ሎሚ ድማ ብዘገርም መልክዑ ናይቲ እምነት ተኸተልቲ ኃጢኣት ኣለዋ ንጽህት ኣይኮነትን ድንግል ኣይኮነትን እናበሉ ምዝራቦም ምናልባት ብ 16 ክፍለ ዘመን ነዚ እምነት ዝመሥረትሎም ሰባት ዝመሃርዎ ትምህርቲ እኳ ኣየንበብዎን? ወይ’ስ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ድዮም ኮይኖም? ወይስ ከምቲ ሐዋርያ ዝበሎ “ ናይቲ ንመሕደሪኡ ክጸርፍ ኣፉ ከፈተ ዝተባህለ ገበል ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ እዮም? (ራእ ዮሐ 13፡4-6) እቲ መልሲ ዝኾነ ይኹን ንስሓ ኣትዮም ነዛ ቕንዕቲ እምነት ተኸቲሎም ንኽጐዓዙ ናይዚ መጽሓፍ ኣዳላዊ ምኽሪ ኢዩ። ናይ ኣቦታቶም ትምህርቲ ግን ንዚ ዝስዕብ ይመስል ኔሩ
ማርቲን ሉተር እቲ ኣብዛ ምድሪ ብዙሕ ናይ ስሕተት ትምህርቲ ዝዘርአ ኣብ 1483-1546 ዝነበረ ናይ ፕሮቴስታንት መሥራቲ ማርቲን ሉተር ውን ድንግል ማርያም ኣቐዲማ ካብ ጥንተ ኣብሶ ነጻ ምዃና ኣብ ስብከቱ ኣብ መጽሓፉ ክገልጽ እንከሎ “It is a sweet and pious belief that the infusion of mary’s soul was effected without original sin.........(ናይ ማርያም ነፍሲ ምስ ሥጋኣ ኣብ ዝተወዋሃደትሉ ጊዜ ካብ ኃጢኣት ፍጹም ዝነጽሐትን ጥንተ ኣብሶ ዘይብላ ብጸጋ እግዚኣብሔር ዘጋየጸት ንጽሕት ነፍሲ ኮይና ኢያ ምስ አግዚአብሔር ዝተወሃሃደት፡ ንጽሕት ነፍሲ ተቐቢላ ኔራ በዚ ውን ድንግል ምንባር ካብ ዝጀመረትሉ ጊዜ (ካብፅንሰታ) ጀሚራ ካብ ኵሉ ኃጢኣት ዝነጽሐት ኮነት ነዚ ምእማን ምቁር ኢዩ......ማርያም ናይ ብሓቂ ኣዲኡ ኢያ ንሱ ውን ናይ ብሓቂ ወዳ ኢዩ፡ ስለ’ዚ ሰብነታ ንባህሪኡ ዝሰማማዕ ናይ ኣደነት ተራኡ ተዋጺኡ ኢዩ። እንተ ኾነ ግን ክትወልዶ እንከላ ብዘይ ኃጢኣት ስለ ዝኾነ ክትወልዶ እንከላ ውን ብዘይ ጻዕሪ ብዘይ ሕማም ብዘይ ምፍታሕ ማህጸን ኢዩ። እግዚአብሔር “ብጻዕርን ቅልውላውን” ክትወልዲ ኢኺ ኢሉ ዝተዛረቦ መርገም ንዓኣ ኣይተንከፋን (ዘፍ 3፡17) ብምባል ብግልጺ ምሂሩን ጽሒፉን ኔሩ (Sermon on the Day of the Conception of Mary, Mother of God, 1527)፡፡
