ሽዑ ኵሎም እቶም ህዝቢ ቀልጢፎም ተመልሱ። እቶም
ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ንዓ ኣብ ማእከልና ኮፍ በል እሞ ኣረድኣና። ከመይ ኣምላኽ ነዚ ሓቂ እዚ ገሊጽልካ ኣሎ በልዎ። ዳኒኤል ከኣ
ነዞም ክልተ ደያኑ ኣራሓሒቕኩም ፈላልይዎም እሞ ክምርምሮም እየ በሎም። ካብ ሓድሕድ ምስ ፈላለይዎም ድማ ንሓደ ኻብኦም ጸዊዑ
“ኣታ እኩይ ኣረጊት ሰብኣይ እነሆ ሕጂ ናይ’ቲ ኵሉ ዝገበርካዮ ኃጢኣት ፍዳ ክትቅበል ኢኻ። ሕጊ እኳ እግዚኣብሔር ንንጹህን ቅኑዕን
ሰብ ኣይትቕተሎ እንተበለ ዘይቅኑዕ ፍርዲ ፈሪድካ ኣለኻ። ንንጹህ ክመውት ፈሪድካዮ ነቲ ዓመጸኛ ድማ ነጻ ገዲፍካዮ። ሕጂ ድማ ነዛ
ሰበይቲ እዚኣ ብሓቂ ክትዝሙ ረኺብካያ እንተድኣ ኮንካ ንገረኒ ኣብ ትሕቲ እንታይ ዓይነት ኦም ኢኻ ክልቲኦም ብሓደ ደቂሶም ዝረኣኻዮም?
ኢሉ ሓተቶ።
እዚ ሕቶ እዚ ሕጂ ሓቀኛ መልሲ መታን ክረክብ’ሲ መን ኮን ሕጂ ንቤተ ክርስቲያን
ዳንኤል ይኾነላ? እተን ኣእዳው ዳንኤል ኮይነን ብብዙሕ መንገዲ ምእንቲ
ቤተእግዚአብሔር ብሕቡእ ዚንቀሳቐሳ ዘለዋ ኣእጋርን ኣእዳውን ብሓቂ
ብሩኻት እየን።
“ንሱ ድማ ኣብ ትሕቲ ብዕሪር ኢሉ መለሰ” እዚ
መልሲ እዚ ናይቲ ዳንኤል ንበይኑ ፈልዩ ዚሓተቶ ናይ ኣይሁድ ምሳሌ ዚኾነ ረቢ እዩ።
ኣብ መእተዊና ከም ዚገለጽናዮ እዞም ክልተ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ኣይሁድን ኣሕዛብን ቤተ ክርስቲያን ካብ እትምሥረት ጀሚሮም ጸላእታ እዮም። ነቢይ ዳንኤል ነዚ ናይ መጀመርያ ረቢ ምስ ጸውዖ ካብ ቃለ እግዚአብሔር ካብ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ብምጥቃስ ከምዚ ዚስዕብ እናበለ ሓተቶ “ሕጊ እኳ እግዚኣብሔር ንንጹህን ቅኑዕን ሰብ ኣይትቕተሎ እንተበለ ዘይቅኑዕ ፍርዲ ፈሪድካ ኣለኻ። ንንጹህ ክመውት ፈሪድካዮ ነቲ ዓመጸኛ ድማ ነጻ ገዲፍካዮ” ብምባል እዩ ጠቒስሉ፡ እዚ ድማ እዚ 1ይ ረቢ ናይ ኣይሁድ ምሳሌ ምዃኑ እዩ ዘረድኣና ምኽንያቱ ኣይሁድ ሕጊ ኦሪት ዚተማህሩ ስለ ዚነበሩ” ይብል ቅዱስ ኢጶሊጦስ
ሽዑ ዳኒኤል ጽቡቕ ኣንጻር ሕይወትካ መስኪርካ ኣለኻ። ከመይ መልኣኽ እግዚኣብሔር
ከም ቅጽበት ኣብ ክልተ ክጭንድሓካ ካብ እግዚኣብሔር ትእዛዝ ተቐቢሉ ኣሎ በሎ። ሽዑ ንዕኡ ኣርሒቑ ኣቐመጦ ነቲ ካልኣይ ከምጽእዎ
ከኣ ኣዘዞም ንዕኡ ድማ “ኣታ ዘርኢ ይሁዳ ዘይብሉ ዘርኢ ከንኣን ጽባቐ ኣጋገየካ ዝሙት ድማ ንልብኻ ኣዘምበሎ ንደቂ ኣንስትዮ ህዝቢ
