዶም ደም በጊዕ ጸይቖም ናብ ኣቡኦም ብምውሳድ ነዚ ምስክር ብምግባር ዮሴፍ ኣራዊት በሊዕዎ
ኪብሉ ሓሰዉ። ኣቡኦም ድማ ነቲ ሓቂ ዘምስል ደም ዚተጸየቐ ክዳን ዮሴፍ ወዱ ብምርኣይ ኣሚንዎም መሪር ሓዘን ኣሕለፈ። ዮሴፍ ግና
ኣብ ግብጺ እሙን ናይ ንጉሥ ኣገልጋሊ ኮይኑ ነበረ።
ካብኡ
ከይወጻና ፦
ኣቦና ዮሴፍ ፍርሃት እግዚኣብሔር ዘለዎን ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝመላለስ
ንጹህን ቅዱስን ኣቦ እዩ ዝነበረ። አዚ ስለ ዝኾነ ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ዝኸዶ ኵሉ ይሕልዎ ነበረ። “እግዚኣብሔር ምስ ዮሴፍ ስለ
ዝነበረ ኻኣ ዕዮኡ ዝቐንዓሉ ሰብኣይ ኮነ” (ዘፍ 39፡2)
ኣብ ቤት ጐይትኡ ድማ ይነብር ነበረ። ጐይትኡ ኻአ እግዚኣብሔር ምስኡ ከምዘሎን ንሱ ዝገበሮ ኵሉ ድማ እግዚኣብሔር ከም ዘቕንዓሉ
ራአየ። ዮሴፍ ከኣ ኣብ ቅድሚ ጶጢፋር ሞገስ ረኸበ። ኣገልጋሊኡ ውን ኮነ፡ ስለዚ ኣዛዚ ቤቱ ገበሮ ዘለዎ ኵሉ ድማ ኣብ ኢዱ ሃቦ።
ኣብ ቤቱን ኣብ ዘሎ ጥሪቱን ካብ ዝሸሞ ጀሚሩ እግዚኣብሔር ምእንቲ ዮሴፍ ኢሉ ንቤት እቲ ግብጻዊ ባረኾ።
ኣብ ቤትን ኣብ መሮርን ኣብ ዝነበሩ ኵሉ ጥሪቱ በረኸት እግዚኣብሔር ነበረ።
ኵሉ ሃብቲ ኣብ ኢድ ዮሴፍ ሃቦ። ብዘይካ እታ ዝበልዓ እንጌራ ከኣ ብኻልእ ኣይግደስን ነበረ። ዮሴፍ ድማ ቅርጺ ኣካላቱን ትርኢቱን
ጽቡቕ ነበረ።
ድሕሪ ቁሩብ ጊዜ ከኣ ሰበይቲ ጐይትኡ ንዮሴፍ ዓይኒ ኣውደቐትሉ’ሞ ንዮሴፍ
ምሳይ ደቅስ በለቶ። ንሱ ድማ ንሰበይቲ ጐይትኡ “እነሆ ጐይታይ ኣብ ቤቱ ምሳይ እንታይ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን እዩ” ዘለዎ ኵሉ ድማ
ኣብ ኢደይ ሂብኒ እዩ። ኣብዛ ቤት እዚኣ ካባይ ዝስልጥን የለን። ሰበይቱ ኢኺ እሞ ብዘይካኺስ ሓደ እኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ጌረ
እዚ ዓቢ ክፍኣት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ኃጢኣት ክገብር ይኽእል እንዳበለ ኣበያ።
ኵሉ መዓልቲ ድማ ንዮሴፍ ከምዚ እንዳበለት ትዛረቦ ነበረት። ዮሴፍ ግና
ምስኣ ክድቅስ ኮነ ኣብ ጥቓኣ ክቐርብ ኣይደልን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ዕዮኡ ክገብር ናብ ቤቱ ኣተወ፡ ኣብኣ ኣብታ ቤት ከኣ ካብ
