bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

ትርጓሜ መጽሓፈ ሰሱና 2ይ ክፋል


ምሳና ከኣ ደቅሲ እንተ ኣቤኺ ግና ንሕና ንሓደ ጎበዝ ምሳኺ ከም ዝጸንሐ በዚ ምኽንያት እዚ ነግራድኪ ከም ዝሰደድክየን ክንምስክር ኢና በልዋ።


ቅዱስ ኢጶሊጦስ “መንፈስ ቅዱስ ገጾም ጸፊዑ ኣዛሪብዎም እዩ እሞ ሓቆም እዮም ብርግጽ ሓደ ጐበዝ ምስኣ ደቂሱ ነበረ፡ ንሱ ድማ ካብ ሰማይ ዚተዋህበ እዩ። እቲ ጐበዝ ምስኣ ንምድቃስ ዘይኮነስ ኣብ ክንድኣ ኮይኑ ሓቂ ኪምስክረላ ምስኣ ነበረ። “ሓደ ጐበዝ ዚተባህለ ነቢይ ዳንኤል ኣብ ክንድኣ ኮይኑ ስለ ሓቂ መታን ኪምስክር ብመንፈስ ትንቢት ምስኣ ስለ ዚነበረ እዩ) ይብል

ረበናት ዚሓተትዋ ነገር ምፍጻም ነቲ ዝሙት ዚኸልከለ እግዚአብሔር ምሕዛን እዩ። እቶም ረበናት ዚሓተትዋ ነገር ዘይምፍጻም ድማ እቶም ረበናት ተሰማዕነቶም ተጠቒሞም ብዘቕርብዎ ክሲ ብእምኒ ተጨፍጪፍካ ምሟት እዩ። እዚ ሞት እዚ ብመጀመርያ ሰማያዊ ቀጺሉ ድማ ምድራዊ ክልተ ሞት ኣለዎ።

ቅዱስ ኢጶሊጦስ “እዚ ኵነታት እዚ ሎሚ ውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኪፍጸም ከሎ ትርእዩ ኣለኹም። ክልቲኦም ዓይነት ሕዝብታት ቅዱሳን ንምጥፋእ ምቹእ ጊዜ ይደልዩ ኣለዉ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ቅዳሴን እናተገብረ ዘሊሎም ናብ ቤት መቕደስ ብምእታው ንክርስቲያናት ሒዞም ይወስድዎም ኣለዉ። ንዑ ምሳና ጣኦታት ኣምላኹ፡ እንተዘይኮይኑ ግና ኣብ ልዕሊኹም መሰኻኽር መዲብና ኪንከሰኩም ኢና ይብሉ። እቲ ምእመን እምቢ እንተድኣ ኢልዎም ናብ ፍርዲ ኣቕሪቦም ይኸስዎም። ልክዕ ትእዛዝ ንጉሥ ከም ዚጠሓሱ ጌሮም ድማ ናይ ሞት ፍርዲ የፍርድዎም) ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።

እዚ ሽግር እዚ ብፍላይ ኣብ’ዚ ምዕራባዊ ዓለም ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ከቢድ ፈተና ኮይንዋ ዘሎ ፈተና እዩ። ወይ እምነትኩምን ሥርዓትኩምን ገዲፍኩም ምሳና ኩኑ ወይ ድማ ናይ መንግሥቲ ደገፍቲ እዮም እናበልና ከነጸልመኩም ኢና እናበሉ፡ ዘጽብቡላ ዘለዉ ጊዜ እዩ። ሶስና ግን ሕጂ ውን ሞት ድኣ ትመርጽ እምበር እምነታን ሥርዓታን ምቕያር ሲ ናይ ኣቦታታ ኣይኮነን እሞ፡ እምቢ ብምባል ስለ ዚመለሰትሎም ኣብ ጊዜ ቅዳሴን ጸሎትን ኣህዛብ ሒዞም ናብ ቤተ ክርስቲያን ዘሊሎም ኪኣትዉ ንርእየሉ ዘለና ዘመን እዩ።