እስራኤል ከምዚ ጌርኩም ኢኹም ትጻወቱለን ዝነበርኩም። ንሳተን ውን ፈሪሀን ምሳኻትኩም ይድቅሳ ነበራ እታ ጓል ይሁዳ ግን ንክፍኣትካ
ክትጽመሞ ኣይከኣለትን። ሕጂ ድማ ንገረኒ ኣብ ትሕቲ ኣየናይ ኦም ኢኹም ብሓንሳብ ደቂሶም ከለዉ ዝሓዝኩምዎም?”እናበለ ሓተቶ። ንሱ
ድማ ኣብ ትሕቲ ኵሉ ጊዜ ቆጻል ዝኾነት ሳግላ ኢሉ መለሰ። ዳኒኤል ድማ ጽቡቕ ንስኻ ድማ ኣብ ገዛእ ሕይወትካ ሓሲኻ ኣለኻ፡ ከመይ
መልኣኽ እግዚኣብሔር ሴፉ ሒዙ ኣብ ክልተ ክስንጥቐካ ይጽበየካ ኣሎ። ንኽልቴኹም ከጥፋኣኩም እዩ በሎ።
ነቢይ ዳንኤል ነዚ 2ይ ረቢ ሕጊ ኣይጠቐሰሉን
ምኽንያቱ እዚ ረቢ እዚ ናይቶም ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይፈልጡ ዚነበሩ ኣሕዛብ ምሳሌ እዩ። እንተኾነ ግን ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ “እቶም
ሕጊ ዘይብሎም ኣሕዛብ ሕልናኦም እናመስከረሎም፡ ሓሳቦም ውን ንሓድ ሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኸላኸለ እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም
ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ ኣለዉ እሞ። ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህሪኦም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ ንሳቶም ሕጊ እንተዘይብሎም እኳ ንርእሶም
ሕጊ እዮም” (ሮሜ 2፡14-17) ዚበሎ ኵላቶም ካብ ፍርዲ ኣየምልጡን እዮም።
ሎሚ ውን ዳንኤል ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ ጉልባብ
ጌሮም ቤተ ክርስቲያን ጸሎሎ ንምልካይ ዚኣረገ ባተሪ ዚቕጥቅጡ ዘለዉን፡ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ብዚግባእ እንተዘይፈለጡ፡ እንተኾነ
ግና ነቲ ክፉእን ጽቡቐን ንምፍላይ መታን ኪኽእሉ ካብ ኣምላኽ ዚተዋህቦም ሕልናኦም እናረገጹ ቄናን ፍርዲ ዚፈርዱ ኵላቶም ብሕልናኦም
ኪፈርድ ቆይሙ ኣሎ። ዳንኤል ማለት ትርጉሙ እግዚአብሔር ሓቀኛ ዳኛ ሓቀኛ ፈራዲ እዩ ማለት እዩ።
ብድሕሪ እዚ እቲ ጉባኤ ህዘቢ ብምልኡ ዓው ኢሉ፡ ነቶም ናብኡ ተስፋ
