7 ናብ መልኣኽ ማሕበር ፊለደልፊያ ጸሓፍ::
"ሓደ ሓደ (ኮርዳኖስ) ዝተባህለ ሊቀ ጳጳስ እዩ ይብሉ።ከም ናይ በዓል ኣባ ሄሮኒመስ እንተኾይኑ ግን (ኮርዳኖስ) ናይ ኣቴና ጳጳስ ድኣ እምበር ናይ ፊለደልፊያ ኣይኮነን።ናይ ቤተ ክርስቲያን መተርጉማን ዲሜጥሮስ ይብልዎ።
እቲ ቅዱስ ሓቀኛ መርሖ ዳዊት ዘለዎ ንሱ ምስ ከፈተ ሓደ እኳ ዘይኣጹ ንሱ ምስ ኣጸወ ከኣ ሓደ እኳ ዘይከፍት ከምዚ ይብል ኣሎ።
"ኣብ ናይ ፊለደልፊያ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዝወረዱ መከራታት ሓደ ካብ ናይ ኣይሁድ ምኵራብ ምስጓጐምን ናይ ጸሎት መአከቢ ቦታ ምስኣኖምን እዩ" በዚ ምኽንያት ድማ "ሓቀኛ መርሖ ዳዊት ዘለዎ" ብምባል ተገሊጽሎም። ንዓኹም ኣውጺኦም ስለ ዝደርበይኹም ቅር ኣይበልኩም። ነዚ መከራ እዚ ብምቕባልኩም ንእትወርስዋ ርስቲ ዝህበኩም ኣምላኽኩም፡ ብዘይካኡ ክዓጽዋን ክኸፍታን ዝኽእል ዘይብላ መንግሥቲ ከውርሰኩም እዩ" በሎም።
ኢሳይያስ "መርሖ ቤት ዳዊት ድማ ኣብ መንኩቡ ከንብር እየ። ንሱ ይኸፍት ሓደ ዝዓጹ ከኣ የልቦን ንሱ ይዓጹ ሓደ ዝከፍት ድማ የልቦን" ይብል(22፡22)
መርሖ
"ቅዱስ ቄርሎስን ኣባ ሄሮኑመስን መርሖ ዝተባህለ "ምስኡ ናይ ምንባርን ካብኡ ናይ ምስንባትን ዘለዎ ሥልጣን እዩ" ተርጕሞሞ ኣለዉ። ንሐዋርያት "መርሖ መንግሥተ ሰማያት ክህበካ እየ። ኣብ ምድሪ ዝኣሰርካዮ ኣብ ሰማይ ዝተኣሰረ እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕካዮ ድማ ኣብ ሰማይ ዝተፈትሐ ክኸውን እዩ"(ማቴ 16፡19) ብምባል ዝሃቦም ሥልጣን እዚ ሥልጣን እዚ እዩ።
ቀዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ "ንዓና ናይ ገነት ኣፍ ደገ ዝኸፈተልና ብመስቀል ስለ ዝኾነ፡ እዚ መርሖ እዚ መስቀል እዩ። ብእኡ ድማ ንሲኦል ዓጸዋ" ይብል
ጎርጎርዮስ ገባሬ መንክራት ድማ "እዚ መርሖ እዚ ቅዱሳት መጻሕፈቲ ብፍላይ ድማ ትንቢተ ነብያት ምርዳእ እዩ" እቲ ኣቐዲሙ ትንቢተ ነብያት ክንበዩ ዝገበረ ንሱ ናይ ነብያት ትንቢት ናይ ምኽፋት ሥልጣን ውን ይህብ" ክብል ተርጕምዎ ኣሎ።
8 ንግብርኻ እፈልጦ ኣለኹ ዓቐምካ ሒደት እዩ። ንቓለይ ሓሊኻዮ ንስመይ ውን ኣይከሓድካዮን እሞ ።