(ቊ 21) ሶስና ካብ ዓሚዩቕ ሓዘን ዝተላዕለ በኸየት። ኣነ ብኽልተ ሸነኽ እጭነቕ ኣለኹ፡ ከመይ ነዚ ነገር እዚ እንተ ገበርኩዎ ንዓይ ሞት እዩ። እንተ ኣቤኹ ድማ ካብ ኢድኩም ክመሉቕ አይክእልን እየ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኃጢኣት ካብ ዝገብር ኣብ ኢድኩም ምውዳቕ መሪጸ ኣለኹ በለቶም። ሽዑ ሶስና ብዓቢ ድምጺ አእወየት፡ እቶም ክልተ ደያኑ ድማ ኣንጻራ አእወዩ(ቊ22-23)

ናብ መን እያ ዘእወየት? እወ ንሳ ናይ እግዚአብሔር ስለ ዚኾነት ናብ እግዚአብሔር እያ ዘእወየት። ነቢይ ኢሳይያስ “ሽዑ ኪትጽውዕ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ኪመልሰልካ፡ ከተእዊ፡ ንሱ ድማ፡ እኔኹ፡ ኪብል እዩ። ነርዑት፡ ንምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ ንሕማቕ ዘረባ ኸኣ ካብ ማእከልካ እንተ ኣርሐቕካ”  ዚበሎ ቃል ፈጸመቶ። (ኢሳ 58፡9)

እቶም ክልተ ደያኑ ድማ ኣንጻራ አእወዩ

(እዚ ኵሉ ጊዜ ዘሎ እዩ ናይ’ዛ ዓለም ክፉኣት ሰባት ንቅዱሳን ኣወግድዎም እናበሉ ካብ ምጭራሕ ኣየቋርጹን እዮም። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዚተተኽለትሉን ኣብ ዚዓምበበትሉን ኵሉ ስፍራ ድማ ንኺነቕልዋ ብጋዜጣን ብቴለቪዥንን ካብ ምጭራሕ ኣየቋረጹን፡ ንሳ ንጸሎት ንሳቶም ንጸለመ ብሓደ ካብ ምጭዳር ኣየቋርጹን እዮም)

 (ቊ25-26)ሓደ ካብ ክልቲኦም ድማ ጎዩ ነቲ ማዕጾ እንዳ ኣታኽልቲ ከፈቶ። እቶም ናይ ቤት ኣገልገልቲ ድማ ኣብቲ እንዳ ኣታኽልቲ ኣውያት ምስ ሰምዑ ንሶስና እንታይ ከም ዝረኸባ ክርእዩ ፡ በታ ንእሽቶ ማዕጾ ኣቢሎም ናብ እንዳ ኣታኽልቲ ቀልጢፎም መጹ። እቶም ደያኑ ነቲ ዝመሃዝዎ ዛንታ ምስ ነገሩ እቶም አገልገልቲ ሓፈሩ ከመይ ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ሶስና ተዘሪቡ ኣይፈልጥን ነበረ።

 ከምዚ ዝበለ ነገር ኣብ ሶስና ተዘሪቡ ኣይፈልጥን ነበረ፡ ብንጽሕናኣ እትፍለጥ ወረጃ ሰበይቲ ስለ ዚነበረት ኣዝማዳን ባሮታን ሰንበዱ (ከምዚ ነገር እዚ ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ብፍላይ ድማ ኣብታ ንኸምዚ ክፉእ ነገር ንምፍጻም ዘይምችእ ጽኑዕ ሕግን ሥርዓትን ዘለዋ ኣብ ታሪኽ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዜና ስለ ዚኾነ ከምቲ ወለዲ ሶስና ዚሰንበዱ ንሕና ውን ሰንቢድና ንኸውን። ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያንና ይትረፍዶ ዝሙት ኪፍጸመላስ፡ ናይ ደቂ ተባዕትዮን ናይ ደቂ ኣንስትዮን ኮፍ መበሊ ውን በበይኑ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዊሕ ክዳን ተኸዲነን ኪኣትዋ ከም ዘለወን ትምህረሉ ምኽንያት ውን ካብዚ ኵሉ ፈተነ ንምድሓን እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ጸጕረን ተሸፊነን ዚኣትዋሉ ምኽንያት ውን ካብቲ ብምርኣይን ምምናይ ዚመጽእ ናይ ሃልዮ (ናይ ሓሰብ) ኃጢአት ንምድሓን እዩ።(1ይ ቆሮ 11፡5)