ንዝገብሩ ዘድሕን ኣምላኽ ኣመስገነ። በቲ ዝተዛረብዎ ብሓሶት ከም ዝመስከሩ ዳኒኤል ስለ ዝረትዖም እቲ ህዝቢ ኣንጻር እቶም ክልተ
ደያኑ ተላዕለ። ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝኣዘዞ እቶም ህዝቢ ከምቲ ንጎረቤቶም ብኽፉእ ከጥፍእዎ መዲበምዎ ዝነበሩ ብኽፉእ ኣጥፍእዎም ማለት
ቀተልዎም። ሕይወት እታ ንጽህቲ ሰበይቲ ድማ ድሓነ። ሶስና ካብቲ ዝተኸሰሰቶ ንጽህቲ ኮይና ስለ ዝተረኽበት፡ ወለዳን ሰብኣያን ኵሎም
ኣዝማዳን ንኣምላኽ ኣመስገኑ። ካብታ መዓልቲ አቲኣ ድማ ዳኒኤል ኣብቶም ህዝቢ ኣቢ ስም ዘለዎ ሰብ ኮነ።
እቲ ኣቦታትና ኪምስሉ “ጉድጓድ ንዃዓቲኣ እሾኽ
ንሓጻሪኣ” ዚብልዎ ኣብዚ እዩ ቦታኡ። ሰለሞን ውን ኣብ (ምሳ 26፡27) “ጕድጓ ዚኹዕት ኣብኣ ይወድቕ፡ እምኒ ዘንከባልል ከኣ
ንሳ ትምለሶ” ይብል። ስለ’ዚ ቤተ ክርስቲያን ሕጂ ውን ናይቶም ጕድጓድ ዚኹዕቱ ድኣ እዩ ዘተሓሳስባ እምበር ንሳስ ከም ዚተጸሓፋ
እያ ትኸይድ ዘላ። ስለ እቶም ኣንጻራ ዚትንስኡ ደቃ ግና ኵሉ ጊዜ ትነብዕ።
ኦ ጐይታ ንብዓት ሶስና ከም ዚተቐበልካ ሎሚ ውን ናይ’ዛ ብስምካ ዚተሰመየት
ቅድስቲ ቤት ንብዓታ ሰሚዕካ ፍረደላ! ንስኻ ኣነ ኣብ ዙርያኣ መካበብያ ሓዊ ኪኾነላ፡
ምስ ኵሉ ክብረይ ኣብ ማእከላ ኪነብር እየ”(ዘካ 2፡5) ብዚብል ዘይልወጥ ኣምላኻዊ ቃልካ ንዘልዓለም ከም እትሕልወና ንኣምን ኢና።
ኵሎም ንቤትካ ከጥፍኡ ዚተለዓሉ እዚ ኣብ ዙርያና ዘሎ ሓዊ ኪበልዖም እንተዘይኮይኑ ዘፍርይዎ ከም ዘየለ ውን ንኣምን ኢና’ሞ ሓለዋኻ
ኣብቲ ጽኑዕ ህዝብኻ ኣይትግደፍ ኣሜን
ናይ ነገረ መለኮት ሊቃውንቲ እዚ ናይ ሶስና ታሪኽ 3 ዓለምለኻውያን ነገራት ዚሓዘ ከም ዚኾነ ይዛረቡ
- ፈቲው፡ ሞት፡ እግዚአብሔር
- ብካልእ መንገዲ ድማ ዘወትር ናይ ወዲ ሰብ ሽግር ዚኾኑ ናይ ፈቲው ጾር፡ ፍትሒ ምዝባዕ፡ ናይ ሕዝቢ ምንቕናቕን (Mobinjustice) ብእግዚአብሔር ፈታሒነት ዚተፈትሕሉ ታሪኽ እዩ፡ ብምባል ይምህሩ።
ኢጶሊጦስ ዘሮም “ክብርን ፍቕርን ፈሪሃ እግዚአብሔርን ናትና ንግበሮም፡ ማንም ብስሕተት ነፍሱ ከይስእነና። እግዚአብሔር
ፈታሔ በርትዕ ኰናኔ በጽድቅ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ። ወልደ እግዚአብሔር ኵሉ ዚርኢ ዓይኒ እዩ። ኣብ ምድሪ ዚሥራሕ ዘበለ ኵሉ ካብኡ
ኣይስወርን እዩ። ስለ’ዚ ብልብና ንቑሓት ብነፍስና ድማ ንጹሃት ንኹን ንሶስና ንምሰላ ይብል” ኣሜን ኦ ጐይታ ንቅዱሳንካ ዚመስል
ሕይወት ዓድለና!!!
