bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 16 April 2016

ትርጓሜ መጽሓፈ ሰሱና 1ይ ክፋል

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን!

ናይ ሰሱና ናይ ሓሶት ክስን (ጸለመን) መወዳእትኡ እንታይ ይኸውን?

እዚ ጽሑፍ እዚ ንምድላው ምኽንያት ዚኾነኒ እቲ ኣብ ልዕሊ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ናይ ደብረ ገነት ኪዳነ ምህረት ሮተርዳም ዚተሰንዘረ ናይ ሓሶት ዜናታትን ጸለመታትን ከም ሓቂ ዚተቐበልዎ ሰባት ርድኢቶም መታን ከዐርዩን ብዛዕባ ናይ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ዚገብሮም ጸለመታት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እኹል ትምህርቲ ረኺቦም ኣብ እምነቶም ንኺጸንዑን ንምሕጋዝ እዩ።

ብርግጽ በዚ ኣዝዩ ዘሰንብድ ዜና ልቢ ኵሉ ኣማኒ ኣብ ከቢድ ሓዘን እኳ እንተሃለወ ብኣንጻሩ በዚ ፍጻሜ እዚ ዚተሓጎሱን ዚተሰራሰሩን ናይ ሰይጣን ናይ ግብሪ ደቁ ውን ብጽሑፋቶም ኣረጋጊጾም እዮም።

ስለ’ዚ እቶም ሰኣን ፍልጠት ዚጠፋእና ናብ ፍልጠት ኪንመጽእ እቶም ኮነ ኢልና ገና ነቲ ሓዊ ካብ ምውላዕ ጀሚርና ዕንጨይቲ ንኣርየሎም ዚነበርናን፡ ሕጂ ውን ብዚተፈላለየ መንገዲ ነቲ ሓዊ እናኣጎሃሃርና ኣብ ሥራሕ ሰይጣን ኮነ ኢልና ዚተጸመድና ውን ኣተሓሳስባና የዐሪና፡ ካብ ኢድ ናይ ሰይጣን ኴንና ብጽሑፋትና ሓዊ ነጎሃህር፡ ኣእዳው እግዚአብሔር ኴንና ነቲ ዚተወልዐ ሓዊ ኣብ ምጥፋእ ብዓቕምና ኪንጽዕርን ትዕድመና ጽሕፍቲ እያ ኢለ ብምሕሳብ ዘቕረብክዋ እያ። ሰናይ ምክትታል

ኢዮኣቄም ዝበሃል ኣብ ባቢሎን ዝቕመጥ ሰብኣይ ነበረ። ሶስና እትበሃል ጓል ኬልቅዩ ድማ ተመርዓወ። ንሳ ኣዝያ ጽብቕትን ንእግዚኣብሔር እትፈርህን ሰበይቲ ነበረት። ወለዳ ጻድቃን ነበሩ። ንጓሎም ድማ ሕጊ ሙሴ ምሂሮማ ነበሩ። ሰብኣያ ኢዮኣቄም ከኣ ኣዝዩ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣብ ጥቓ ገዝኡ ድማ ገፊሕ እንዳ ኣታኽልቲ ነበሮ። ኣይሁድ ድማ ካብ ኵሎም ዝኸብር ንሱ ስለ ዝነበረ ናብኡ ይመጹ ነበሩ።
 
"እዛ ጽብቕትን ውቅብትን መርዓት እዚኣ (ሰሱና) ናይ ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ እያ፡ እቲ ሃብታም ሰብኣያ ድማ ናይ’ቲ ምንጪ ኵሉ ሃብቲ ዚኾነ ናይ ክርስቶስ ምሳሌ እዩ(ኤፌ 5፡21-32) ናይ ኣታኽልቲ ቦታ ዚተባህሉ ፍረ ዘለዎም ኣቑጽልቲ ኮይኖም ኣብ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ዚተተኽሉ ቅዱሳን እዮም፡ ባቢሎን ድማ ናይ ዓለም ምሳሌ እያ)
በታ ዓመት እቲኣ ካብቶም ህዘቢ ክልተ ሽማግለ ደያኑ ክኾኑ ተሸሙ። ንሳቶም ድማ ከምቲ እግዚኣብሔር ብዛዕብኦም "ካብ ባቢሎን ዓመጽ ክወጽእ እዩ፡ ንህዝቢ ዘመሓድሩ ሰባት ፍትሒ ምሃብ ኣይክእሉን እዮም" ዝበሎ ዓመጸኛታት ነበሩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ብዙሕ ጊዜ ኣብ እንዳ ኢዮኣቄም ይርከቡ ነበሩ። እቶም ብሕጊ ፍትሒ ንምርካብ ጥርዓን ዘለዎም ድማ ናብኦም ይመጽኡ ነበሩ። ኵሉ ሰብ ፍርቂ መዓልቲ ኮይኑ ነንገዝኡ ምስ ከደ ድማ ሶስና፡ ናብቲ እንዳ ኣታኽልቲ ሰብኣያ ክትዛወር ትኸይድ ነበረት። እቶም ክልተ ሽማግለታት ድማ ኵሉ መዓልቲ ክትኣቱን ክትወጽእን ይርእይዋ ነበሩ። ክምነይዋ ከኣ ጀመሩ።