     ንጽባሒቱ እቶም ህዝቢ ኣብ እንዳ ሰብኣያ ኣብ እንዳ እዮኣቄም ምስ ተኣከቡ እቶም ክልተ ደያኑ ከኣ ንሶስና ብሞት ከቕጽዑ ምስ እኪት ውዲቶም መጹ። ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ድማ ንሶስና ጓል ኬልቅዩ ሰበይቲ እዮኣቄም ከምጽእዋ ለኣኹ። ንሳ ድማ ምስ ወለዳን ምስ ደቃን ምስ ኩሎም ስድራኣን መጸት።
 
(ሰብኣያ እዮኣቄም ናይ ፍርዲ ሰብ ስለ ዚነበረ ናብኡ ተኣከቡ)
 
     ሶስና ኣዝያ ጸጋ ዝመልኣን ጽቡቕ ዝመልክዓን ነበረት። ተጎልቢባ ስለ ዝነበረት ከኣ እቶም ክልተ እኩያት ሰባት ጉልባባ ክትቀልዕ ኣዘዝዋ። እዚ ድማ ጽባቔኣ ርእዮም ምእንቲ ክጸግቡ ነበረ። ስድራኣን አዝማዳን ኵሎም እቶም ዝረኣይዋን ግና በኸዩ።(ቊ-33)

( ናይ ሶስና ጽባቐ ከም ናይ ኤልዛቤል መልክዕ ስምዒት ብዚቕስቅሱ ነገራት ዚተጸባበቐት ኣይነበረትን። ዓይና ብኵሕሊ ዚተመላኽዐ ኣይነበረን ንሳ ብእምነታን ቅድስናኣን ንጽሕናኣን ዚተጸባበቐት መልክዐኛ ነበረት)ይብል ቅዱስ ኢጶሊጦስ

ኣብ ላዕሊ ከም ዚተመልከትናዮ ቤተ ክርስቲያን ከም ሶስና ጉልብብቲ እያ፡ ግን ከኣ ከም ሶስና ኣዝያ ውቅብትን ጽብቕትን እያ። ጽባቔኣ ካብ ዚሙት ዚኽልክል ንጹህ ሥርዓታታ እዩ።

ዲያቆን ዳንኤል ድማ (እቶም መምህራን ግና ናይ ፈቲው ስምዒቶም ንምርዋይ ጉልባባ ቀልዑ፡ ዝሙት ብሓሳብ ብስምዒትን ብተግባርን ይፍጸም። ብሓሳብ ብቐትሪ ብሕልናኻ፡ ለይቲ ውን ብሕልሚ ብዛዕባ ዝሙት ብምሕሳብ፡ ብስምዒት ድማ ብምርኣይ ብምትንኻይን ብምስማዕን፡ ብገቢር ድማ ኣመንዝራነት ብምፍጻም ማለት እዩ። ጉልባብ ምቕላዕ ናይ ዘማውያን ተግባር እዩ ስለ ዝኾነ ድማ ጉልባባ ምስ ተቐልዐ ኣዝማዳ በኸዩ) ይብል።

ኦ ጐይታ ብሰንኪ ኃጢአትና ብኣረሜናውያን ዚግፈፍ ጉልባብ ቤተ ክርስቲያን ከይመጽእ ንጸሎት ዚነቅሕ ሕልና ኪህልወናን ምስ ሶስናን ምስ ቤተ ሰባን ኮይኑ ድማ ስለ ቤተ ክርስቲያንን ስለ ጸላእታን ዚነብዕ ልቢን ሃበና!