ኣብቲ ከባቢ ብዝነበሩ ናይ ኣይሁድ ማሕበረሰብን ኣምለኽቲ ጣኦትን ናይቶም ክርስቲያን ቊጽሪ ኣዝዩ ውሑድ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣይሁድ ነቶም ናይ ኣሕዛብ መኳንንቲ ብምእማን፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያን መከራ ከም ዝብርትዕ ይገብሩ ነበሩ። እንተኾነ ግን ነዚ ካብ ኣይሁድን ኣህዛብን ዝመጽኦም ዝነበረ ፈተና ብጽንዓት ስለ ዝሓለፍዎ ኣመስጊንዎም።
እነሆ ሓደ እኳ ክዓጽዎ ዘይክእል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ
ናይ’ዛ ቤተ ክርስቲያን ፈተና ስንፍና እዩ። ስለ’ዚ ድማ ዝተኸፈተ ኣፍደገ ሂበካ ኣለኹ ተባህለ።"ዋላ እኳ እንተሰራሕኩም ገና ዝተርፈኩም ነገር ኣሎ፡ ልዕሊ ዓቕምና እዮም ኢልኩም እትሓስብዎም ሰባት ናብቲ ደምበ ኣባጊዕ ከተምጽእዎም ይግበኣኩም እዩ። ክብል ክፉት ኣፍ ደገ ሂበካ ኣለኹ" ከብሎ እንከሎ ንርኢ። ክፉት ኣፍ ደገ ዝተባህለ "ኣገልግሎት እዩ" ቅዱስ ጳውሎስ "ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊትለይ ኣሎ ተጻረርቲ ኸኣ በዚሖም እዮም እሞ ክሳብ በዓለ ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ" ከም ዝበለ (1ቆሮ 16፡9)
9 እነሆ ካብቶም ኣይሁድ ኢና ዝብሉ ማሕበር ሰይጣን ግናከ ይሕስዉ ኣለዉ እምበር ኣይሁድሲ ዘይኮኑ እህበካ ኣለኹ እነሆ ንሳቶም ከም ዝመጹን ኣብ ቅድሚ እግርኻ ከም ዝሰግዱን ኣነ ከከም ዘፍቀርኩኻ ውን ከም ዝፈልጡን ክገብሮም እየ።
ብዘይካ እቶም ኣይሁድ ኢና እናበሉ ኦሪትን ነብያትን ዝሕዞ፡ ኣብ ልዕሊ ክርስቲያናት መከራ ዘምጽኡ ማለቱ እዩ። ኣብ.’ቲ ዘመን እዚ ዝነበሩ ክርስቲያን እስራኤል ዘነፍሲ ዝብል ትርጉም ብምሓዝ ንኣይሁድ ሓቀኛታት ኣይሁድ ኣይኮንኩምን ይብልዎም ነበሩ። ነቲ ሓቀኛ ናይ ኣይሁድ መሲሕ ነብያት ብትንቢት ሙሴ ኣብ ኦሪት ዝተዛረብሉ ስለ ዘይተቐበሉ። ጥበበኛ ሰለሞን እሙን ምስክር ኣይሕሱን እዩ ከም ዝበሎ ንስኹም ዘይትእመኑ ምስክር ኢኹም። ምኽንያቱ ትሕስዉ ስለ ዘለኹም ይብልዎም ነበሩ።
ማለቱ ድማ
"ብክርክር ከም እትረትዖምን ብትምህርቲ ከም እተእምኖምን ክገብረካ እየ። ኣህዛብ ኣሚኖም ናይ ክርስትና ክቕበሉ እንከለዉ፡ እዚ እግዚአብሔር ንደቁ ዘለዎ ፍቕሪ ዘርኢ እዩ።
ማሕበር ሰይጣን
ቅዱስ ኣግናጤዎስ ምጥው ለአንበሳ ከም ዝነግረና "ኣብ መንጎ ናይ ኣይሁድ ማሕበርን ናይ ፊለደልፊያ ክርስቲያንን ዓቢ ግጭት ነበረ። እዚ ቅጭት እዚ ክሳብ 2ይ ክ.ዘ ቀጺሉ ኔሩ። እዞም ኣይሁድ እዚኣቶም ክርስቲያን ንምጥፋእ ዘለዎም ሓይሊ ይጥቀሙ ስለ ዝነበሩ "ማሕበር ሰይጣን" ተባህሉ።