( እዞም ክልተ ደያኑ ንቤተ ክርስቲያን ዚፍትንዋ 2 ዓይነት ሕዝብታት ምሳሌ እዮም። እቶም ቀዳሞት ግዙራን ኣይሁድ ኪኾኑ ከለዉ እቶም ካልኣይ ድማ ቆላፋት ኣሕዛብ እዮም)
ኣዒንቶም ስለ ዝተደፍነ ቅኑዕ ፍርዲ ከም ዘሎ ረስዑ።ኣዒንቶም ስለ ዝጸልመተ ንእግዚኣብሔር ምፍራሕ ከም ዝግባእ ዘንግዑ። ክልቲኦም ድማ ብፍትወት ሶስና ነደዱ።
 
( ንሳቶም ንሕዝቢ ከመሓድሩን ሕጊ ንኺፍጽሙን እዮም ተመሪጾም ዚነበረ። ንሳቶም ግና ብፈቲው ጾር ተነዲፎም ሓላፍነቶም ዘንግዑ) ይብል ዲያቆን ዳንኤል።

ኢጶሊጦስ (እዞም ረበናት ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዚተሸሙ እዮም። እዚኣቶም ኣብ ልዕሊ ከም በዓል ሰሱና ዚኣመሰሉ ጻድቃን ዚተሸሙ ኃጥአን ምሳሌ እዮም። ቤተ ክርስቲያን ድማ በዞም ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት እያ መከራ እትቕበል) ይብል።

ብሓቂ ድማ ሕጂ ውን ንቤተ ክርስቲያን ዘጋጥማ ዘሎ ምስ እንምልከት ካብዚ ዚፍለ ኣይኮነን። ንቤተ ክርስቲያን ዘመሓድሩን ዚቆጻጸሩን ሰባት ንዓኣ ዚበቕዑ ሰባት ስለ ዘይኮኑ ቤተ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ኣብ መከራ ንኺትወድቕ ይድርኽዋ ኣለዉ።

ኣብ ከምዚ ኵነታት እንታይ ኪንገብር ከም ዚግበኣና ኪመክር ከሎ ቅዱስ ኢጶሊጦስ "ገዛእትኹምን ኣመሓደርትኹምን ናይ ዲያብሎስ ኣገልገልቲ ኣብ ዚኾንሉ ጊዜ ንስኻትኩም ግና ኣንቱም ደቂ እግዚአብሔር ብንጹሕ ልቢ ናብ ሰማያት ተመልከቱ" ይብል።


(ቁ 10)ብዛዕባ ዝነበሮም ስቓይ ግና ነንሕድሕዶም ኣይተገላለጹን። ከመይ ንሓድሕዶም ንዓኣ ንምርካብ ዘለዎም ድሌት ንምግላጽ ተሓፋፊሮም ነበሩ። ስለዚ ድማ ንዓኣ ንምርካብ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ተሃንጥዮም ይሕልውዋ ነበሩ።
(ክልቲኦም ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ብዲያብሎስ እናተለዓዓሉ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ስደትን መከራን ንምምጻእ ኵሉ ጊዜ ትጉሃት እዮም። ከመይ ጌሮም ከም ዘጥፍእዋ መንገዲ የናድዩ። እንተኾነ ግን ልክዕ ከምቶም ክልተ መምሃራን ነንሕድሕዶም ኣይሰማምዑን እዮም) ይብል ቅዱስ ኢጶሊጦስ