     ብድሕሪ እዚ እቶም ክልተ ደያኑ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ደው በሉ። ኣንጻራ ንኽምስክሩ ከኣ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ሶስና ኣንበሩ(34)

 (ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊኣ ብምጽዓንን ሰብነታ ብምድህሳስን ናይ ፈቲው ስምዒቶም ንኸርውዩ ደልዮም እዮም” ይብል ቅዱስ ኢጶሊጦስ

 ንሳ ኸኣ እንዳበኸየት ናብ ሰማይ ጠመተት ከመይ እምነታ ኣብ እግዚኣብሔር ኣውዲቓ ነበረት።

ቅዱስ ኢጶሊጦስ (ብንብዓታ ፈጣሪኣ ንኽትጽውዕ) ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ።

ኣብ ምድሪ ዚነበሩ ኵሎም ስለ ዚፈረድዋ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ንዓኣ ዘድሕን ሓይሊ ስለ ዘየለ ናብ ሰማይ ገጻ ኣቕንዐት። ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ኣብ (መዝ 118፡8) “ካብ ኣብ ሰብ ምውካልሲ ኣብ እግዚኣብሄር ምዕቋብ ይሐይሽ” ከም ዚበለ። ደጊሙ ውን ኣዒንተይ ናብ ኣኽራን ኤልዕል ኣሎኹ። ረዲኤተይ ካበይ እዩ ዚመጸኒ፧ ኢሉ ይሓትት እሞ ረዲኤተይሲ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚኣብሄር እዩ ዚመጸኒ” ብምባል ድማ ይምልሶ(መዝ 1211-2)

ብድሕሪ እዚ “እቶም ደያኑ ድማ ንሕና በይንና አብ እንዳ ኣታኽልቲ እንዳተዛወርና ከለና እዛ ሰበይቲ እዚኣ ምስ ክልተ ኣግራዳ ናብቲ እንዳ ኣታኽልቲ ኣተወት። ነቲ ማዕጾ እንዳ ኣታኽልቲ ዓጸወቶ። ነተን ኣግራዳ ድማ ሰጎጎተን፡ ብድሕሪ እዚ ሓደ ጎበዝ ካብቲ ተሓቢኡሉ ዝነበረ ወጸ መጺኡ ድማ ምስኣ ደቀሰ። ንሕና ኣብ ጫፍ እንዳ ኣታኽልቲ ነበርና፡ ነዚ ክፍኣት’ዚ ምስ ረኣና ድማ ናብኣቶም ጎየና። ብሓንሳእ ደቂሶም ከለዉ ረኣናዮም። ነቲ ሰብኣይ ክንሕዞ ኣይከኣልናን ከመይ ንሱ ካባና ኣዝዩ ብርቱዕ ስለ ዝነበረ ኃየለና። ነቲ ማዕጾ እንዳ ኣታኽልቲ ከፊቱ ድማ ጥሒሱ ወጸ። ስለዚ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ሓዝናያ እሞ እቲ ጎበዝ መን ከም ዝነበረ ሓተትናያ። ንስ ግን ክትነግረና ኣይደለየትን። ነዚ ነገር እዚ ንሕና ምስክር ኢና በሉ።(ቁ 35-39) ንሳቶም ሽማግለታት ህዝብን ደያኑን ስለ ዝነበሩ እቲ ጉባኤ ህዝቢ ኣመኖም። ሶስና ትሙት ኢሎም ከኣ ፈረዱ(ቊ 40)

