bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 20 April 2016

መልሲ ንልቡሳነ ሥጋ ኣጋንንት መበል 13 ክፋል

3ይ ድሕሪ ሞት ይቕረ ዝበሃል ኃጢኣት ስለ ዘሎ

እሞ'ኸ ድኣ ካብዚ ናይ’ዛ ምድራዊት ዓለም ንዝወጹን ብኣፀደ ነፍሲ ዘለዉን ክርስቲያን ምንቲ ካልእ ከይጽልዩን፡ ንሕና ድማ ምእንትኦም ከይንጽልን ዝእግደና እንታይ ጭቡጥ ምኽንያት ኪህሉ ይኽእል? ነዚ ዝጠራጠሩ ወይ ዘይኣምኑ ሰባት፡ መሠረታዊ ሽግሮም ሰባት ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዓለም ሕይወት ምስ ወጹ (ምስ ሞቱ) ዋላ ሕንቲ ከም ዘይፈልጡ ምዉታን ጌርካ ካብ ምሕሳብ ዝመንጨዉ ግጉይ መበገሲ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ ምስ መጽሓፍ ቅዱስን ምስ ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ትምህርትን ብምንጽጻር ዓቢ ስሕተት ምዃኑ ተመልኪትና ኢና። ብሓፈሻ ፍትሓት ኣብ ሞትን ትንሣኤል ዘለና መጽሓፍ ቅዱሳዊ እምነት ዝግለጸሉ እዩ።

ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ መልእኽቱ ከምዚ ይብለና "ሓደ፡ ንሓዉ ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ኪገብር እንተ ረኣዮ፡ ይለምን፡ ኣምላኽውን ነቶም ናብ ሞት ዘየብጽሕ ሓጢኣት ዝገበሩስ ህይወት ኪህቦም እዩ። ናብ ሞት ዜብጽሕ ሓጢኣት አሎ፡ ብዛዕባዚ ኣይኰንኩን ይለምን ዝብል ዘሎኹ"(1ይ 5፡16) ጐይታና ውን "ወዘሰ ነበበ ላዕለ መንፈስ ቅዱስ ኢይትኃደግ ሎቱ ኢበዝዓለም ወኢበዘይመጽእ" ማለት "ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ በዚ ዓለም ይኹን በቲ ዚመጽእ ዓለም ኣይሕደገሉን እዩ" ብምባላ ኣብ'ቲ ዚመጽእ ዓለም ዚሕደግ ኃጢአት ከም ዘሎ ኣመልኪትልና እዩ።(ማቴ 12፡32)

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ሞት ንስሓ ወይ መካነ ንስሓ (purgatory) ኣሎ ኢላ ኣይትኣምንን ኣይትምህርን እያ። እዚ ከምዚ ዓይነት ባህሊ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘምጽኣቶም ናይ ፈጠራታት ትምህርቲ ሓደ እዩ። ንሕና ንኣምኖ እግዚአብሔር ሕያዋይ ስለ ዝኾነ፡ ንሱ ብዝፈለጦ ይቕረ ኪብለሎምን ምሕረቱ ከብዝሓሎምን ንዝዓረፉ ወገናትና ንጸሊ። ካብ’ዚ ወጻኢ ድሕሪ ሞት ካልእ ናይ ነስሓ ዕድልን ቦታን ኣሎ ኢልና ግን ኣይንኣምንን ኢና። እዚ ከምዚ ዓይነት ትምህርትን ኣተሓሳስባን ድማ መጽሓፍ ቅዱሳውን ትውፊታውን እዩ።