ማክስ ቱሪያን ብተወሳኺ ውን (ብ1921-1996 ዓ.ም) ዝነበረ ናይ ካልቪኒስት እምነት ኣብ ዓለም ብምስፍሕፋሕ ዝፍለጥ ናይ ካቶሊክ ካህን ዝነበረ ማክስ ቱሪያን (Max Thurian) ኣብ መጽሓፉ ልክዕ ከም ሉተር ንሱ ውን ነቲ ፈጺሙ ክክሓድ ዘይክእል ናይ ድንግል ማርያም ንጽሕና ክኽሕድ ኣይፈተነን፡ ነዚ ክገልጽ እንከሎ ““As far as [Mary] is concerned, according to the Gospel,…” ( ብዛዕባ ማርያም ከም ናይ ወንጌል ኣዘራርባ ንሳ ናይ ጸጋ ምልኣቱ መርኣይት ኢያ። ከምኡ ውን ኣዲኡ ኣቐዲማ ዝተሓሰበት ርስሓት ዘይትፈልጥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውን ምሳሌ ጌሩ መሪጽዋ ኢዩ፡ እዚ ሓሳብ ብዛዕባ ማርያም ክንብል እንኽእሎ እንኽእል ንዅሉ ዝገልጸልና ኢዩ፡ እዚ ማለት ብሓደ ወገን ማርያም ኃጢኣት ክም ዘለዋ ንምዝራብ ዝደፋፈሩን ብኻልእ መንገዲ ድማ ንሳ ከብ ናይ ደቂ ሰብ ባሕርይ ፍጹም ዝተፈልየት ከም ዝኾነት ዝዛረቡን ወሲኽካ ኣፎም ዘዕጹ ኢዩ። ጸጋ ዝተመልአት ጓል ጽዮን ሥጋ ናይ ዝተወሓደ ኣምላኽ ኣደ ናይ ኣዴና ቤተ ክርስቲያን ምሳሌ ዝኾነት ድንግል ማርያም ቅድሰት ኢያ። ኢሉ ምሂሩ ኢዩ ((Mary, Mother of All Christians, page 204 [endnote], and page v 24, 25, from the chapter "Full of Grace")፡፡
ኡልሪች እዝቪንጊሊን ድማ ንጽሕቲ ምዃና ኣብ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ክገልጽ እንከሎ “He who was about to remove our sins but not to make all men holy” (ኵሉ ሰብ ቅዱስ ንምግባር ዘይኮነ ኃጢኣትና ንኸወግደልና ዘለዎ ንሱ ባዕሉ ቅዱስ ክኸውን ኣለዎ፡ ስለ’ዚ እግዚአብሔር ነዲኡ ቀደሳ ምኽንያቱ ቅዱስ ውላድ ከምኡ ቅድስት ዝኾነት ኣደ ክትህልዎ ስለ ዝግባእ። ኵሉ ጊዜ ድንግል ዝኾነት ናይ ድኅነትና ኣደ ማርያም ብዝምልከት ክብሪ ዘኽልእ ዘርስሕ ወይ ክፍኣት ዝመልኦ ሓሳብ ሃሲበ ይኹን ብወግዒ ተዛሪበ ኣይፈልጥን ኢየ፡ ሕጂ ውን ኣይሓስብን ኢየ እዚ ተጠራጠርትን ዕሙቕ ዘዝበለ ፍልጠት ዘይብሎም ክርስቲያን ብዛዕባ ኣደ ኣምላኽ ብዝምልከት ዘለኒ ንጹር መርገጺ ንምርኣይ ብቑዕ ከም ዝኾነ ተስፋ ይገብር፡ ብመሠረት ቅዱስ ወንጌል ብምሉእ ልበይ እዚኣ ንጽሕት ድንግል ወዲ ኣምላኽ ከም ዝወለደትልናን ብልደት ይኹን ብድሕሪኡ ንዘልዓለም ንጽሕትን ዘይረኸሰትን ከም ዝኾነት እኣምን ኢየ) ብምባል ድንግልናኣን ንጽሕናኣን ብሰፊሑ ገሊጹ ነበረ።
