2ይ ናይ መናፍቓን መዝሙር ንምጥንቃቕ
2.1 ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ’ከ እንታይ ኣለዎ?
ጓይላን ደርፊ ምሰማዕን ናብ ናይ መናፍቓን መዝሙር ከቃልዓካ ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ናይ መናፍቓን መዝሙር ካብ ጓይላ ወይ ድማ ካብ ደርፊ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ኦርቶዶክሳውያን መንእሰያት ንናይ መናፍቓን መዝሙር ዝድግፍ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ከም ዝህልዎም ዝገበረ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ እንክርዳድ ዝኾነ ናይ ደርፊ ትምኒቶም እዩ። ብዙሓት ደረፍቲ ናብ መናፍቕነት ከም ዝኸዱን ኣብ’ኡ ዘመርቲ ተባሂሎም ክሳብ ምጽዋዕ ዝበጽሑን ድማ ናይ’ዚ ውጽኢት እዩ።ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ኩሎም እቶም ብዛዕባ ደርፊ ዝተነግሩ ጉድኣታት ወሲኹ ናብ ዝኸፍአ ጉድኣት የጋልጸካ። ስለ’ዚ ደርፊ ካብ ምስማዕ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ብዕጽፊ ከም ዝኸፍእ ከነስተውዕል ይግባእ። ደርፊ ምስማዕ ኃጢኣት እዩ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ግና ዓመጽን ክሕደትን እዩ። ኃጢኣት ናይ ምግባር ሕፀፅ ክኸውን እንከሎ ክሕደት ግና ናይ ሃይማኖት ሕፀፅ እዩ። ኣየናይ ዝኸፍእ ይመስለካ?
ኣብ’ዚ ምዕራባዊ ዓለም ዝርከቡ ብዙሓት ደረፍቲ ታሪኾም ምስ እነጽንዕ ቃለ መጠይቕ ክግበረሎም እንከሎ ናይ ቤተ ክርስቲያን ዘመርቲ ከም ዝነበሩ እዮም ዝዛረቡ። መብዛሕትኦም ንደርፊ ከም መበገሲ ዝኾኖም መዝሙር ከም ዝኾነ እዮም ዝገልጹ።
ናይዞም ደረፍቲ እዚኣቶም ኣገላልጻ ዘረድኣና እምበኣር፡ ናይ’ቲ ንሳቶም መዝሙር ኢሎም ዝጽውዕዎ ዜማን መሳርሒታቱን ካብቲ ናይ ደርፊ ዜማን መሳርሒ ሙዚቃን ፍልልይ ስለ ዘይብሉ ናብ ደርፊ ከም ዝተሰሓቡ እዩ። ምኽንያቱ ሰይጣን ብዝለመድዎ ምስሓብ ስርሑ ስለ ዝኾነ። ልቢ ወዲ ሰብ መዕረፊ እዩ ዝደሊ። ልቢ ወዲ ሰብ ካልእ ንምሓዝ እንተ ዘይኮይኑ ነቲ ዝነበሮ ገዲፉ ትም ኢሉ ክቕመጥ ኣይኮነሉን እዩ። ነዚ ዝፈልጥ ሰይጣን ካብ መዝሙር ኣላቒቑ ደርፊ የጨብጠካ። ንፈጣሪ ክብሪ ይኹኖ ንሕና ኤርትራውያን ከምዞም ምዕራባውያን ናይ መዝሙርን ደርፍን ፍልልይ ጠፊእና ከም እንጨናነቕ ዝገብር ሽግር የብልናን። ምኽንያቱ ዜማታት ናይ መዝሙርና ካብ ዜማታት ናይ ደርፍን ናይ መናፍቓን መዝሙርን ዝተፈለየ ኮይኑ፡ ናይ መዝሙር መሳርሒታት ውን ካብ ናይ ደርፍን ናይ መናፍቃን መዝሙርን መሳርሒታት ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ። ኮይኑ ግን ከምዞም ምዕራባውያን ደረፍቲ ኣብ ሃገርና ውን ብዙሓት ደረፍቲ "ዘማሪ ኔረ እየ መበገስየይ ናይ ቤተ ክርስቲያን መዝሙር እዩ" ክብሉ ይስምዑ እዮም። ብርግጽ ካብ መዘምር ክሳብ ዲያቆናን መርጌታነትን መዓርግ ዝበጽሑ ብዙሓት ናብ ደርፊ ዝዘንበሉን ዝኸዱን