 (ከመይ ጌሩ እዩ እቲ ህዝቢ ዚኣመኖም? ሽማግለታትን ደያኑን ስለ ዚነበሩ? እወ ንሳቶም ውን እዚ ስለ ዚፈለጡ ህዝቢ ሓቂ ኣየናይ እዩ ኢሉ ከይመርመረ  ብሓላፍነቶም ርእዩ ንዓኣቶም ከም ዚኣምኖም ስለ ዚፈለጡ እዮም ነዚ ናይ ሓሶት ክሲ ኪምሥርትዎ ዚደፈሩ ። ሕጂ ውን ከምኡ እዩ ሰብ ኣብ’ቲ መራኸቢ ብዙኀን ዚነዝሕኦ ወሬታት ተወኪሉ ከም ዘሎ ጽቡቕ ጌሮም ስለ ዚፈለጡ ተቐባልነት ከም ዚረኽቡ ብምትእምማን እዮም ዚዝርግሕዎ።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትርጓሜ “ሓስዮም ከይብልዎም መምህራን ህዝቢ ስለ ዚኾኑ፡ ብገንዘብ ተታሊሎም ከይብልዎም ድማ ገዛእቲ እዮም ዚነበሩ” ይብል።
በዚ ከምዚ ዓይነት ኵነታት ክንደይ የዋሃን ጠፊኦም እዮም። ክፉኣት ሰባት ኣብ ዘመኖም ዘለዎም ሥልጣንን ተሰማዕነትን ተጠቒሞም ንህዝቢ ኣለዓዒሎም ብዙሕ ጥፍኣት ኣውሪዶም እዮም። ንሳቶም ኣይሕስዉን እዮም፡ ንሳቶም ኣይጋገዩን እዮም እናተባህሉ ስለ ዚተኣመኑ ክንደይ ሰባት ብዘይ ፍትሒ ኣጥፊኦም እዮም) ይብል ዲያቆን ዳንኤል።

     ሽዑ ሶስና ብዓቢ ድምጺ የእወየት “ኦ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ካባኻ ክሕባእ ዝኽእል ምሥጢር የለን፡ ንዅሉ ነገር ከይኮነ ከሎ ትፈልጦ ኢኻ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓሶት ይኸሱኒ ከም ዘለዉ ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። ኣነ ግና እነሆ እመውት ኣለኹ።እዚ ንሳቶም ፈጢሮም ዝኸሱኒ ዘለዉ ነገር ከቶ ኣይወዓልኩዎን” እናበለት ውን ጸለየት ። (ቊ41-42)

(ብዓቢ ድምጺ ኪብል ከሎ ጽርሐ ልቦና እዩ። ብልቦናኣ ናብ ፈጣሪ ዓው ኢላ ተዛረበት፡ ናብቲ ብርትዒ ዚፈርድን ብሓቂ ፍትሒ ዘውጽእን እግዚአብሔር ጠርዐት። ናይ ድኻታት ይግባይ ናብ ዚሰምዕ ዚቐነነ ፍርዲ ናብ ዘቕንዕን ናብ ዚልውጥን ጠርዐት)

     እግዚኣብሔር ጸሎታ ሰምዐ (ቊ 43)

 “ኣብ ጊዜ ጸበባ ጸውዓኒ ኣነ ድማ ከድሕነካ እየ፡ ንስኻ ድማ ከተኽብረኒ ኢኻ”(መዝ 50፡15) ዚበለ እግዚአብሔር ጸሎት እታ ብሓሶት ዚኸሰሰት ንጽሕቲ ሶስና ሰሚዑ መለሰላ።