ሓደ ሓደ መተርጉማን "ኣይሁድ ንሃብቶምን ንንግዶምን ኪብሉ ምስ ሓደ ሓደ ናይ ኣሕዛብ ናይ ኣምልኾ ባዕድ ሥርዓት ተሰማሚዖም ንምንባር ይፍትኑ ነበሩ። ኣብ ታልሙድ ዝተባህለ "ናይ ፍርግያ ወይንታትን መሕጸብን ዓሠርተ ነገደ እስራኤል ፈልዮሞም ብምባል ይገልጽዎም። እዚ ድማ ኣብ ፊለደልፍያ ዚነበሩ ኣይሁድ ተግባራቶም ካብ ካልኦት ኣይሁድ ፍልይ ዝበለ ከም ዝነበረ የርእየና። ዮሴፍ ወልደኮርዮን ናይ ሎዶቅያ ኣይሁድ "ናይ ሮም ፈተውቲን ደገፍቲን ነበሩ" ይብለና። ነቲ ናይ ሮም ገዛኢ ዘቕረብዎ ህያባት ውን ማዕረ ክንደይ ብሃብቲ ዝበልጸጉ ከም ዝነበሩ የርእየና። ኣብ 62 ዓ.ም ንናይ ኢየሩሳሌም ቤተ መቕደስ ዓመታዊ ዝዋጻእ ዝለኣኽዎ 20 ሽሕ ፓውንድ ወርቂ ናይ ሃብቶም መርኣያ እዩ።
10 ንቓል ትዕግሥተይ ስለ ዝሓለኻዮ
ናይ ትዕግሥተይ ቃል ሓሊኻ ማለት "መከራ መስቀል ተዓጊሰ ዝሰራዕክዋ ሕጊ ወንጌል ሓሊኻ" ወይ ድማ "ብትዕግሥትኹም ንነፍስኹም ከተጥርይዋ ኢኹም ፡ እቲ ክሳብ መወዳእታ ዝዕገስ ግና ክድሕን እዩ" ዝብል ቃለይ ስለ ዝሓለኻ ማለት እዩ።
ኣነ ድማ ነታ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ምእንቲ ክትፍትኖም ናብ ኵላ ዓለም እትመጽእ ሰዓት ፈተና ክሕልወካ እየ።
"ናይ ፊለደልፊያ ክርስቲያን ፈተና ፈጺሙ ኣይረኽቦምን እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ፈተናኦም ግና ትዕግሥትን ጽንዓቱን ረኺቦም ከም ዘይሰናኸሉ ብምግባር ጐይታ ስለ ዝሕልዎም እዩ።
9. ቀልጢፈ እመጽእ ኣለኹ
ብዛዕባ ምጽኣት ክርስቶስ ኪንገር ከሎ ክልተ ዓይነት ነገራት ምስትውዓል የድሊ። "እቲ ቀዳማይ እቲ ነፍሲ ወከፍ ናብ ክርስቶስ ዝውሰደሉ ዕለተ ሞቱ እዩ። ኣብ ናይ ቅዱሳን ሕይወት ከም ንርእዮ፡ ጐይታና ናይ ቅዱሳን ነፍሲ ኪቕበል ናባታቶም ይመጽእ እዩ። ካልኣይ ድማ እቲ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት ዝመጾ ዳግማይ ምጽኣት እዩ።
ቅዱሳት መጻሕፍቲ ናይ ክርስቶስ ምጽኣት ብቕልጡፍ ከም ዝኽውን ይነግሩና። እዚ ድማ ክርስቲያን ኵሉ ጊዜ ድሉዋት ክንከውን ከም ዘለና ንምምልካት እዩ። ዚመጸላ ሰዓት ሰባት ኣይፈልጥዋን እዮም። ሕጂ ካብ’ዛ ነንብበላ ዝለና ስክንድ ጀሚራ ኪትከውን ትኽእል እያ።ስለ’ዚ ተዳሊና ኪንጽበያ ይግብኣና።