ኣገልገልቲ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ብኽዳኑ ቀጥ ኣቢላ ሒዛ ድማ ምሳይ ደቅስ በለቶ። ንሱ ግና ክዳኑ አብ ኢዳ ሓዲግላ ሃዲሙ ናብ
ግዳም ወጸ። ንሳ ድማ ክዳኑ ኣብ ኢዳ ሓዲግላ ናብ ግዳም ከም ዝሃደመ ምስ ረአየት፡ ነቶም ኣገልገልታ ጸዊዓ “ረኣዩ እቲ ሰብኣየይ
ዘምጸኦ ዕብራዊ ሰብኣይ ኣዋሪድና፡ ክዕምጸኒ ናብዚ ዘለኹዎ ኣተወ፡ ኣነ ግና ዓው ኢለ ኣእዌኹ፡ ቃለይ ዓው አቢለ ከም ዘእዌኹ ምስ
ሰምዐ ክዳኑ ሓዲጉ ንግዳም ሃዲሙ ወጸ ኢላ ተዛረበቶም። ነቲ ኽዳኑ ድማ ጐይትኡ ክሳዕ ዝመጽእ ምስኣ ኣንቢራቶ ጸንሐት። ከምዚ እንዳበለት
ከኣ ኣዘንተወትሉ እቲ ዘምጻእካዮ ዕብራዊ ባርያ ከዋርደኒ ኢሉ ናብቲ ዘለኹዎ ኣተወ። ቃለይ ዓው አቢለ ምስ በኼኹ ድማ ክዳኑ ሓዲግለይ
ንግዳም ሃደመ። እቲ ጐይታ ዮሴፍ ሰበይቱ ባርያኻ ከምዚ ነገር እዚ ገበረኒ ኢላ ዝነገረቶ ዘረባ ምስ ሰምዐ ብቑጠዓ ነደደ። ናብታ
እሱራት ዝእሰሩላ መገዲ ድማ የእተዎ። (ዘፍ 39፡3-20)
ካብዛ ናይ ዮሴፍ ታሪኽ እንመሃሮ ዓቢ ትምርቲ እምባአር ሓዳርና ንምፍራስ
ዝለዓሉ ሓሰውቲ ሰባት፡ ነቲ ሒዘሞ ዝመጹ ወረ ሓቂ ምዃኑ ንኸእምኑና ሒዞሞም ዝመጹ ሰነዳት ኵሎም ሓቂ ከም ዘይኮኑ ኢና እንመሃር።
ምኽንያቱ ኣብዚ ናይ ዮሴፍ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮ፡ ሰበይቲ ጲጢፋራ ንሰብኣያ ዮሴፍ ክዕምጻ ከም ዝሓሰበ ንኸተእምኖ ዘቕረበቶ ሰነድ፡
ክዳን ናይ ዮሴፍ እዩ ኔሩ። እዚ ግን ነቲ ዘይረኣየ ጐይታ ዮሴፍ ድኣ ከም ሓቂ መሲልዎ ኣሚንዋ እምበር፡ ዮሴፍ ክዕምጻ ከም ዝሓሰበ
ዘረጋግጽ ሓቀኛ ሰነድ ኣይነበረን። ብኣንጻሩ ንሳ እያ ንዮሴፍ ክትዕምጾ ፈቲና ዝነበረት። ስለዚ ዋላ እኳ ከምዚ ዓይነት ሓቂ ዝመስል
ሰነዳት እንተ ኣቕረቡልና ቀስ ኢልና ክንምርምሮን ምስ መጻምድትና ክንመኽረሉን ክንረዳድአሉን ድኣ ይግባና እምበር፡ዝመጸና ወረ ብዝመጾ
ተቐቢልና ቅልጡፍ ስጉምቲ ክንወስድ ኣይግባአናን።
ሶቅራጥ ንሓደ ወረ ከቐባብሎ ተሃንዲዱ ዝመጸ ዓርኩ ዝሃቦ መልሲ ምስዛ
ሒዝናያ ዘለና ኣርእስቲ ትሰማማዕ መልሲ ጠቒሰያ ክሓልፍ ደስ ይብለኒ።
እቲ ወረኛ ነታ ዝሰምዓ ወረ ናብ ዓርኩ ከይዱ ክትኩሳ ተሃንዲዱ ይመጽእ፤
