ሥርዓት ንዑደት ናይ ስነ ፍጥረት ሕይወት መቆጻጸሪ መሳርሒ እዩ።
ናይ መዓልቲ ብለይቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ ብምስልጣን ሥርዓተ ዑድት ንኸይጥሕስን፡ ናይ መዓልቲ ብመዓልቲ ናይ ለይቲ ድማ ብለይቲ እናተመላለስ ዕለታዊ ግብሩ ንኸከናውን ንኩሉ ፍጡር ፈጣሪኡ ሥርዓት ኣዋፊርዎ እዩ።(መዝ 106፡19-24)
ብፍላይ መንፈሳውያን ልኡኻን መንፈሳዊ ተልእኾኦም ብዘይ ሥርዓትን ብዘይ ሕግን ከካይዱ ከም ዘይክእሉን ከም ዘይግብኦምን እቲ ሐዋርያ "ካብ’ቲ ብዘይ ሥርዓት ዝኸይድ ሓው ተፈለዩ" እናበለ መሃረና። ሰለ’ዝኾነ ድማ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዚፍጸሙ ሃይማኖታዊ ተግባራት ካብ’ዚ ትምህርቲ እዚ ዚተረኸቡ ምዃኖም እናሓሰብና፡ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ዝከናወኑ ሥርዓታት ቀጺልና ክንርኢ ኢና።
ሰሙነ ሕማማት ቅድስት
ቤተ ክርስቲያን ቅድሚ ዕለተ ትንሣኤ ዘሎ ሰሙን ሰሙነ ሕማማት ብምባል ትጽውዖን ተኽብሮን። መበገሲ ናይ’ዚ ኣሰያይማ ድማ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መከራን ሕማሙን ሞቱን ዝዝከረሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ እዩ። ካብ ኣዳም ክሳብ ክርስቶስ ዝነበረ ናይ ዓመተ ፍዳን ዓመተ ኩንኔን ዘመን ውን ዝዝከረሉ ሰሙን ስለ ዝኾነ ሰሙነ ሕማማት ተባሂሉ ይጽዋዕ። መበገሲ ናይ’ዚ ጾም እዚ ኣብ ፍትሐ ነገስት አንቀጽ 15 ተደንጊጉ ኣሎ። ጥንታውን ቀዳማውን ምዃኑ ውን ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ግዜ ሰሙነ ሕማማት ዘይፍቀዱ ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ፍልይ ዚበለ ናይ ኣገልግሎት ሥርዓት ሰሪዓትልና ኣላ። ንኣብነት
ብዘይካ ኣብ ጸሎተ ሓሙስ (ሓሙስ ጽግቦ) ቅዳሴ ኣይቅደስን እዩ።
ሥርዓተ ጥምቀተ ክርስትና ኣይፍጸምን
ሥርዓርተ ፍትሐት፣
ሥርዓተ ማኅሌት፣
ሥርዓተ ተክሊልን ካልኦትን ኣብ’ዚ ሰሙን እዚ ኣይፍጸሙን እዮም።
ዕለተ ሰኑይ
ኣብ ነግህ ቅድሚ ኩሉ ናይ’ቲ ሰዓት ተረኛ ኣገልጋሊ ቃጭል እናሃረመ ሰለስተ ጊዜ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ይዞሮ፡ ናይ ሸውዓተ መዓልቲ ውዳሴ ማርያም፡ ኣንቀጸ ብርሃን፡ መዝሙረ ዳዊት ብምልኡ ይጽለ። በቲ ናይ መዓልቱ ተረኛ መምህር (መርጌታ) ናይ ዕለቱ ድጓ ይዝየም። እቲ ድጓ ምስ ኣርባዕቲኡ ወንጌላት ከም ዝሰማማዕ ኮይኑ እዩ ዝዝየም። ነቲ ድጓ እናተቓባበሉ እናዜሙ ይሰግዱ። እቲ ናይ ድጓ መራሒ መምህር ሰኑይ ብየማን እንተኾይኑ፡ ሰሉስ በቲ ብጽጋም ዘሎ መምህር ይምራሕ። ከም’ዚ እናተዘዋውረ ይቕኒ። ድጓ ሰለስተ ጊዜ ተመላሊሱ ምስ ተዘለቐ፡ "ለከ ሃይል ክብር ወስብሃት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም፡ አማኑኤል አምላኪየ ለከ ኀይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ኦ እግዚእየ ኢየ ሱስ ክርስቶስ ለከ ኃይል ክብር ወስብሐት ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም፣ ኀይልየ ወጸወንየ ውእቱ እግዚእየ እስመ ኮንከኒ ረዳእየ እብል በአኮቴት እናተባህለ 6 ጊዜ ብሸነኽ ጸጋም 6 ጊዜ ድማ ብሸነኽ የማን እናተዜመ ይስገድ። ብድምር 12 ጊዜ ማለት እዩ። ልክዕ ክንድኡ ዝኽውን ኣቡነ ዘበሰማያት ብዜማ ብንባብ ይድገም።