ብርግጽ እዚ ሕጂ ኣብ ሮተርዳም ኣጋጢሙ ዘሎ ምስ እንምልከቶ ምስ’ዚ ቃል እዚ ዚተኣሳሰረ እዩ። ሃይማኖተ ኣልባ ዚኾኑ ምዕራባውያን፡ ሃይማኖት ካብኣቶም ጥራይ ዘይኮነ ካብ ገጽ ምድሪ ንምሕካኽ ዘለዎም መደብ ካብ ሕሉፍን ህሉውን ታሪኾም ኣጸቢቕና ንፈልጥ ኢና። ኣቐድም ኣቢሎም ንካቶሊክን ናይ ፕሮቴስታንት እምነትን ንምጥፋእ ኣብ ዚተጠቕምሉ ሜላታት ሓደ ድማ ንጳጳሳትን ካህናትን ኣጸሊምካ፡ ህዝቢ ኣብ ርእሲኦምን ኣብ ቤተ ክርስቲያኖምን ዚነበሮ ክብሪ ከም ዚጠፍእ ምግባር እዩ። ስለ’ዚ ንቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ዚከኣሎም ዚገብሩ ናይ ሰይጣን ናይ ግብሪ ደቁ ብዚስንዝርዎ ጭማራታት ኪንግረም ኣይግበኣናን።


(ቁጽ 11-12) ሓደ መዓልቲ ነንሓድሕዶም እዋን ምሳሕ እዩ’ሞ ንገዛ ንኺድ ተበሃሃሉ። ስለዚ ድማ ክልቲኦም ነንበይኖም መመገዶም ሒዞም ከዱ።
ቅዱስ ኢጶሊጠስ ብምቕጻል "ብርግጽ ኣሕዛብን ኣይሁድን ቤተ ክርስቲያን ዘጥፍኡሉ መንገዲ ኣብ ምድላይ ተጸሚዶም እዮም ዘለዉ፡ ናይ ሓሶት መሰኻኽር ይደልዩላ ኣለዉ፡ ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ "ባራዩ ኪገብሩና ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘለና ሓርነት ንኺሰልቡ፡ ብስዉር ሰሊኾም ብዛዕባ ዚኣተዉ ብዛዕባ ሓሰውቲ ኣሕዋት (ገላ 2፡4) ዚተዛረቦ እዚ እዩ) ብምባል ተርጕምዎ ኣሎ

ኣብ’ዚ ቃል እዚ እንወስዶ ብዙሕ ቁም ነገራት ኣሎ

1ይ ኣሕዛብን ኣይሁድን ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ተጸሚዶም ምህላዎም ምፍላጥን ምርዳእን ከም ዘለና

2ይ ነዚ ንምግባር ናይ ሓሶት መሰኻኽር ይእክቡ ምህላዎም

3ይ ነዚ ናይ ኣህዛብ ሥራሕ ዘቀላጥፉ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣመንትን ኣገልገልትን ተመሲሎም ሰሊኾም ዚኣተዉ ሓሰውቲ ኣሕዋት፡ ሓሰውቲ ዓየይቲ ከም ዘለውን ኪንፈልጥ ይግባእ።


(ቁ 13፡14) ተመሊሶም ድማ ንሶስና ክደልዩ ሃንደበት ኣብ መገዲ ተራኸቡ። ንሓድሕዶም ከኣ ስለምንታይ ከም ዝመጹ ተሓታተቱ ። ነፍሲ ወከፎም ካአ ብፍትወት ሶስና ተቓጺሎም ከምዝመጹ ታአማመኑ። ሽዑ ብሓደ ኮይኖም ንበይና ክረኽቡላ ዝኽእሉ ጊዜ መደቡ። ሓደ መዓልቲ ኣጋጣም ንሳቶም ዕድል ክረኽቡ እንዳ ተጸበዩ ከለዉ ሶስና ከም ልማዳ ምስ ክልተ አግራዳ ኮይና ናብቲ እንዳ ኣታኽልቲ ኣተወት። ኣዝዩ ሙቐት ስለ ዝነበረ ክትሕጸብ ደለየት።
ቅዱስ ኢጶሊጦስ ዘሮም "ክልቲኦም መምህራን ንምሳሕ ኪኸዱ ከለዉ ተፈላልዮም በበይኖም ከዱ፡ ንክፉእ ፍቓድ ንክፉእ ተጋባራት ግና ተራኸቡ። ኣይሁድን ኣህዛብን ድማ ከምኡ እዮም። ኣብ መግቢ ኣይራኸቡን ኣይሰማምዑን እዮም። ቤተ ክርስቲያን ንምጥፋእ ዘለዎም ዕላማ ሓደ ስለ ዚኾነ ግና ኣብ መንገዲ ይራኸቡ። ክልቲኦም ምስ ተራኸቡ ናይ ጥፍኣት ዕላምኦም ተጋለጸ)