ናይ ክርስቶስ ቀልጢፉ ከም ዝመጽእ ኣመልኪቶም ኣብ’ቶም መጀመርያን ካልኣይን ሚእቲ ክፍለ ዘመን ዚነበሩ ክርስቲያናት ምድንጋር ፈጢሩ ንይሩ። ብፍላይ ናይ ኔሮን ናይ መከራ ጊዜ ተኸቲሉ ናይ ክርስቶስ ምጽኣት ሕጂ ኪኸውን እዩ ዚብል ተስፋሕፊሑ ኔሩ። ሓደ ሓደ ድማ ደፊሮም ኣብ’ዚ ዓምት ኣብ’ዚ ወርሒ ኣብዚ መዓልቲ ኪኸውን እዩ ኪሳብ ምባል በጺሖም ኔሮም። ቅዱስ ጳውሎስ "ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋትና፡ ብዛዕባ ምጽኣት ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ናብኡ ምእካብናን፡ መዓልቲ ጐይታ ሕጂ ቕርብቲ ኸም ዘላስ፡ ብመንፈስ ወይስ ብቓል ወይስ ከምታ ኻባና ዝመጸትኩም ደብዳበ፡ ካብቲ ኣእምሮኹም ቀልጢፍኩም ከይትናቓነቑን ከይትስምብዱን፡ ንልምነኩም አሎና" ብምባል ዚነገሮም ድማ ንዚ እዩ።(2ይ ተሰ 2፡1-ፍጻሜ) ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ’ዚ ዕለት እዚ ኪኸውን እዩ ኢልካ ካብ ምጭናቕ፡ ተዳሊኻ ምጽባይ እቲ ዝበለጸ ምዃኑ ደጋጊሙ ምሂርዎም እዩ።(1ይ ተሰ 5፡5-11)
ሓደ እኳ ነቲ ዘለካ ኣኽሊል ከይዝርፈካ ነቲ ዘለካ ኣጽኒዕካ ሓዞ።
ኣኽሊል" ናይ ክርስቲያን ናይ ተጋድሎ ጕዕዞ ሰማያዊ ኣኽሊል ብምርካብ እዩ ዝድምደም። ኣኽሊል ናይ ክብሪ ምሳሌ እዩ።
ኤርምያስ "ኣኽሊል ካብ ርእስና ወደቐ ኃጢኣት ጌርና ኢና እሞ ወይልና" (ደጕ ኤር 5፡16) እዚ ማለቱ ተዋሪድና ክብሪ ስኢንና ማለቱ እዩ። እዚ ትርጓሜ እዚ ካብ ናይ ግሪኻውያን ናይ ኦሎምፒክ ባህሊ ዚተወስደ እዩ። እቲ ኣብ ጉያ ዝተዓውተ ኣኽሊል ከም ዝድፍእ፡ እቲ ኣብ ክርስቲያናዊ ጉዕዞ መሰናኽል ሓሊፉ ዝተዓወተ ኣኽሊል ይቕበል።
ቅዱስ ጳውሎስ "ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ ጕያይ ወዲአ ነታ እምነት ሓልየ፡ ደጊምሲ ጐይታይ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢርለይ ኣሎ" (2ይጢሞ 4፡7-8)
ቅዱስ ጴጥሮስ "ነቲ መጓሰ ኣርኣያ እንዳኾንኩሞ እምበር ኣብተን ማኅበራት ከም ጐይቶት ኣይትኹኑ። እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ክትለብሱ ኢኹም" 1ጴጥ 5፡3-4)
ቅዱስ ያዕቆብ "ተፈቲኑ ምስ ወጸ ነቲ እግዚአብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ሕይወት ክቕበል እዩ’ሞ እቲ ብፈተና ዝዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ" (ያዕ 1፡12)