ከም ዘለዉ ዝእመን እዩ። ውሑዳት ግን እቶም ደርፎም ዝሰምዑሎም ሰባት መብዛሕትኦም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ እዮም ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ተቐባልነት ከም ዝረኽቡ ፈሊጦም "ዘማሪ እየ ኔረ" እናበሉ ዝሕስዉ ኣለዉ። ቤተ ክርስቲያንና ናይ መናፍቓን መዝሙር ኣይትስምዑ እናበለት ንደቃ እትምህሮ፡ ናይ ዜማ መሳርሒታታ ካብ ናይ መናፍቓን ናይ ዜማ መሳርሒታት ፍሉይ ስለ ዝኾነ ጥራይ ኣይኮነን። እዚ ሓደ ክፋል እኳ እንተ ኾነ እቲ ቀንዲ ግን መናፍቓን ዝዝምርዎን ዝሥውእዎን ንኣጋንንቲ ስለ ዝኾነ እዩ።
ክርስቲያን ድማ ናይ ኣጋንንትን ናይ ጐይታን ጽዋእ ክሰትዩ ኣይክእሉን እዮም። መዝሙር መሥዋዕት ከም ዝኾነ ዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ወይስ ንእስራኤል ዘሥጋ ከቢቦሞም ዝነበሩ ኣህዛብ፡ ናይዞም ንክርስቲያን ከቢበሞም ዘለዉ መናፍቓን ምሳሌ ከም ዝኾኑ ዶ ትጠራጠር ኢኻ? ሐዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ እስራኤል ዘሥጋ ምስ ኣህዛብ ክህልዎም ዝግባእ ጥንቁቕ ዝኾነ ርክብ ኩሉ ንክርስቲያን ትምህርቲ ከም ዝኾነ ኣስፊርዎ ኣሎ(1ቆሮ 10፡18-22) ብዙሓት ሰባት ደርፊ ካብ ምስማዕ ይሓይሽ እዩ አእናበሉ ናይ መናፍቓን መዝሙር ዝሰምዑ ኣለዉ። ቅዱስ ጳውሎስ "ሓደ ጐይታ ሓንቲ ጥምቀት ሓንቲ እምነት" ኢሉ ኣብ ኤፌ 4፡5 ብዝጸሓፎ ቃል ትኣምን ዲኻ? ትኣምን እንተ ኮይንካስ ናይ መናፍቓን መዝሙርን ስብከትን ካብ ምስማዕ ተኸልከል።
ብሓንቲ ሃይማኖት ምስ እትኣምን ኩሎም መናፍቓን "ብስመይ ክመጽኡ እዮም" ተባሂሉ ትንቢት ዝተነግረሎም ምንም እኳ ስመ ክርስቶስ እናጸውዑን ክርስቲያን ኢና እናበሉ እንተ መጹን ኵላቶም "ሓሰውቲ ሓዋርያት ተንኮለኛታት ሰራሕተኛታት" ከም ዝኾኑ ክትርዳእ ኢኻ (2ቆሮ 11፡13) እቲ ቀንዲ ዘገድስ ግን ሃይማኖት ሓንቲ ምዃናን ንሳ ድማ ርትዕት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ምዃና ምእማንካ እዩ።እስራኤላውያን ብስም እቶም ኣብ ዘመኖም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ናይ ኣሕዛብ ኣማልኽቲ ንኸይምሕሉን ከም ኣህዛብ ንኸይደርፉን ብጠቕላላ ስመ ጣዖት ንኸይጽውዑን ካብ ኣፎም ንኸይስማዕን ተኣዚዞም ነበሩ። እቲ ትእዛዝ ድማ "ስም ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ኣይትጸውዑ፡ ካብ ኣፍኩም ውን ኣይሰማዕ" ዝብል እዩ ኔሩ። ዘፀ 23፡13
ኣብ ዘመነ ኦሪት እግዚአብሔር ዘምልኹ ዝነበሩ እስራኤል ዘሥጋ ናይ ክርስቲያን ናይ እስራኤል ዘነፍስ ምሳሌ እዮም ዝነበሩ። ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ዝኾኑ ኣህዛብ ድማ፡ ናይዞም ኣብ ዙርያናይ ክርስቲያን ዝርከቡ ዘለዉ ኩሎም መናፍቓንን ኣረሜናውያንን ምሳሌ እዮም። ፍልልዩ ናይ ሎሚ መናፍቓን ክረስቲያን ዝሓዝዎ መጽሓፍ ተሓንጊጦም ስመ ክርስቶሰስ እናጸውዑ ብምምጽኦም ጥራይ እዩ። "እዚ ውን ዘደንቕ ኣይኮነን ሰይጣን እኳ ንርእሱ መልኣኽ ብርሃን ይመስል እዩ’ሞ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለ’ዚ ከኣ እቶም ኣገልገልቲ ሰይጣን ንርእሶም ኣገልገልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ እዚ ኣየገርምን እዩ" 2ቆሮ 11፡14