ኦ ጐይታ ነቲ ናይ ሓሶት ልብሲ ምስክር ብምግባር ሰበይቲ ንጉሥ ዚኸሰሰቶ ዮሴፍ፡ ከም ዚረዳእካዮ ርድኣና(ዘፍ 39፡21)። እዛ ዘለናያ ብስምካ ዚተሰመየት ቤት እታ ንስኻ ምስ ሐዋርያትካ ተሰቒልካላ እንከለኻ ብብርቱዕ ማዕበል ትጭነቕ ዚነበረት መርከብ እያ። ነታ መርከብ ካብቲ ባሕሪ ዚተላዕለ ብርቱዕ ማዕበል ከጥሕላ ከም ዚደለየ፡ ሕጂ ውን ነዛ ብስምካ ዚተሰመየት ቤት ንምጥሓል ካብ’ዛ ብባሕሪ ዚተመሰለት ዓለም ብዙሕ ናይ ሓሶት ክስታትን ዚተሰነየ ማዕበላት ይመጽኣ ምህላዉ ትርኢ ኣለኻ፡ ነቲ ማዕበል ብቃልካ ጸጥ ከም ዘበልካዮ ሕጂ ውን ነቶም ኣብ እምነትና ዘይጸናዕና ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያንና እኹል ኣፍልጦ ዘይብልና ድኹማት ደቅኻ ዘናውጸና ዘሎ ማዕበል ኣህድኣልና።

ልክዕ ሶስና ክትቅተል ክወስድዋ ከለዉ፡ ዳኒኤል ዝተባህለ መንእሰይ እግዚኣብሔር ኣለዓዓሎ። ንሱ ብዓቢ ድምጺ “ኣነ ካብ ደም እዛ ሰበይቲ እዚኣ ንጹህ እየ፡ እናበለ ዓው ኢሉ ተዛረበ። ኵሎም እቶም ህዝቢ ናብኡ ተመልሱ። “እንታይ ኢኻ ትብሎ ዘለኻ?” ኢሎም ድማ ሓተትዎ። ዳኒኤል ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ “ኦ ህዝቢ እስራኤል ክሳብ ክንድዚ ዶ ዓያሹ ኢኹም? ከይመርመርኩምን ብቑዕ ምስክርነት ከይረኸብኩምንሲ ንሓንቲ ጓል እስራኤል ንሞት ክትፈርድዋ? ናብቲ ኣደባባይ ፍርዲ ተመለሱ እሞ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓሶት እዮም ኣንጻራ መስኪሮም ዘለው በሎም።

ኣብ’ዚ ኪንመሃሮ ዚግበኣና ዋና ቊም ነገር እዚ ነቢይ ዳንኤል ዚተዛረቦ ቃል እዩ። ኣንቱም ጋዜጠኛታት ክሳብ ክንድ ዚ ዶ ዓያሹ ኢኹም? ከይመርመርኩምን ብቑዕ ምስክርነት ከይረኸብኩምን’ሲ ነዛ ቅድስቲ ቤት ቤት ኣመንዝራታት ኪትሰምይዋ ዶ ግቡእ እዩ? ኵሉ መረጋገጺ ዘይብሉ ክሲ ተገምጢሉ ዘኽስስ ምዃኑ ኸ ዘንጊዕኩሞ ዲኹም?

 ብርግጽ ሓደ መበገሲ ዚኾኖም ጫፍ ከይረኸቡ ከም ዘይጽሓፍዎ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ኣብ ካምፕታት ናይ ሆላንድ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ ካብ ካምፕታት ወጺኦም ኪዛወሩ ስለ ዘይፍቀደሎም፡ ንቤተ ክርስቲያን ዚብል ምኽንያት ግና ካብ ካምፕታት ናይ ምውጻእ ተኽእሎታት ኣሎ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመን ብስም ቤተ ክርስቲያን ኣመኽንየን ብምውጻእ፡ ምስ ዚደለይኦ ወዲ ዝሙት ዚፍጽማ ኣይሰኣናን። እዘን 22 ነፍሰ ጾራት ትሕቲ ዕድመ ዚተበሃላ ውን በዚ መንገዲ ፈጺመንኦ ኪኾና ይኽእላ እየን፡ ምሳታተን ካብ ዚቕመጡ ጠኒሰን ኪኾና ውን ይኽእላ እየን። ነቲ ዘሎ ተኽእሎታት ብምጥቃስ ካብ ምግማት ዚሓልፍ መደምደምታ ግና ኣይኮነን። ዚወጻሉ ንቤተ ክርስቲያን ተባሂሉ እዩ ዚሓድራሉ ግና ንሳተን ጥራይ እየን ዚፈልጥኦ። ንሳቶም ግና ዓለም ብዘጥረየቶ መሳርሒ ምጥናሰን ከረጋግጹ እኳ እንተኸኣሉ ኣበይን ካብ መንን ዚብል ግና ምንም ዚሓዝዎ ጭብጢ የለን።