ካብ’ዚ ብምቐጻል፥ለአምላክ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለሥሉስ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለእዘዙ ይደሉ ክብር ወስብሐተ ወእዘዝ እስከ ለዓለመ ዓለም ለመንግሥቱ፣ ለሥልጣኑ፣ ለምኩ ናኑ፣ ለኢየሱስ፣ ለክርስቶስ፣ ለሕማሙ፣ /ኣብ ዓርቢ ለመስቀሉ/ ይደሉ] እናበሉ ብየማንን ብጸጋምን እናተቓባበሉ ይሰግዱ። ብምቕጻል ናይ ነግሂ ንባብ ኪንበብ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ተአምረ ማርያምን ተአምረ ኢየሱስን ይንበቡ። ብድሕሪኡ ካብ መዝሙረ ዳዊት ምስባክ ተሰቢኹ ናይ’ቲ ሰዓት ወንጌል ድሕሪ ምንባቡ፡ ጸልዩ በአንተ ጽንዓ ዛቲ ዝተባህለ ጸሎት ብካህን ኪንበብ ከሎ፡ ምእመናን "እግዚኦ ተሰሃለነ ኦ ጎይታ ይቕረ በለልና" እናበሉ ብምስጋድ ይጽልዩ። ብድሕሪኡ ካልኣይ ሥርዓተ ስግደት ይጅመር። ሕጂ ውን እቲ ዜማ ብይማንን ጸጋምን እናተቓባበሉ እዮም ዝብልዎ። እቲ ሓደ ይመርሕ፡ እቲ ሓደ ድማ ይቕበል። ከም’ዚ አናበሉ:- ኪርያላይሶን /5 ጊዜ/ ብወገን መራሒ ኪርያላይሶን /2 ጊዜ/ ዕብኖዲ ናይን ብወገን ተመራሒ፡ ኪርያላይሶን ታኦስ ናይን ኪርያላይሶን ማስያስ ናይን ኪርያላይሶን ኢየሱስ ናይን ኪርያላይሶን ክርስቶስ ናይን ኪርያላይሶን አማኑኤል ናይን ኪርያላይሶን ትስቡጣ ናይን እናተባህለ ሓደ ጊዜ ምስ ተወድአ፡ ደጊሙ ድማ ከም ብሓድሽ ይጅምር። ኣብ መወዳእታ ድማ ብጸጋምን የማንን 41 ጊዜ እናተዜመ ይስገድ።
ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣስማት ናይ ጎይታና ሕቡኣት ኣስማት እዮም። ኪርያላይሶን ማለት ኦ ጎይታ ይቕረ በለልና ማለት እዩ። ካብ’ዚ ብምቕጻል መልክአ ሕማማት ብሊቃውንት ይዝየም። ብድሕሪ’ዚ ካህን ፍትሐት ዘወልድ፣ ጸሎተ ቡራኬ፣ ወዕቀቦሙ፣ ኦ ሥሉስ ቅዱስ፣ ኦ ማኅበራኒሁ ለክርስቶስ፣ ነዋ በግዑ ዚተባህሉ ምንባባት የንብብ። ሸዑ ካህን ኣብ ጸሎቶም መወዳእታ 41 ኪርያላይሶንሉ በሉ ኢሎም መልእኽቲ የመሓላልፉ።
እቶም ህዝቢ ድማ ነቲ መልእኽቲ ተቐቢሎም ይጽልዩ። ዲያቆን ድማ "ሑሩ በሰላም እግዚአብሔር የሀሉ ምስሌክሙ፤ ንዑ ወተጋብኡ ውስተ ቤተ ክርስቲያን በጊዜ ሠለስቱ ሰዓት" ኢሉ የፋንዎም፡፡ ኣብ’ዚ ዝርኣናዮ ሥርዓት ሰኑይ ብነግህ /ናይ ንግሆ/ ዝካይድ እዩ፡፡ ብ3ይ፣ ብ6ይ፣ ብ9ይ፣ ብ11 ሰዓት ዝካይድ ሥርዓት ውን ኣብ ላዕሊ ብዝተመልከትናዮ መሠረት እዩ ዝፍጸም፡፡ ንባቦም ጥራይ እዩ ዝፈላለ። ናይ ሰሙነ ሕማማት ዜማ ሰኑይን ሰሉስን ረቡዕን ግእዝ፣ ኪኸውን ከሎ፡ ሐሙስ አራራይ፣ ዓርብን ቀዳምን ድማ እዝል እዩ፡፡ ኣብ’ዚ ከም ዝረኣናዮ መሰረት ስኑይን ሰሉስን ረቡዕን ብዘይካ ንባቦም ኣብ ላዕሊ ብዝረኣናዮ መስረት ይፍጸሙ። ሕጂ ድማ ሥርዓተ ጸሎተ ሐሙስን ኪንምልከት ኢና፡፡
kale hiwet yesmealna ......egziabhier tsegu yebzihalka
ReplyDeleteቃለ ሂወት የስመዓልና ኣምላክ ናይ ኣገልግሎት ዘበንካ ይባርከልካ መምህር ወልደኣብ ሓዉና
ReplyDelete