ከምዚ ድማ ይብል። ኣንታ ሰሚዕካ ዶ ?ብዛዕባ
እከሌ ዓርክኻ ዝሰማዕክዎ ነገር ክነግረካ
እኮ እየ መጺአ:: ታህዋኽ ብዝመልኦ ኣዘራርባ
ምልፍላፉ ይቕጽል እንታይ ስማዕ ኢና ወደይ
ንሰምዕ ዘለና ዓርኩ ግን ግዲ ኣይገበረሉን
ተሃንዲዱ ሒዝዎ ዝመጸ
ወረ ክፍኑ ክጅምር ምስ ደለየ ሶቅራጥስ ሓንሳብ ብምባል ሠለስተ ቅድመ ኩነት ኣቕረበሉ ቅድሚ ብዛዕባ ዓርከይ
ዝሰማዕካዮ ወረ ምንጋርካ ሠለስተ ሕቶታት ክሓተካ
እየ። በቲ ነዘን ሠለስተ ሕቶታት ትህበኒ መልሲ
ተመርኲሰ ድማ እቲ ብዛዕባ ዓርከይ ዝሰማዕካዮ ወረ ክትነግረኒን ዘይክትነግረንን
ክውሰነልካ እየ በሎ።
ብሓቂ ነዛ ቃል ክዝክር ከለኹ እዝኒ ውን ንጽህና የድልያ እዩ፡ ልክዕ
ከምቲ ኣመንዝራ ጓል ኣንስተይቲ፡ ዝዀነ ገንዘቡ ሒዙ ዝመጸ ወዲ ዝራኽባ፡ እዝንና ድማ ኵሉ መልሓሱ ዝነውሓሉ ውርዙይን ዘይውርዙዩን
ዝጠቅምን ዘይጠቅምን ሰብ ዝድርብዮም ዘረባታት እትእክብ ኣመንዝራ ክንገብራ ኣይግባናን እዩ። ንጽህናኣ ክንሕልወላ ይግብኣና እዩ
ነዚ እዩ ቅዱስ ያሬድ ውን “እዝኒ ይጹም” እንዳበለ ዝምህረና። ስለዚ ብእዝንና ዝመጽእ ኃጢኣት ብዙሕ ምኻኑ ፈሊጥና ክንሰምዖ ዝግባአና
መሚና ክንፈልጥ ይግብኣና። ናብ’ታ ዕላል ክመልሰኩም እተን ዘቕረበሉ ሠለስተ ሕቶታት እዘን ዝስዕባ እየን።
- እቲ ብዛዕባ ዓርከይ ክትነግረኒ ትህንደድ ዘለኻ ብዛዕባ ዓርከይ ዝሰማዕካዮ ወረ ጽቡቕ ድዩ ዋለስ ክፉእ ?
መልሲ
፦
ክፉእ
ኣስተውዕሉ መጽሓፍ ቅዱስ "ኢሳይያስ 52:7
እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን" ይብል። ክፉእ ንምውራይ ዚቀዳደምን ዚጐይን ግና ኵሉ ካብቲ ክፉእ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ናይ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ኪትግዛእ እንከላ ናይ ሓጎሱ መልጺ ዚጸሓፈ ሰብ፡ ኣብኣ ብዚተወረየ ሕማቕ ነገር ወሲኹን ወሳሲኹን ንምዝርጋሕ ዚቀላጠፍ እግርን ኢድን ናይ መልእኽተኛ ኾን ይኸውን? ነዞም ሰባት እዚኣቶም ሰባት መሲሎምና ተጎዝጕዝናዮም ዘለና ሕጂ ስውር ዕላማኦም ከነስተውዕለሉ እግዚአብሔር መገዲ ጸሪግልና እንከሎ ንንቃሓሎም። ናይ መንፈስ ሒዞም ይመርሑና ከም ዘለዉ እንተድኣ ነጺርልና ድማ ናበይ ከብጽሑና ምዃኖም ዚሰሓት ኣይኮነን።
ኦ ጐይታ ናይ ሰይጣን ፈረሰኛ ካብ ምዃን ባልሃኒ!
