bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Monday, 18 April 2016

መዝሙርን በረኸቱን ጓይላን ጉድኣቱን መበል 12 ናይ መወዳእታን ክፋል

ቅዱስ ማር ይስሐቅ "ናይ መናፍቓን መጽሓፍ ካብ ምንባብ ተኸልከል" ይብል። አረ ኣጥቢቑ ክእዝዘና እንከሎ "ዑቅ ከመ ኢትቅረብ ሃቤሃ" ናብ ንምቕራብ ኮነ ገንጺልካ ከይተንብባ ተጠንቀቕ" ይብል። ስለ ምንታይ ከነንብብ ከም ዘይብልና ክገልጽ ከሎ ድማ "መንፈሰ ጽርፈት ማለት ናይ ጸርፊ መንፈስ ንከይሓድረካ" ይብል (ማር ይስ ኣን ቀዳማዊ ምዕ9) ብርግጽ እዚ ብዛዕባ ናይ መናፍቓን መጽሓፍ ምንባብ ዝተጻሕፈ እዩ። እዚ ቅዱስ ኣቦ ከም ዘጠንቀቐና ድማ መጽሓፍ ናይ መናፍቓን ምንባብ ክፉእ ነገር እዩ። መጽሓፎም ካብ ምንባብ ንላዕሊ ግን ብናይ ደርፊ ዜማ ዝወጸ መዝሙራቶም ምስማዕ ይኸፍእ። ስለ’ዚ ልክዕ ከምቲ ካብ መጻሕፍቶም ከምኡ ድማ ካብ መዝሙራቶም ምስማዕ ክንክልከል ይግባእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "እቶም ዝማረኹና ሰባት መዝሙር ክንዝምረሎም ሓተቱና እወ እቶም ሳቐይትና ሓደ መዝሙር ጽዮን ዘሙርልና እናበሉ ከነሐጉሶም ለመኑና፡ ከመይ ጌርና አእሞ ንእግዚኣብሔር መዝሙር ምስጋና ኣብ ምድሪ ጓና ክንዝምር ኢና" ዝብል ኣደናቒ ቃል ተጻሒፉ ይርከብ መዝሙር 1373-4 እዚ ቃል ናብ ባቢሎን ተሰዲዶም ብዛዕባ ዝነበሩ እስራኤላውያን ብመልክዕ ትንቢት ዝተዛረቦ ቃል እዩ። ኣብዚ ቃለ’ዚ ድማ እስራኤላውያን ኣብ ባዕድ ሃገር ከም ዘይ ዝምሩ ኣረጋጊጾም ኣለዉ።


ንስኻ’ኸ ናይ እግዚአብሔር ዝማሬ ኣብ ማእከል ዘበትቲ ትዝምር ኔርካ’ዲኻ? መልስኻ ከም ናይ እስራኤላውያን ኣይዝምርን እንተ ኾይኑ ንዐኦም ኣይዝምርን ምባልካ ጽቡቕ እዩ። ናታቶም ደርፈን ወይ ናይ ኣምልኾኦም መዝሙር ዘምር ወይ ድረፍ እንተ ዝብሉኻ ? ኣይገብሮን እየ ከም እትብል ርግጸኛ እየ። ከም’ዚ ካብ ኮነ ኣብ ዙርያኻ ካብ ዘለዉ መናፍቓንን ኣህዛብን ናትካ እንተ ዘይዘሚርካልና ንሕና ክንዝምር እንከለና ተቐበለና ወይ ስምዓና ክብልኹዋ እንከለው ድኣ ንምንታይ ሐራይ ትብል? ስለ’ዚ ብኸምዚ ዓይነት ንዝተረድኦ እዚ ናይ ቅዱስ ዳዊት ቃል ክርስቲያን ናይ መናፍቓን መዝሙር ክሰምዑ ከም ዘይብሎም ዘረድእ እዩ ናይ መናፍቓን ደርፊ ፍጹም ሥጋዊ እዩ እዚ ድማ ብዜማኡን ብመሳርሒ ሙዚቃኡን ጥራይ ኣይምሰልካ መልእኽቱ እንተ መርሚርካዮ ውን ኣብ ሓንቲ ቦታ ኃጢኣተኛ ምዃንካ ንኽትምርምር ዝገብር ናይ ጣዕሳን ናይ ንስሓን ቃል ኣይትረኽበሉን ኢኻ። ኩሉ ብዛዕባ ሃብቲ ብዛዕባ ብልጽግና ብዛዕባ ክብሪ ንጸላእትኻ ብዛዕባ ምርጋጽን ካልኦት ንዐኦም ዝኣመሰሉ ሥጋዊ ነገራትን ጥራይ ኢኻ ትሰምዕ። እዞም ነጥብታት ግን ብትሐዝትኦም መንፈሳውያን ድዮም? ሰማያዊ ነገር ከም እትሓስብ’ከ ይገብሩ ድዮም? እዞም ኩሎም እዚኦም ምንም እኳ ንሳቶም ናይ ምስጋና መዝሙር ኢሎም እንተጸውዕዎም፡ ብምስተውዓል ንዝሰምዖም ግና ጉራን ፈኸራን ጥራይ ዝመልኡ እዮም።
ብተወሳኺ ውን ልዕል ኢሉ ቅዱስ ጳውሎስ መናፍቓን ዘምልኽዎ ኢየሱስ "ካልእ ኢየሱስ እዩ" ዝበለና ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ኣብ መዝሙሮም ስሙ ክጽውዕዎ እንከለዉ ልክዕ ንሓደ ዓርክኻ ከም እትጽውዖ ብድፍረት ዝጽውዕዎ ምዃኖም ድማ ኣዝዩ ዘደንቕ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ ንስኻ’ኸ መዝሙራቶም እናሰማዕካ "ኢየሱስ ዓርከይ" ንምባል ድዩ ልብኻ ዝናፍቕ ዘሎ? መናፍቓን ንቅዱሳንን ንመላእኽትን ምቅላሎም ከይኣክል ናይ ባህሪ ኣምላኽ ክርስቶስ ለማንን ኣማላድን ብምግባር ኣብ ብዙሕ መዝሙራቶም ኣብ ናይ ፍጡራን ቦታ እዮም ዘቐምጥዎ። መናፍቓን እምነቶም ብመዝሙራቶም ስለ ዘንጸባርቕዎ፡ ንዕኡ ክትሰምዕ ምቕራብካ እምነቶም ከም ምቕባል እዩ ዝሕሰበካ። ብነገረ ሃይማኖት ንምስማዕ ምቕራብ ጥራይ ንባዕሉ ከም ምእዛዝን ኣሚንካ ምቕባልን እዩ ዝቑጸር። ንኣብነት ጽቡቕ ቃል ንምስማዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክትግስግስ እንከለኻ መስዋዕቲ ካብ ምቕራብ ንላዕሊ እዩ ዝቑጸረልካ። ምኽንያቱ ሰለሞን ኣብ መክብብ ምዕ 51 "ካብ መስዋዕቲ ዓያሹስ ተግሳጽ ጥበበኛ ክትሰምዕ ኢልካ ምቕራብ ይበልጽ" ስለ ዝብለና።
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!
 

No comments:

Post a Comment