ብዘይካ እዞም ተሓቢኦም ንዓአ ዝጽበዩ ዝነበሩ ክልተ ደያኑ ከኣ ካልእ ሰብ ኣይነበረን። ሶስና ነተን ኣግራዳ ኪዳ ዘይትን ቅብእን ኣምጽኣለይ። ምእንቲ ክሕጸብ ከኣ ነቲ ማዕጾ እንዳ ኣታኽልቲ ዕጸውኦ በለተን።
ቅዱስ ኢጶሊጦስ ዘሮም (ነየናይ ጊዜ እዮም ዚጽበዩ ኔሮም? ኢሉ ድሕሪ ምሓታቱ ኣይሁድን ኣሕዛብን ብሓደ ዚተጸበይዎን ዚረኸብዎን ጊዜ ምሴተ ሓሙስ እዩ። ኣብቲ ዕለት እቲ ኣይሁድን ሮማውያንን ተሓባቢሮም ንጐይታ ሰቐልዎ። ሰሱና ክልተ ኣግራድ ነበርኣ፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ እምነትን ፍቕርን ዚተባህሉ ክልተ ኣግራድ ኣለዉዋ) ይብል


እተን አግራዳ ከምቲ ዝታአዘዝኦ ነቲ ዓቢ ማዕጾ ዓጸውኦ። ብንእሽተይ ማዕጾ ሓሊፈን ከኣ ነቲ ሶስና ዝሓተተተን ከምጽኣላ ከዳ። ነቶም ክልተ ሰባት ግና ኣይርኣይኦምን ነበራ።
(ሰሱና ዘይቲ ኣምጺአን ንኽሓጽብኣ ነተን ኣገልገልታ ልኣኸተን። ቅዱስ ኢጶሊጦስ ዘሮም ዘይቲ እንታይ እዩ? ቅብኣት ከ? ይብል። ዘይቲ ሕግጋተ እግዚአብሔር እዮም፡ ቅብኣት ድማ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋን ሓይልን እዩ። ምእመናን ድሕሪ ምጥማቖም ቅብኣት ይቕብኡ። ንዓና ምሳሌ መታን ኪኾነና እዞም ኩሎም እዚኣቶም ኣብታ ሕያወይቲ ሰሱና ተፈጸሙ።
 
(ቁ 18) ከመይ ንሶም ተሓቢኦም ነበሩ። እተን ኣግራዳ ውጽእ ምስ በላ እቶም ክልተ ደያኑ ካብቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ቦታ ወጺኦም ናብ ሶስና ብጉያ መጹ።


( እተን ኣግራዳ ብጸቢብ ማዕጾ እየን ዚኣትዋ ዚነበራ። ኣብ ገነት ንምእታው ኩሉ ሰብ ብጸቢብ ጎደና ኪጐዓዝ ኣለዎ(ማቴ 7፡13) እዚ ሕጂ ንቤተ ክርስቲያንና ኣጋጢምዋ ዘሎ ጸለመን ጸርፍን ውርደትን እዚ ካብቲ ናይ ግድን ኪንሓልፎ ዚግብኣና ናይ ገነት ጉዕዞ እዩ። ብጸቢብ እተው ማለት ብጥሜት ብጸርፊ ብሰደት ብጸለመ ብእስራትን ብሰማዕትነትን ማለት እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ሐዋርያ ኣሕዛብ ቀጥቂጦም ሞይቱ ኢሎም ገዲፎሞ ምስ ከዱ ነቶም ከልዕልዎ ዚመጽኡ ክርስቲያን ዚበሎም ቃል ንዘክር "ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ብብዙሕ ጸበባ ኪንኣቱ ይግብኣና እዩ" ዚብል ናይ መጸናንዒ ቃል (ግ.ሐ 14፡22)
ኣግራድ ሰሱና ነቶም 2 ደያኑ ኣይረኣይኦምን (እዚ ማለት ዲያብሎስ ኣቐዲሙ ናብ ገነት ኪኣቱ ከሎ ኣብ ሥጋ ተመን ተሰዊሩ ስለ ዚነበረ ዲያብሎስ ናብ ገነት ኣትዩ ከም ዘሎ ሔዋንን ኣዳምን ከም ዘይፈለጡ፡ ሕጂ ድማ ሰይጣን ኣብዞም 2 ረበናት ሓዲሩ ከም ዘሎ ዚረኣዮ የለን። ስለ’ዚ ኣሕዋተይ ዲያብሎስ ዚሓደሮም ብዙሓት ክፉኣት ሰባት ኣብ ዙርያናን ኣብ ማእከልናን እኳ እንተሃለዉ ንዕኡ ግን ኪንርእዮ ኣይንኽአልን ኢና። ኦ እግዚአብሔር ነቲ ንሕና ዘይንርእዮ ጸላኢና ባዕልኻ ስዓረልና።