ሓደ ሓደ ጊዜ ክፉእ ነገር ንምንጋር ትግደደሉ ኣሎ። ንኣብነት ከም መርድእ ዚኣመሰለ። እስኪ ብዛዕባ መርድእ ከመይ ጌርካ
ከም ዚንገር ባዕልኹም ኣስተንትንዎ። ቴለፎን ደዊልካ ዶ መርድእ ይንገር እዩ? ቤተ ሰቡ ከይፈለጡ ናይ ዚሞተ ሰብ ስእሊ ኣብ ኢንተርነት
ዘርጊሕካ ዶ ኸ መርድእ ይርዳእ እዩ? ከም ኣጋጣሚ እቲ ቤተ ሰቡ ሓሚሙ ምስ ዚህሉ፡ ወይ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምስ ዚህሉ ኸ ኪሳብ
ኵነታቱ ዚመሓየሽ ዶ ኣይኮንናን ንጽበዮ? ስለ’ዚ ንሓደ ዚተረጋገጸ እሞ ድማ ንዘይተርፍ መርድእ እኳ ክንድዚ ጥንቃቐ ዚሓትት ካብ
ኮነ፡ ንምንታይ ድኣ ነቲ ኣብ ውሽጥና ምስ እንሕዞ ዚጠቅም ንግዳም እንተ ኣውጻእናዮ ድማ ዚጎድእ ነገር ንኸነውሪ ተሃንዲድና። ምዃን
መዓስ ንሕና ኴንና ተጻዒንና ዘሎ መንፈስ እዩ። እግዚአብሔር ይገስጾ!
ኣብ ጥቓ ትኪ ዘሎ ቆልዓ ኣይተብኪ ከም ዚተባህለ፡ ነቲ
ኣብ እምነቱ ጽኑዕ ዘይኮነ ድኽም ዚበለ ሓውናን ሓብትናን ንምጕዳእን ንምዕንቃፍን እንተዘይኮይኑስ እንታይ ንረብሕ? ስም ኤርትራውያን
ኣብ ሕማቕ መዝገብ ሰፊሩ ንኤርትራውያን ኣብ ትምህርቶም ኣብ ሥርሖም ብሓፈሻ ኣብ ኵሉ ማሕበራዊ ሕይወቶም ተነጽሎን ተጸላእነትን
ከም ዚረኽቡ ካብ ምግባር ሓሊፉ ኸ እንታይ ንረክብ? ቤተ ክርስቲያን ኣብ’ዚ ዓዲ ስደት ከይተስፋሕፍሕ፡ ቤተ ክርስቲያን ከም ዚኽልኩልና
መታን ድዩ እዚ ኵሉ ጻዕሪ? ግን እኮ ካብዚ እንታይ ትረብሑ? ሰብ ብሥጋን ብነፍስን ተሃኒጹ፡ ካብ ስኽራን ካብ ዕብዳን ካብ ተስፋ
ምቑራጽ ካብ ምብስጫው ካብ ዚተፈላለየ ጸቕጥታት ነጻ ጌራ፡ ብሥነ ምግባሩ ዚተመስከረሉ ንቤተ ክርስቲያኑ ንህዝቡን ባህሉን ኣጽኒዑ
ዚሕዝ ወለዶ እተፍሪ ቤት ምጽላም እንታይ ይዓብሰልኩም? ብፍላይ ቀቅድሚ ሽምኩም ቀሺ ዲያቆን ዚብል ልዕሊ ዓቐንኩም ዚኾነ መዓርግ
ኣቐሚጥኩም እትጽሕፉ ጸሓፍቲ?