በዚ ኣጋጣሚ ኪብሎም ዚደሊ ነጥብታት ኣለዉ

1ይ ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ብዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።ማቴዎስ 5:16  ዚብል ናይ ጐይታ እናኣስተንተንና፡ ኣብ ኵሉ ኵርንዓት ዓለም ብስደት ፋሕ ኢልና ዘለና መንእሰያት። ኣብ ዘዘለናዮ ቦታ ብዚከኣለና መጠን ኵሉ ብኣካይዳና ብኣዘራርባና ብትሕትናና ብተኣዛዝነትና ብተኣማንነትና ብፍቕርና ብሓድነትና ብኵሉ ነገርና ንክርስቶስን ንቅዱሳንን ኪንመስል ንፈትን። እዚ ብርሃን እዚ ካባና ካብ ኤርትራውያን ንዓለም ይብራህ። ክርስቶስ ዚብል ስም ኣምላኽና ተዋሕዶ ዚብል ሃይማኖትና ኤርትራ ዚብል ስም ሃገርና ጽፉፍ ባህልናን ብምዕቃብ ኣርኣያ ናይ ጽቡቕ ንኹን።

ከም’ዚ እንተጌርና ክርስቲያን ኤርትራዊ ዚብሉ ክብርታት እንተዓቂብናዮም፡ ኣብ ዚኾነ ሥራሕ ቀዳምነት ከም ንዓና እዩ፡ ኣብ ዚኾነ ሃገር ብቐሊሉ መንበሪ ወረቐት ንምሓዝን ብሰላም ንምንባርን ኣይንሽገርን ኢና እሞ ነዚ ኪንገብር እግዚአብሔር ይሓግዘና።

ብኣንጻሩ ነቢይ ሕዝቅኤል ኣብ (36፡20) “ብዛዕባኦም ከኣ እዚኣቶም ይኣይ ህዝቢ እግዚኣብሄር እዮም፣ ካብ ሃገሩ ወጺኦም፣ እናተባህለስ፣ ኣብ ዘዝኣተውዎም ኣህዛብ ምስ በጽሑ፣ ነቲ ቅዱስ ስመይ ኣርከስዎ” ዚተባህለ ኣባና ከይፍጸም ኣዚና ኪንጥንቀቕ ይግብኣና። ብፍላይ እዘን ክልተ ኣስማት ስም ኣምላኽናን ስም ሃገርናን እንተኸሲርናየን ናይ ሥጋን ነፍስን በረኸትና ብሓንሳብ ጠፊኡ ማለት እዩ።

 በዚ ስም እዚ እናተጸዋዕና ከምዚ ኣብ ፈቐዶ ካምፕታትን ጽርግያታትን ናይ ኤውሮጳ እንርእዮ ዘለና፡ ንሰክር ብዓዲ ንፈላለ ንዝሙ ንበኣስ እንተኴንና ግና ሃይማኖትናን ሃገርናን ኣሕሲርናዮ ኣለና ማለት እዩ። በዚ ምኽንያት ከም’ዚ ኣብ ዚተፈላለየ ዓድታት ብሰንኪ ዘይእሩም ተባይና ኤርትራውያን ኣይቅበልን እየ ከም ዚብላ ዚገበርናየን፡ ካልእ ብዙሕ ዕድላት ውን ኪዕጸወና እዩ። ብዓቢኡ ድማ ስም ኣምላኽ እናልዓልና ክፍኣትን ዝሙትን ምፍጻም ደገ ሰማይ ዘዕጹ እዩ እሞ ኣብ ዘዘለናዮ ንጽሕናና ሓሊና ኪንከይድ መድኃኔ ኣለም ባእሉ ይደግፈና(ሮሜ 2:23–24 )