(ቁ 19፡20) ንሶስና ድማ እቲ ማዓጹ ተዓጽዩ እዩ ክርእየና ዝኽእል ሓደ እኳ የለን። ንሕና ብፍቕርኺ ተታሒዝና ኣለና ስለዚ ሐራይ በልና፡ ምሳና ከኣ ደቅሲ እንተ ኣቤኺ ግና ንሕና ንሓደ ጎበዝ ምሳኺ ከም ዝጸንሐ በዚ ምኽንያት እዚ ነግራድኪ ከም ዝሰደድክየን ክንምስክር ኢና በልዋ።
ናይ ሓሶት መሰኻኽር መን ይኣምኖም? ወዲ ሰብ ካብ ኣምላኽ ዝያዳ እናረሓቐ ኣብ ዚኸደሉ ጊዜ ብኡ መጠን ድማ ካብ ሓቂ እናረሓቐ እዩ ዚኸይድ። እዚ ዘለናዮ ጊዜ ድማ ወዲ ሰብ ብምሉእ ዓቕሙ ካብ ኣምላኽን ካብ ኣምላኾን ንምውጻእ ዚደኽመሉ ዘሎ ዘመን እዩ። ካብ ኣምላኽን ካብ ሓቅን ከርሕቕዎ ዚኽእሉ ብዙሓት መሳለጥያታት ድማ ኣፍርዩ ይርከብ። ኵሉ መወከሲኡ ካብኣቶም እዩ። ንሳቶም ድማ ቴለቪዥን ራድዮን ጋዜጣን ንዕኦም ዚኣመሰሉ ካልኦትን እዮም። በዞም ነገራት እዚኣቶም ዚመሓላለፉ ኵሎም ከየረጋገጽካ ምቕባል ንዓኣቶም ምምላኽ ማለት እዩ። ብዙሕ ሰብ ኣብዞም ማዕከናት ዜና ከምልኽ ካብ ዚጅምር ነዊሕ ዘመን ኣቑጺሩ እዩ።

ንሕና ግና ከም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ንነገራት ከይጻረና ኪንኣምኖም ኣይግበኣናን እዩ። ምኽንያቱ ሓቂ ዚመስል ግን ከኣ ሓቂ ዘይኮነ ብዙሕ ዘደናግር ሓሶት ኣሎ። ሓቂ ዚመስል ግን ከኣ ሓቂ ዘይኮነ ገንዘብ ከም ዘሎ ማለት እዩ። እዚ ዘመን ግን ናይ ትንቢት ቃል ዚፍጸመሉ ዘመን እዩ። ነቢይ ዕዝራ ኣቐዲሙ ንዚረኣዮ ራእይ ከምዚ ብምባል ጽሒፍዎ ኣሎ "ሽዑ ሓንቲ ሃገር ነታ ጎረቤታ ሓቂ ዚዛረብ ሰብ ወይ ሓቂ ንባዕላ ዶ ርኢኺ ኢላ ኪትሓታ እያ፡ መልሲ ግና ኵሉ ጊዜ ኣይረኣኹን ኪኸውን እዩ" (ዕዝራ ስቱኤል 3፡11)

እቶም ህዝቢ ነቶም ረበናት መምህራን ስለ ዚነበሩ ኣመንዎም ይብል። መምህራን ኣይሕስዉን ዝብል ግጉይ እምነት ስለ ዚነበሮም እዩ። ልክዕ ናትና ኣተሓሳስባ ውን ከምኡ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ኣብ ጋዜጣ እኮ እዩ ወጺኡ! ኣብ ዜና እኮ ርኢናዮ እናበልና ኣምልኾና ኣብ ጋዜጣን ዜናን ከይገበርና ነቲ ዚሰማዕናዮ ጽቡቕ ጌርካ ምስማዕ ነቲ ዚረኣናዮ ውን ደጋጊምካ ምርኣይ ከድልየና እዩ።


ሶስና ካብ ዓሚዩቕ ሓዘን ዝተላዕለ በኸየት። ኣነ ብኽልተ ሸነኽ እጭነቕ ኣለኹ፡ ከመይ ነዚ ነገር እዚ እንተ ገበርኩዎ ንዓይ ሞት እዩ። እንተ ኣቤኹ ድማ ካብ ኢድኩም ክመሉቕ አይክእልን እየ። ግና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኃጢኣት ካብ ዝገብር ኣብ ኢድኩም ምውዳቕ መሪጸ ኣለኹ በለቶም። ሽዑ ሶስና ብዓቢ ድምጺ አእወየት፡
ኣውያት ናይ ሰሱና ኣበይ በጺሑ ይኸውን?

ይቕጽል…..
 
 
 

No comments:

Post a Comment