2. እቲ ብዛዕባ ዓርከይ ዝሰማዕካዮን ክትነግረኒ መጺኻ ዘለኻን
ናይ ዓርከይ ከፉእ ወረ ንዓይ ዝጠቅም ድዩ
ወይስ ዝጎድእ?
መልሲ፦
አረ ንዓኻ ዝጠቅም ኣይኮነን ብኣንጻሩ ውን ተሰሚዕካዮስ ኣብ ዘይተደልየ
ነገር ከምርሓካ ዝኽእል ክፉእ ወረ እዩ።
ኣብዛ ካልኣይቲ ናይ ሶቅራጥስ ሕቶ እስኪ ንመልከት፡ “እቲ ናይ ዓርከይ ክፉእ ነገር ንዓይ ዚጠቅም ድዩ”
ትብል ሕቶ ናይ ለባማት ሕቶ እያ? እሞ ኸ እዚ ኣብ ናይ ኢንተርነት ገጽ ኪንብትኖ ዚተሃንደድና ክፉእ ወረ “ንቤተ ክርስቲያን ዚጠቅም
ድዩ ዋላስ ዚጎድእ? ንምእመናን ዚጎድእ ድዩ ዋላስ ዚጎድእ? ንኤርትራውያን ዚጠቅም ድዩ ዋላስ ዚጎድእ?” እስኪ መልሱለይ! ብዘይካኹም
ብዘይካ እቶም ዕቤት ቤተ ክርስቲያን ዘየሐጉሰኩም ሲ በዚ ሕማቕ ወሬኹም መን እዩ ተጠቒሙ?
ጉድኣት ናይ ሕማቕ ወረ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
1ይ ሳሙኤል 4:13-ፍጻሜ ንሱ
ኺመጽእ ከሎ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኤሊ ብዛዕባ ታቦት ኣምላኽ ልቡ
ተጨኒቑ ነበረ እሞ ኣብ ደረት መገዲ ኣብ መንበር ተቐሚጡ የማዕዱ ነበረ። እቲ ሰብኣይ ናብ ከተማ ኣትዩ ምስ ኣውረየ ኸኣ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ዋይዋይ በለት።……………እቲ መውረዪ ድማ፡ እስራኤል ኣብ ቅድሚ ፍልስጥኤማውያን ሀደሙ፡ ብዙሕ ሰብውን ተወድኤ፡ ክልቲኦም ደቅኻ ሆፍንን ፊንሃስን ከኣ ሞይቶም፡ ታቦት ኣምላኽውን ተማሪኹ፡ ኢሉ
መለሰ………ኰነ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ምስ
ዘከረሉ፡ ኤሊ ኣሪጉ ከቢዱ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጐቦ እቲ ደገ ንድሕሪት ኣቢሉ ኻብ መንበሩ ወደቐ፡ ክሳዱ ተሰቢሩ ድማ ሞተ። ንሱ ንእስራኤል ኣርብዓ ዓመት ፈሪዱ እዩ።……ሰበይቲ ፊንሃስ ወዱ ድማ፡ ሕርሳ ዝቐረበ ጥንስቲ ነበረ እሞ፡ ታቦት ኣምላኽ ከም
እተማረኸ፡ ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ ከም ዝሞቱ ወረ ምስ ሰምዔት፡ ሕርሲ ተታሕዘት እሞ፡ ተምበርኪኻ ወለደት። …..እዚ ማለታ፡ ታቦት ኣምላኽ ስለ