2ይ እተን እዚ ነገራት እዚ ጸብጻብ ሂበን ተባሂልና ዚንገረልና ዘለና ደቂ ኣንስትዮ ኣሕዋትና ድማ፡ ብመጀመርያ ብሓቂ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣመንቲ እንተኴንና። ቤተ ክርስቲያን ብዚኾነ ዓይነት መንገዲ ይትረፍ ዶ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዋላ ኣብ ገዛኻ ውን ቅድሚ ቃል ኪዳን ዚግበር ሥጋዊ ርክብ ከም እተወግዞ ፈሊጥና፡ ንስሓ ኪንኣትወሉ ይግበኣና።

ኣምላኽና መሓሪ እዩ እሞ ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ዚገበርናዮ ኃጢኣትና ይቕረ ከም ዚብለልና ኣሚንና ናብኡ ናብ መድኃኔ ዓለም ኪንምለስ መንፈሳዊ ምኽረይ ኪልግሰልክን ይፈቱ። ሰብ ኮይኑ ዘይጋገ ስለ ዘየለ በዚ ተስፋ ኪትቆርጻ ኣይግበኣክንን። ኣምላኽና ኣምላኽ ዳዊት ኣምላኽ ሰለሞን እዩ። እዞም ቅዱሳን ኣበው እዚኣቶም ውን ብዝሙት ወዲቖም ስለ ዚተንሥኡ ኢና ቅዱሳን እናበልና ንጽውዖም ዘለና። ማርያም በዓልቲ ጨና ውን ካብ ዚሙት እያ ናብተን 36 ቅድሳት ኣንስቲ ኪትጽምበር ዚከኣለት። ማርያም ግብጻዊት ውን ብናይ ሓንቲ መኣልቲ ጌጋ ዚመጸት ጥንሲ ዘይኮነስ ዕረፍቲ ዘይብሉ ዝሙት ትፍጽም ድሕሪ ምንባራ እያ ናብ ናይ ቅድስና ሕይወት ዚኣተወት እሞ በዚ ተስፋ ከይትቖርጻ ሓደራ ኪብለክን ይፈቱ።


ብተወሳኺ ምናልባት ኪሳብ ክንድዚ ጸገም ከም ዘለዎ ከይተረድኣክን፡ ዚፈጸምክናኦ ጌጋ ንብዙሓት ሰባት ከም ዚዓንቀፍክን ተረዲእክን ነቲ ሓቂ ባዕልኽን ኪትገልጽኦን ስለ እምነትክን ኪትብላ ብኩሉ ዚከኣለክን ሓቂ ንምግላጽ ኪትጽዕራን ይምሕጸን። ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ሓይሉ መታን ኪህበን ድማ ኵልና ብጸሎት ንደግፈን። ምኽንያቱ እቲ ሽግር ነቲ ብሰንኩ መዓንቀፊ ዚመጸ እምበር ቤተ ክርስቲያን’ሲ ከምቲ ዚተጻሕፈላ እያ ትኸይድ።

ዳኒኤል ኣብ ቅድሚኦም ደው ኢሉ “ኦ ህዝቢ እስራኤል ክሳብ ክንድዚ ዶ ዓያሹ ኢኹም? ከይመርመርኩምን ብቑዕ ምስክርነት ከይረኸብኩምንሲ ንሓንቲ ጓል እስራኤል ንሞት ክትፈርድዋ? ናብቲ ኣደባባይ ፍርዲ ተመለሱ እሞ እዞም ሰባት እዚኣቶም ብሓሶት እዮም ኣንጻራ መስኪሮም ዘለው በሎም። እታ ብእምኒ ንኽትቅተል እምኒ ብዝዓተሩ ሰባት ተኸቢባ ዘላ ሶስና እንታይ ኮን ይገጥማ ይኸውን?

No comments:

Post a Comment