ነቲ ዘለካ ኣጽኒዕካ ሓዞ።
እቲ ደው ኢሉ ዘሎ ዝመስሎ ከይወድቕ ይጠንቀቕ" ከም ዝተባህል፡ ኩሉ ዝጎዪ ነቲ ዘለዎ እምነትን ምግባርን ኣጽኒዑ ኪሕዝ ይግብኦ። ኣብ’ዚ ዓለም ኣብ ዝግበር ጉያ ዝጀመረ ኩሉ ኣይኮንን ዝፍጽም። ስለ’ዝኾነ ድማ ቃል ዝተኣተወሎም ክብሪ ዝሰኣኑ ኣለዉ። "ናይ ኤሳው ክብሪ ያዕቆብ ዘፍ 24/ ናይ ሮቤል ክብሪ ይሁዳ ዘፍ 49/ ናይ ሳኦል ክብሪ ዳዊት ናይ ኣስቆሮታዊ ይሁዳ ኣኽሊል ማቲያስ ናይ ኣይሁድ ድማ ኣህዛብ" ከም ዝወሰድዎ ኣብ እምነትና ጸኒዕና ኣብ ምግባር በርቲዕና እንተዘይ ተረኺብና ኣኽሊልና ካልኦት ኪወስድዎ ይኽእሉ እዮም።
ነቲ ዝስዕር ኣብታ መቕደስ ኣምላኸይ ዓንዲ ክገብሮ እየ። ካብኣ ከቶ ኣይክወጽእን እዩ። ስም ኣምላኸይን ስም እታ ከተማ ኣምላኸይን ናይታ ካብ ኣምላኸይ ካብ ሰማይ እትወርድ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ነታ ሓዳሽ ስመይን ክጽሕፈሉ እየ። 14 እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ነተን ማሕበራት ዝብለን ዘሎ ይስማዕ።
ኣምላኸይ "4 ጊዜ ኣምላኸይ እንዳበለ ንኣቡኡ ጸውዖ" እዚ ድማ ፍጹም ተዋሕዶኡ ንምግላጽ እዩ። "ናብ ኣቦይን ኣቦኹምን ኣምላኸይን ኣምላኽኩምን" ከም ዝብል(ዮሐ20፡17) ጎይታ ምስ ምእመናን ኮይኑ ኣምላኽና ኢሉ ኣይፈልጥን "ኣቦይ ኢሉ ብባህሪ ኣቡኡ ስለ ዝኾነ፡ ኣቦኹም ዝበለና ድማ ብጸጋ ኣቦና ስለ ዝኾነ" "ኣምላኸይ ኢሉ፡ ብሥጋ ስለ ዝፈጠሮ፡ ኣምላኽኩም ኢሉ ብጥንተ ተፈጥሮ ብሓድሽ ተፈጥሮ ዝፈጠረና ኣምላኽና ስለ ዝኾነ" ይብል። ጎይታና ርእሱ ምስ ምእመናን ቆጺሩ ኣምላኽና ኢሉ ኣይፈልጥን እዩ። ናቱ ውልድነት ናይ ባህሪ እዩ። ናትና ድማ ናይ ጸጋ እዩ። ንሱ ኣምላኸይ ዝበለ እቲ ተወሃሂዱ ዘሎ መለኮት ነቲ ተወሃሂድዎ ዘሎ ስጋ ስለ ዝፈጥሮ እዩ።ሥግዉ ቃል ማለት ፈጣርን ፍጡርን ብተዋሕዶ ማለት እዩ።
ዓምድ ክገብሮ ኢየ
ቪክቶሪያነስ "ዓምዲ ናይ ገዛ ጌጽን ክብርን ከም ዝኾነ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ጌጽን ክብርን ክገብረኩም እየ ማለት እዩ" ይብል። ቅዱስ ጳውሎስ ንቀዱሰ ጴጥሮስን ቅዱስ ዮሐንሰነ ቅዱስ ያዕቆብን "አዕማድ" ብምባል ጸዊዕዎም ኣሎ።(ገላ 2፡9) ናይ እግዚአብሔር ቤት "ናይ ብሓቂ ዓንድን መስረትን" ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ።(2ይ ጢሞ 3:15
No comments:
Post a Comment