እተማረኸ፡ ብምኽንያት ሓሙኣን ሰብኣያን ከኣ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ ኢላ ነቲ ሕጻን ኢካቦድ ሰመየቶ። ንሳ ድማ፡ ታቦት ኣምላኽ ተማሪኹ እዩ
እሞ፡ ክብረት ካብ እስራኤል ረሐቐ፡ በለት።
እዚ ቢንያማዊ ብዘውረዮ ሕማቕ ወረ ክልተ ትንፋስ ሓሊፈን ዘምጽኦ ጥቕሚ ግና ኣይነበረን። ነስተውዕል እዚ
ቢንያማዊ ብዓይኑ ዚረኣዮ ወረ እዩ ዘውረየ፡ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ግን ልክዕ ከም ኣቦኦም ካብ ጁዳባኦም እዮም ዘውርዩ ዘለዉ።
ብዛዕባ ኣቦኦም ጐይታና ኣብ ዮሐንስ ወንጌል ምዕራፍ(8፡44) - ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ" ኢልዎ ኣሎ።
3. እዚ ብዛዕባ ዓርከይ ዝሰማዕካዮ ናይ ዓርከይ ክፉእ ነገር፡እሞ ኻኣ ንዓይ ዘይጠቅም ወረ ዓርከይ ከም
ዝፈጸሞ ኸ ርግጸኛ ዲኻ?
መልሲ፦
ርግጸኛስ ኣይኮንኩን ካብ ሰብ እየ ሰሚዐያ።
በል በል ይኣኽለካ ካብዚኣ ብዛዕባ እዛ ጉዳይ አዚኣ ተንከስ ኢልካ ከይትዛረብ
ዝብል መልሲ እዩ ተዋሂብዎ። ብፍላይ እታ ሳልሰይቲ ሕቶ ምስዛ ሒዝናያ ዘለና ስለ ትተኣሳሰር ዝያዳ ጸቒጥና እንተ ርኢናያ ተመሓላልፈልና
መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ዘይተረጋገጸ ወረ ክንቅበል ከም ዘይግበኣና እዩ። ዋላ ነቲ መረጋጋጺ ኢሎም ዘምጽኡልና ውን መረጋገጺ
ከም ዘድልዮ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ።
ማዕዳ ካብ ኣቦታትና
ንቀበል
ቅዱስ ሲራክ
እዋኑ ዘይሓለወ
ወቐሳ ኣሎ ጥበበኛ ክነሱ ስቕ ዝብል ሰብ ከኣ ኣሎ። ኣብ’ቲ ዝግበኦ እዋን ስለ ዘይዛረብ እቲ ብዓሻ ዝቐርብ ምስላ ዝቕበሎ የብሉን።
ቁጥዓኻ ብውሽጢ ሒዝካ ካብ ምንዳድን ምትካኽን ተዛሪብካ ቊጠዓኻ ምውጻእ ይሓይሽ። ምሰ ተገሰጽካ ምንሳሕ ጽቡቕ እዩ እዚ ፈሊጥካ
ኃጢኣት ካብ ምግባር ከድሕነካ (ሲራ 20፡1-20)
ሓማይን ሓሳውን ንመርገም ዝተገብኡ እዮም። ከመይ ንብዙሃት ሰባት ብሰላም
ክነብሩ እንከለዉ ኣዋዲኦሞም እዮም። ሓማዪ ንኽንደይ ሰብ ሃዊኹ እዩ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከም ዝስደዱ ዝገበረ፡ ጽኑዓት ከተማታት