ሄንሪች ቡሊንገር ኣብ 16 ክፍለ ዘመን ዘዝነበሩ ሪፎረመርስ (ፕሮቴስታንት) ንባዕሎም ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ጥንተ ኣብሶ ንጽሕት ምዃና ገሊጾም ኔሮም። (ብ1504-1575) ናይ ዝዊንግሊን ተኸታሊ ዝነበረ ሄንሪች ቡሊንገር ብዛዕባ’ዚ ክገልጽ እንከሎ “What pre-eminence in the eyes of God the Virgin Mary…” (ምስ ካልኦት ቅዱሳን ንምንጽጻር እትኸብድን ኣዝአ ልዕሊ ኵሎም ክትከውን ዝግበኣን ናይ ድንግል ማርያም ንጽሕናኣ እምነታ ቅድስናኣ ካብ (ርስሐት) ዝነጽሀት ምዃናን ጽቡቐ ጠባያን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዓቢ ኢዩ......ካብ ልደታ ጀሚራ ንጽሕት ዝነበረት ናይ ንጽሕት ቡራኬ ዝተቐበለት... ኣደ ኣምላኽ ናይ መንፈስ ቅዱስ መቕደስ ኣካላ ንጹሕን ኃጢአት ኣልባ ዝኾነ ናይ ድንግል ማርያም ዝተቐደሰ ሰብነታ ብመላእኽቲ ናብ ሰማይ ከም ዝዓረገ ንኣምን ኢና) ብምባል ገሊጹ ኔሩ።(Heinrich Bullinger, cited in Thurian, page 89, 197, 198)፡፡
2ይ ተቓውሞ “ኣንጺሆ ሥጋሃ ቀዲሶ ኪያሃ ኀደረ ላዕሌሃ” ዝብል ናይ ቅዱስ ያሬድ ቃል ብምጥውዋይ፡ ንሥጋኣ ኣንጺሁ ቀዲሱ እዩ ሓዲርዋ ማለት ኣቐዲሙ ኃጢኣት ኔርዋ እዩ ክብሉ ይፍትኑ። ብሓቂ ግን ናይ ቅዱስ ያሬድ ሃይማኖት ዘለዎም ኣይኮኑን እምበር ቅዱስ ያሬድሲ(ማርያመሰ ተሐቱ እምትካት ውስተ ከርሡ ለኣዳም ከም ባሕርይ ጻዐዳ) “ማርያምሲ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ባሕርይ ኣዳም ከም ጻዕዳ ዕንቊ ተብርህ ነበረት” ዝብል ንጹሕ እምነት ዘለዎ ቅዱስ ኣቦ እዩ።
ንሥጋኣ እንጺሁ ማለት ድማ ንጹሕ ጌሩ ፈጢርዎ ማለት ድኣ እምበር ኃጢኣት ኔርዋ ካብ ኃጢኣት ኣንጺህዎ ዝብል ትርጉም ክወሃቦ ኣይግባእን።
(መኑ ይእቲ ዛቲ እንተ ትሔውጽ ከመ ጎሕ ሠናይት ከመ ወርኅ ወብርህት ከመ ፀሐይ) መኀ 6፡10 እዚ ድማ ንጽሕናኣ ከም ፀሓይ ዝሞቐ ከም ወርሒ ዝደመቐ ምዃኑ ንምግላጽ ኢዩ።
3ይ ተቓውሞ “ሓይሊ ልዑል ከፅልለልኪ እዩ” “ጸለለ” ጋረደ (overshadow) ዝብል ቃል ኣንጽሐ ማለት ኢዩ ዝብል ጌጋ ትርጉም ይህብዎ
4ይ ተቓውሞ “ነፍሰይ ብኣምላኸይ በቲ መድኃኒየይ ባህ ይብላ”