መተሓሳሰቢ
እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ዘለግል ድኣ እምበር ናይ ሓንቲ ውስንቲ ደብሪ ተባሂሉ ዚተዳለወ
ኣይኮነን። ሶስና ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ድኣ እምበር ናይ ሓንቲ ደብሪ ምሳሌ ኣይኮነትን። ኣብ ዓለም ፋሕ ኢላ ዘላ ሓንቲ ቅድስትን
ሐዋርያዊት ኣጽናፋዊትን ዚኾነት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ዚገጥማ ፈተና ብዓይነቱ ዚፈላለ እኳ እንተኾነ፡ ፈታኒኣ ግን ሓደ
እዩ ስለ’ዚ ንማንም ዚመጸና ፈተና ካብ መን ከም ዚመጸናን ስለ ምንታይ ከም ዚመጸናን ብኸመይ ኪንፈትሖ ከም ዚግባእን እዚ ናይ
ሶስና ታሪኽ እኹል መልሲ ሂብና ኪኸውን ተስፋ ይገብር።
ኣብ መወዳእታ ከስምረላ ዚደሊ፡ እቶም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ ኣብ እምነትና ድማ ብሓፈሻ እኹል ኣፍልጦ ዘይብልና
ኣመንቲ ደቂ ቤተ ክርስቲያን፡ ከምዚ ዓይነት ሕማቕ ንፋስ ኪነፍስ ከሎ ድምብርጽ ኪብለና የብሉን። እዚ ኪብል ከለኹ ድማ እቶም ጸላእቲ
ቤተ ክርስቲያን ንሓደ ሓደ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብውልቀ ሰባት ዚፍጸሙ ጭቡጥ መረጋገጺ ዘለዎም ጌጋታት ውን እንተርኣና፡ እቲ ሽግር
ናይቶም ውልቀ ሰባት ድኣ እምበር ናይ ቤተ ክርስቲያን ከም ዘይኮነ ኣሚንና፡ ምእንቲ እቶም ዚወደቑን ዝተጋገዩን ካብ ምጽላይ ሓሊፍና
ንዓኣቶም ርኢና ንቤተ ክርስቲያን ኪንጸልኣ ኣይግበኣናን።
ኣንታ ጸላኢየይ ሰይጣን ካህን ዝሙት ፈጺሙ ጳጳስ ሰሪቑ ዚብሉ ኣሰቀቕቲ ቃላት እናነዛሕካ ቤት ኣምላኸይ ኪገድፍ ኣይትፈታትነኒ!