ዘዕነወ ኣባይቲ ሰባት ዘፍረሰ ንሱ እዩ። ብዙሓት ኣንስቲ ካብ ሓዳረን ከም ዝባረራ ዝገበረ ፍረ ጻምአን ከም ዘይ ረክባ ዝገበረ
ሓማዪ ሰብ እዩ። እቲ ንሓማዪ ሰብ ጽን ዝብል ሰብ ዕረፍቲ የብሉን ብሰላም ክነብር ውን ኣይክእልን እዩ ብጭጉራፍ ምግራፍ ቆርበት
ይመልጥ ሓማዪት ልሳን ግና ዓጽሚ ትሰብር። ብሰይፊ ተቐቲሎም ዝሞቱ
ብዙሓት እዮም ካብኣቶም እቶም ብመልሓስ ተቐቲሎም ዝሞቱ ይበዝሑ።
ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ
“ዋዛ ፈዛዛ ተፍቅር እንተ ኴንካ ከም ሰይጣን ኴንካ ኣለኻ፡ ኣሰልካዪ ዘረባታት ተፍቅር እንተኮይንካ ንዲያብሎስ ድግስ ተዳልወሉ ኣለኻ። ኣብ ልዕሊ ሓውኻ እንተተጻዊትካ ኸኣ ኣፍ ሰይጣን ኴንካ ኣለኻ ጌጋታትን ድኻማትን እተንጀባርር ኣዕናዊ ብዝኾነ ጸለመ ስም፡ እትሕጎስ እንተኮይንካ ሰይጣን ብፍጥረቱ የለን ማለት እዩ። ምኽንያቱ ንስኻ ቦትኡ መንዚዕካ ሒዝካዮ ኣለኻ”
ብኣጋጣሚ ሓደ ሰብ ክላገጽ እንተ ሰማዕካዮ፡፡ብትእምርተ መስቀል ገዛእ ርእስኻ ኣማዕትብ፡ ቀልጢፍካ ድማ ካብኡ ህደም ምኽንያቱ ሰይጣን ኣብ ዘዕርፈሉ ቦታ ክርስቶስ ብዝኾነ ጥበብ ኣይርከብን እዩ::
ንኃው ዝንዕቕን ኣብ ልዕሊ ኃው ዝላገጽን ሰብ ሰፊሕ ውሻጠ ሰይጣን እዩ ብሓጺሩ ልቢ ተላጋጺ ሰብ ቤተ መንግሥቲ ዲያብሎስ እዩ።
ሰይጣን ኣብዚ ሰብ’ዚ ዝኾነ ነገር ክውስኽ ኣይደልን እዩ” ሰይጣን ተባሂልካ ከይትጽዋዕ ብውርደት ሰባት ኣይትተሐጎስ ንሱ ኣብ ዘይብሉ ሰዓት ብዛዕባ ድኻም ኃውኻ ኣብ ትዛረበሉ ጊዜ መልሓስካ ንሙዚቃ ዲያብሎስ በገና ትሃርም ኣላ”
ሰባት ሰይጣን ኢሎም ከይጽውዑኻ ንሰብ ኣይትሕመ። ሰይጣን ዝብል ስም እንተ ጸሊእካዮ ናብ ተግባሩ ኣይትቕረብ። ተግባሩ እንተ ኣፍቂርካዮ ግና ብሰም ሰይጣን ምስማይካ ኣይትሕረቕ። ብዙሓት መታለልቲ ስለ ዘለዉ ንኹሉ ብእዝንኻ እትሰምዖ ኣይትእመን ። ብሓሶት ዝፍጠሩ ሕሜታታት ውሑዳት ኣይኮኑን’ሞ ከንቱ ወረ ኣይትእመን። ልዕሊ ኵሉ ብኣራዊትን ኣዕዋፍን ክትግሰፅ ከም ዝግበኣካ እመን። ኵሉ ፍጡር መምስ ወገኑ ይሰማማዕ እዩ’ሞ ንስኻ ምስ ብጻይካ ብስምምዕ ንበር። ንባዕልኻ ሰይጣን ተባሂልካ ከይትጽዋዕ ብውርደት ሰባት ኣይትተሓጎስ። ብሕቡእ ኃጢኣት ንኸይገብር ንልብኻ ኣትግሃዮ። ምሳ 4፡23 ንኣእዳውካ ኣብ ስራሕ ጽመደን።
No comments:
Post a Comment