(ድንግል ማርያም ከምዚ ምባላ ትኽክል ኢዩ ምኽንያቱ እግዚአብሔር ኣቐዲሙ ካብቲ ብመርገም ዝመጽእ ፍዳ ነጻ ጌሩ ኣድኂንዋ ኢዩ) ስለ’ዚ ድኅነት ዝበሃል ሓደ ሰብ ኃጢኣት ምስ ገበረ ጥራይ ዘይኮነ ኃጢኣት ቅድሚ ምግባሩ ውን ድሒኑ ይበሃል ኢዩ ይሁ 1፡24-25። ሰብ ቅደሚ ምሕማሙ ካብ ሕማም ድኂነ ክብል ይኽእል ድሕሪ ምሕማሙ ውን ካብ ሕማም ድሒነ ክብል ይኽእል። ንኣብነት 3 ሰባት ብጊዜ ክረምቲ ጭቃ ኣብ ዝበዝሖ ቦታ ኣብ ጥቓኡ ድማ ውሕጅ ዘለዎ ሓቢሮም ክጐዓዙ ይጸንሑ እሞ፡ እቶም ክልተ ሸተት ኢሎም ይወድቁ። ብድሕሪ እዚ ነቲ ሓደ እቲ ውሕጅ ሒዝዎ ክኸይድ ይጅምር፡ ነቲ ሓደ ግና ሸተት ኢሉ ምስ ወደቐ ናብቲ ውሕጅ ከይኣተወ እቲ ሳልሳዮም ብኢዱ ሒዙ የድሕኖ ነቲ ካልኣዩ ድማ ሓምቢሱ ካብቲ ውሕጅ ኣውጺኡ የድሕኖ። ስለ’ዚ ክልቲኦም ድማ ኣድሒንና እዮም ዝብሉ፡ በሉ ነስተውዕል ነቲ ቐዳማይ ናብ ውሕጅ ከይኣተወ እንከሎ እዩ ኣድሒንዎ ስለ’ዚ ኣድሒንኒ ምባሉ ግን ጌጋ ኣይኮነን። ድንግል ማርያም ድማ ከም ኣቦታታ ናይ ኣዳም ኃጢኣት ንኸይሓልፋ እግዚአብሔር ብጥበቡ ስለ ዝሓለዋ መድኃኒየይ ክትብሎ ትኽክል እያ። ነዚ ድማ እዩ ቅዱስ ዳዊት ኣቐዲሙ ህዝብኽን ቤት ኣቦኽን ረስዒ” ዝበላ መዝ 45፡9-11 እዚ ድማ ከም ህዝብኽን ኣቦታትክን ናይ ኣዳም ኃጢኣት ክሓልፈኒ እዩ ኣይትበሊ ማለቱ እዩ።
ስለዚ መድኃኒየይ ዝበለት ኃጢኣት ኔርዋ ኣድሂንዋ ዘይኮነ ኣዳማዊ ኃጢኣት ንኸይሓልፋ ስለ ዘድሓና እዩ። መንፈስ ቅዱስ አቀባ እም ከርሰ እማ ከም ዝብል። ብተወሳኺ ውን ካብቲ ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋጥመን ዘርኢ ብምቕባል ዝመጽእ ጥንስን ጻዕረ ወሊድን ተመሊስካ ድሌትካ ናብ ሰብኣይ ምጽጋዕን ዝኣመሰሉ ንዓኣ ነጻ ጌሩ ሰለ ዘድኀና መድኃኒተይ ምባላ ቅኑዕ ኢዩ።
5ይ ተቓውሞ “ኣዳማዊ ኃጢኣት የብላን እንተ ተባሂሉ ኃይል ኣርያማዊት ኢያ ማለት ኢዩ?
ኣዳምን ሔዋንን ግን ኣብ ገነት ንልዕሊ 7 ዓመት ብዘይኃጢኣት ዶ ኣይነበሩን እዮም? እሞ’ኸ ድኣ ንሳቶም ውን ኃይሊ አርያማውያን አዮም ኔሮም ማለት ድዩ? ንሕናስ ኣዳም ካብ መሬት ሔዋን ድማ ካብቲ መሬታዊ ከም ዝተፈጥሩን ኃጢኣት ከም ዘይነበሮምን ቅዱስ መጽሕፍ መሠረት ብምግባር ንኣምን ዘፍ 1፡26-31”) ብተወሳኺ ውን (ኃይል ኣርያማዊ ዝኾነ ኢዩ ኃጢኣት ዘይገብር እንተ ድኣ ኢልና እቲ ኃይል ኣርያማዊ ዝነበረ ሳጥናኤል ውን ኣብታ ኃጢኣት ዘይፍለጣ ንጽሕት ሰማይ በዲሉ ኢዩ) ስለ’ዚ ኣይጭነቕኩም ንቅዱሳን ኣቦታት ኣብ ሲኦል ብዘይ ስቓይ ንሠለስተ መንእሰያት ኣብ ማእከል ሓዊ ብዘይ ቃንዛን ስቓይን፡ ዝሓለወ ነታ መሕደሪኡ ክትከውን ዝመረጻ ቅድስቲ ታቦት ድማ ኣብዛ ብኃጢኣት ዝተመልአት ዓለም ብዘይ ኃጢኣት ዓቂብዋ እዩ። ንዕኡ ዝሰኣኖ ነገር የለን።(መሃ 2\2)
No comments:
Post a Comment