4ይ ድሕሪ ዕረፍቶም ሕያዋንን ዝፈልጡን ስለ ዝኾኑ
 

ኣብ ላዕሊ ከም ዚተገለጸ ሞት ማለት ሕይወት (ሕያውነት) ዚጠፍኣሉ ዘይኮነስ፡ ካብ’ዚ ንዋታዊን ሥጋውን ዓለምን መነባብሮን ናብቲ መንፈሳዊ ዓለምን መንፈሳዊ ናብራን ምኻድ ማለት እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ብኣካለ ነፍሲ ዘለዉ ኣብዚ ዓለም ዚግበር ይፈልጡ እዮም። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "ኣቦኹም ኣብርሃም መዓልተይ ኪርኢ ተሕጐሰ፡ ረኣያ እሞ ባህ በሎ፡ ኢሉ መለሰሎም" ብምባል ተዛሪቡ እዩ።(ዮሐ 8፡56) ድሕሪ ሞት ምፍላጥ ዝበሃል ዘይነብረ እንተዝኸውንን ዝሞቱ ሰባት ዋላ ሓንቲ ዘይፈልጡን ዋላ ሓንቲ ዘይገብሩን ኔሮም እንተዝኾኑ፡ ኣብርሃም ተስፋ ካብ ዝተነግሮ ጀሚሮ ዚናፍቖን ዚምነዮን ዚነበረ ናይ ወልድ ዋሕድ ሰብ ኮይኑ ምግላጹ ከመይ ጌሩ ፈለጠ? ከመይ ኢሉ ኸ ርእዩ ደስ በሎ ተባህለ? ስለ ዝኾነ ድማ ሕጂ ኣብርሃም ዘለዎ ኵነታት ብኣካለ ነፍሲ ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ’ዚ ምድሪ ኣብ ዚነበረሉ ጊዜ ብተስፋ ዝጽበዮ ዚነበረ ናይ ክርስቶስ ምግላጽ ሕጂ ምፍጻሙ ኣብ ዝፈልጠሉ ናይ ሕያውነት ኵነታት ኣሎ ማለት እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክረስቶስ ነፍሱ ብፍቓዱ ምስ ፈለየን፡ ምእንታና ሞት ምስ ተቐበለን ብኣካለ ነፍሲ ናብ ሲኦል ወሪዱ ማኅተመ ደሙ ብምርኣይ ሰላም ሰቢኽሎም እዩ። "ንሱ ድማ ከይዱ ነቶም ኣብ እስሪ ቤት ዚነበሩ ሰበኸሎም" ከም ዝተባህለ (1ይ ጴጥ 3፡19) እዚ ዘርእየና ድማ ኣብ ዓለመ ነፍሲ እኳ ድኣ ኣብ ሲኦል ዚነበሩ ምዉታን ምስ እግዚአብሔር ንምርኻብን ካብኡ መልእኽቲ ንምቕባልን ስብከቱ ንምስማዕን ኣብ ዝኽእልሉ ኩነታት ድኣ ነበሩ እምበር ማንም ዓይነት ርክብ ምግባር ኣብ ዘይክእልሉ ኩነታት ኣይነበሩን ማለት እዩ። ነዚ ድማ እዩ ጐይታና መለኮት ብዝተወሃሃደት ቅድስት ነፍሱ ናብኣቶም ከይዱ ነፃነት ዝሰበኸሎም። ስለ’ዚ ቅድሚ ዳግም ምጽኣት ምዃኑን ፍርዲ ቅድሚ ምውሃቡን፡ ሎሚ እግዚአብሔር ኣብ ዘዳለወሎም ቦታ ብኣካለ ነፍሲ ዘለዉ ወገናትና፡ ናይ እግዚአብሔር ምሕረት ኪቕበልሉ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታት ስለ ዘለዉ ንሕና ብዝተኻእለና መጠን ብጸሎትና ንእግዚአብሔር ንልምኖ።

5ይ ትምህርትናን እምነትና ተስፋናን ዝገልጽ ስለ ዝኾነ
 

ኣብ ጸሎተ ፍትሓት ዝበጽሕ ቃለ እግዚአብሔር "መሓሮም ይቐረ በለሎም" ዝብል ጸሎትን ኣስተበቁዖትን ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ማለት እንታይ ማለት ከም ዝኾነ፡ ክርስቲያን ኪንነብር ከለና እንታይ ኣሚንና እንታይ ተስፋ ጌርና ከም ንነብርን ከም ንመውትን ዝገልጽን ዝምስክርን እዩ። ነዚ ድማ ናይ ቅዱስ ያሬድ መሥዋዕት ምርኣይ እኹል ምስክር እዩ። ኣብ ጸሎተ ፍትሓት ዝበጽሕ ቅዱስ ያሬድ ዝደረሶ መሥዋዕት፡ አቡን አስተበቁዖት ዚኣመሰሉ ጸሎታት ናይ ክርስትና ናይ መመስከሪ መድረኽን ናይ መምሃሪ መንገድን እዩ።

ብሓፈሻ ኣብ’ዚ ዓለም ብሕይወተ ሥጋ ዘለዉ ሰባት እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ኪጽልየሉ ዚኽእል ካብ ኮነ፡ ካብ’ዚ ናይ’ዚ ዓለም ሕይወት ወጺኦም ናብ’ቲ መንፈሳዊ ዓለም ንዝኸዱ ክርስቲያን ወገናትና ምጽላይናስ እቲ ጌጋ ኣበይ እዩ ዘሎ? ሐዋርያ ቅዱስ ያዕቆብ "እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ" ብምባል ምሂርና እዩ።(ያዕ 5፡16) (መድሎተ ጽድቅ ካብ ዚብል መጽሓፍ ገጽ 454-476 ዘሎ ዚተወስደ እዩ)
 
 



 

No comments:

Post a Comment