ካህን ይኹን ጳጳስ ግና ሥጋ ዚለበሱ ከማይ ሰባት ምዃኖም ዚዝንግዕ ሰነፍ ክርስቲያን ኣይኮንኩን። ይትረፍዶ ካህናትን ጳጳሳትን ሳጥናኤል
እኳ ሓለቓ መላእኽቲ ኔሩ ከም ዚወደቐ ቅዱስ መጽሓፍ ምሂርኒ እዩ። ቅዱስ ዳዊት ውን ሰበይቲ ዓርኩ ወሲዱ ዚዘመወን ንዓርኩ ዚቐተለን
ከም ዚነበረ ብንስሓ ከም ዚተመለሰን ኣይዝንግዖን እየ? ይሁዳ ካብቶም 12 ሐዋርያት እዩ ዚነበረ፡ ንሱ ግን ካብቲ ምጽዋት ይሰርቕ
ነበረ (ዮሐ 12፡1-6) እሞ ኸ ይሁዳ ኣብ ማእከል ሐዋርያት ኮይኑ እንተ ሰረቐ ኣነ ኣብዛ ማሕበር ሐዋርያት ኣይከውንን እየ እንተበልኩስ
ንመን እዩ ዚገዶ? ንዓይ ዶ ኣይኮነን ተመሊሱ ዚጎድኣኒ? ጸላኢየይ ባህ ኣየበልካ ኣነስ ብሳላ እቶም ንቑሓት ኣቦታተይ ነቒሐልካ
እየ፡ ሽግር እንተበዝሓኒ ዝያዳ ድኣ ናብታ ኣደይ ዚኾነት ቤት ኣምላኸይ ይጽጋዕ እምበር ካብኣስ ፈልከት ኣይብልን። ኣደይ ኣብ ዚተጸረፈትሉ፡
ኣደይ ኣብ ዚተጸገመትሉ ኣደይ ኣብ ዚተዋረደትሉ ውርደት ተኻፋሊ ብምዃን እንተዘይ ሓቢረያ፡ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ጸልማት ነደይ እንተዘይ
ደጊፈያ ንታ ናይ ጽባሕ ፀሓይ ድኣ ኣበይ ኮይነ ኪሞቓ እየ? ኣደይ’ሲ ዋላ ትሕመም ዋላ ትጸልም ኣደይ እያ እሞ ከምታ ብጥምቀት
ገና ብ 40 መኣልቲ ዚተቐበለትኒ ከምኡ ድማ ብፍትሓት ኪሳብ ተውጽኣኒስ ካብኣ ምንቕ ኣይብልን!!!
ሓወይ ሓፍተይ ነዚ ቃል ጽን ንበሎ፡ ኣባላት ናይ ቤተ
ክርስቲያን ካብ ዚኾኑ ካብ ተራ ምእመን ኪሳብ እቲ ዚለዓለ መዓርግ ዘለዎም፡ ካብቲ ዚነኣሰ ኃጢኣት ኪሳብ እቲ ዚዓበየ ዚበሃል ኃጢአት
እንተፈጸሙ እዚ ናቶም ድኽመት ድኣ እምበር ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ ከም ዘይኮነ ኣሚንካ፡ ነቶም ዚተጋገዩ መኺርካ ኣተባቢዕካ
ንኺትመልሶም ጸዓር ድኣ እምበር፡ ከምዞም ብጸለመ ናይ ካህናትን ጳጳሳትን ቤተ ክርስቲያኖም ባዶ ተሪፉ ገሊኡ መስጊድ ገሊኡ ለይታዊ
ትልሂት ገሊኡ ድማ ቤተ መዘክር ተቐይሩ ዘሎ ምዕራባውያን ከይትኸውን ምንቃሕ የድሊ። ምኽንያቱ ንስኻ ኣብ ከውሒ ኢኻ ተሰሪትካ፡
ኣፍ ደጌታት ሲኦል ኣብ ዘየናውጽዋ ቤት(ማቴ 16፡13-18)
ኣባ እንጦን ምስ ኣባ ጳውሊ ብዙሕ መንፈሳዊ ዕላላት የዕሊሎም
ኪፈላለዩ ኣብ ዚበሉሉ ንኣባ ጳውሊ ከምዚ ኪብሉ ሓተትዎም “ንቤተ ክርስቲያን እንታይ መልእኽቲ ኣለኩም? ንህዝበ ክርስቲያን ኪትብልዎ
ትደልዩ ምኽሪ እንታይ ኣሎ? ምስ በልዎም ኣባ ጳውሊ ድማ “ንቤተ ክርስቲያን (ንምእመናን) ከምዚ በለለይ ኣብ ጊዜ ፈተና ካብ ቤተ