ስለ’ዚ ንእስራኤላውያን ናይ ካልኦት ኣማልኽቲ ስም ንኼኢጽውዑ ዘጠንቅቕ ቃል፡ ምስ ክርስትና ምስ እነነጻጽሮ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ይኹን ስመ ኣምላኾም ምጽዋዕ ከም ዘይግባእ ይምህረና። ስመ ክርስቶስ ሓደ እኳ እንተ ኾነ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ስም እዚ ዝውከሉን ብእምነት ክቕበልዎም ዝግበኦምን ብርክት ዝበሉ ቁም ነገራት ኣለዉ። ኣብ’ዚኣቶም ዝፍጠር ፍልልይ ኣብ ዝበዝሓሉ ናይ ስሙ ውክልና ድማ ብኡ መጠን እናበዝሐ ይኸይድ። እዚ ብምዃኑ ድመ መናፍቓን ኣብ ክርስቶስ ዘለዎም እምነት ከም ናይ ኦርቶዶክሳውያን ክሳብ ዘይኮነ፡ ንሳቶም ክርስቶስ ኢሎም ኣብ ዝጽውዕሉ ጊዜ፡ እዚ ስም ዝውክሎ ካብቲ ኦርቶዶክሳውያን ክጽውዕዎ ዝነብሩ ስም ውክልና ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ። እሞ’ኸ ድኣ ናይ ስም ምምስሳል ስለ ዘሎ ጥራይ ከመይ ጌረካ መናፍቓን ዝዝምርዎ መዝሙር ንእግዚአብሔር ከም ዝተዘመረ ጌርካ ክቑጸር ይኽእል?
ቅዱስ ጳውሎስ ሓደ ሰብ ወንጌል ጨቢጡ ስመ ክርስቶስ እናጸውዐ እኳ እንተ መጸ፡ ነቲ ብዛዕባ ክርስቶስ ዝነግር ናይ ወንጌል ቃል ጠዋውዩ ካብቲ ሐዋርያት ዘዝመሃርዎ ትምህርቲ ዝተፈለየ እንተ ኾይኑ እዚ ሰብ ክርስቶስ ዘይ ኮነ ካልእ ክርስቶስ እናሰበኸ ምህላዉ ከምዚ ክብል ኣረዲእና እዩ "ምኽንያቱ ንሕና ዘይ ሰበኽናዮ ካልእ ኢየሱስ እንተ ሰበኸልኩም ወይ ካባና ዘይ ተቐበልኩምዎ መንፈስ ካልእ መንፈስ እንተተቐበልኩም ወይ ቅድሚ ሕጂ ዘይተቐበልኩሞ ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም ስቕ ኢልኩም ትዕገሥዎ ኣለኹም" 2ይ ቆሮ 11፡4 ገላ 1፡6-9 ዋላ እኳ ኣብ ብዙሕ ነገር ተመሳሳሊ ብምዃን ዘደናግሩ እንተመሰሉ መናፍቓን ዘምልኽዎ ኢየሱስ ካልእ ኦርቶዶክሳውያን ዘምልኽዎ ኢየሱስ ድማ ካልእ ከም ዝተኾነ በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ ቃል ኣረጋግጽ። ነዚ ምስ ኣረጋገጽክ ናይ መናፍቓን መዝሙር ምስማዕ ማዕረ ክንደይ ጌጋን ናይ ሰይጣን ግዙእ ከም ዝገብረካን ክርድኣካ እዩ። ነዚ ብዝግባእ ዝተረድኡ ሠለስቱ ምእት ኣቦታትና "ምስ ኣርሲሳን ኣይትጸሊ፡ እዚኦም ድማ መናፍቓን እዮም ምስ ኣህዛብ ውን ኣይትጸሊ" ኢሎምና ኣለዉ (ሃ.ኣበ ዘሠለስቱ ምእት) መዝሙር ጸሎት ከም ዝኾነ ይጠፍኣካ ድዩ? ወይስ ንትእዛዝ ኣቦታትካ ግዲ ኣይትህቦን ኢኻ? መዝሙር ጸሎት ካብ ኮነ ምስ መናፍቓን ኣይትጸሊ ማለት ድማ መዝሙሮም ኣይትስማዕ ማለት እዩ ብምባል ክትርጎም ይከኣል እዩ።
....................... ይቕጽል
No comments:
Post a Comment