ክርስቲያን ምህዳም ማለት ብጠቕላላ ካብ እግዚአብሔር ምህዳም እዩ”
ስለ’ዚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዓለም ምሉእ ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ዚኸውን መልእኽቲ ኣለኒ ንሱ ቃል ቅዱሳን እዩ። እቶም
3 መንእሰያት ኣናንያ ሚሳኤል ኣዛርያ ዚተዛረብዎ ቃል መዕጸዊ ኪኾነና ናብኡ ናብኡ ንሕለፍ። እዛ ቃል እዚኣ ካብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ
ነዚ ጽሑፍ እዚ ዘንብብ ሰብ ከይትሕከኽ ኵሉ ጊዜ ኣብ ጊዜ ፈተና ኪትዝክርዋን ይላቦ።
እታ ቃል ከምዚ እያ ትብል “ዎ ንጉሥ እቲ ነምልኾ ኣምላኽ
ካብቲ ጉሁር እቶን ሓዊ ከናግፈና ይኽእል እዩ። ካብ ኢድካ ውን ከናግፈና እዩ፡ ዎ ንጉሥ ዋላ እኳ ንሱ ከናግፈና እንተዘይፈተወ
ንሕናስ ንኣማልኽትኻ ከም ዘይነምልኾም ነቲ ዘቖምካዮ ምስሊ ወርቂ ውን ከም ዘይንሰግድ ፍለጥ በልዎ” (ዳን 2፡17-18)
እዞም ቅዱሳን መንእሰያት ኣምላኽ ከድሕነና እዩ ጥራይ ኣይኮኑን ዚበሉ፡ “ከድሕነና እንተዘይ ፈተወ ውን” እንታይ ማለቶም
እዩ? ከም ዘድሕኖም ዚተጠራጠሩ ዶ ይመስለና? ኣይፋሎምን። ንሕና ውን ከምኡ ከምቲ ዘሎ ጸለመ ከም ዘይከውን እኳ እንተ ኣመንና፡
ብተኣምር እኳ እንተተፈጸመ ግና ከም ቲ ኣብ ላዕሊ ዚገለጽናዮ ሰለ’ዚወደቐ ሓውናን ሓብትናን ኪንጽሊ ብምኽሪ ኪንድግፎም ድኣ ይግበኣና
እምበር ከምቲ ኣጽራረ ቤተ ክርስቲያን ዚምነይዎ በሪርና ኪንጠፍእ መጓሰ ከም ዘይብለን ኣባጊዕ ፋሕ ፋሕ ኪንብል ኣይግበኣናን።
ንባቢሎን ዕጽፊ ጌርኩም ምለሱላ(ራእ ዮሐ 18፡4-7) ከምቲ ንሳ ዚፈደየትኩም ፍደይወ “ዚተባህለ ተበቀልዋ
ማለት ኣይኮነን። ናታ ኃጢኣት ኪበዝሕ ከሎ ጽድቅኹም ብዕጽፊ ወስኹ፡ መከራኣ ኪበዝሕ ከሎ ጽንዓትኩም ብዕጽፊ ወስኹ፡ ክሕደታ ኪበዝሕ
ከሎ እምነትኩም ብዕጽፊ ወስኹ፡ ሓሶት ኪበዝሕ ከሎ ምስክርነትኩም ብዕጽፊ ወስኹ፡ ጽጋብ ኪበዝሕ ከሎ ጾምኩም ብዕጽፊ ወስኹ፡ ዓለማውነት
ኪበዝሕ ከሎ ተጋድሎኹም ብዕጽፊ ወስኹ ማለቱ እዩ። ናይ ዓለም ስቓያን ሓዘናን ናይ ቅዱሳን ጸሎትን ተጋድሎን እዩ።
እዚ ጽሑፍ እዚ ብዲያቆን ዳንኤል ክብረት ካብ ዚተዳለወ “ትንቢተ ዳንኤል ከዘመነ ባቢሎን እስከ ዓለም ፍጻሜ” ካብ ዚብል
መጽሓፍ መሠረት ብምግባር ዘዳለኹዎ እዩ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
No comments:
Post a Comment