አብ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያ ንግለ ሰባት በብንጽል ካብ ምውጋዝ ዝሓለፈ ጸረ ፕሮቴስታንታዊ ተሃድሶ ወፍሪ ብወግዒ ዝተኻየደን ናይ መናፍቓን ቅስሚ ዚተሰበረን በቲ መበል 111 ናይ ግብጺ ፓትርያርከ ዚነበረ ብጊዜ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ድሜጥሮስ ዘመነ ፕትርክና እዩ። ኣብ ናይ ቅድሰት ዲምያና ገዳም አበምኔት ዚነበሩን፡ ናይ መናፍቓን ተንኮል ብዕምቆት ዚተረድኡን አቡነ ድሜጥሮስ፡ ፕሮቴስታንት ኣብ ናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን ዘርጊሕዎ ዚነበረ ክንፉ ብምስባር፡ ብመጠን እቲ መጀመርያ ዚተንሥኣሉ ደጊሙ ክምለስ ከም ዘይክእል ጌሮም፡ ንታሪኽ ናይታ ቤተ ክርስቲያን ዘይርሳዕ ውዕለት ንመናፍቓን ድማ ብሓዝን ዝዝክርዎ በሰላ ገደፍሎም።
አቡነ ድሜጥሮስ ናይ ተሃድሶ ነገር ኣብ ከመይ ዚበለ ደረጃ ከም ዚበጽሕ ዚተረድኡ፡ ንእሽተይ ሓዎም ኣብ ገዝኦም ኮፍ ኢሉ ናይ ፕሮቴስታንት ‘ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መብርሂ’ እናንበበ ምስ ረኸብዎ እዩ። ብናይ ምሥጢራዊ ትርጓሜ (allegorical interpretation) ባህሊ ዝፍለጥን ከም በዓል ቅዱስ ቀሌምንጦስ፡ ዲዮናስዮስ፤ ዲዲሞስን ኣትናቴዎስን ቄርሎስን ዘፍረየ ናይ እስክንድርያ ቤት ትምህርቲ ዝርከበላ ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዲያቆን ዝኾነ ሓዎም፡ ናይቶም እምነቶም ብ16 ክፍለ ዘመን ዚተጀመረ ናይ በዓል ሉተር፡ ካልቪን፡ ሜላንችተን ትርጓሜ ከንብብ ምስ ረኣይዎ ብመንፈሳዊ ቅንኣት ተቓጸሉ። ኣብ ውሽጢ እታ ቤተ ክርስቲያን ተሰግሲጉ ናይ ቀለም ትምህርቲ ንምስፍሕፋሕ ብዝብል ሽፋን ዚተጀመረ ፕሮቴስታንታዊ ተሃድሶ ንምጥፋእ ቆሪጾም እንተዘይተንሢኦም ዚተቐመጥዎ ናይ ቅዱስ ማርቆስ ወንጌላዊ መንበር ከም ሓዊ ኮይኑ ከም ዚበልዖም ተረድኡ። ስለ’ዚ አቡነ ዲሜጥሮስ ካልዕ ኩርማጆም ኣልዓሉ። ናይ’ዞም ፓትርያርክ ናይ ፀረ ተሃድሶ ወፍሪ ዚተጀመረ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ዓውደ ምሕረት ዚንበብ ሓሙሽተ ገጽ ዝሓዘ መግለጺ ብምውጻእን ንዕኡ ብምዝርጋሕን እዩ። ኣብ’ዚ ብኣባታዊ ጸሎተ ቡራኬ ዚጅምር መግለጺኦም፡ ፕሮቴስታንታውያን ኣብ ልዕሊ’ታ ቤተ ክርስቲያን ዘውረድዎን፡ ከውርድዎ መዲበምዎ ዘለዉን ጥፍኣት ብዝርዝር ድሕሪ ምቕማጦም፡ ንኦርቶዶክሳውያን ካህናትን ምእመናንን ነዚ ዚስዕብ ትእዛዝ ኣመሓላለፉ።
1. ፕሮቴስታንታዊ መጻሕፍቲ ምንባብ ደው ኣብሉ።
2. ቅድሚ ሕጂ ዚተዋህበኩም ናይ ፕሮቴስታንት መጻሕፍቲ ብህጹጽ ኣቃጽሉ።
3. ብቃል ይኹን ወይስ ብጽሑፍ ማንም ናይ ፕሮቴስታንት ትምህርቲ ተቀቢልኩም ከይትሰምዑ።
4. ምስ ፕሮቴስታንታውያን ዋላ ሓንቲ ዓይነት ርክብ ኣይሃልኹም፡ ተልእኾኦም ንኽፍጽሙ ድማ ዋላ ሓንቲ ዓይነት ምትሕብባር ከይትገብርሎም።
5. ብውሽጢ ይኹን ብደገ ንዝግበር ፕሮቴስታንታዊ ተጽዕኖ ፍለጡ (ተጠንቀቑ)
ድሕሪ’ዚ ናይ ፓትርያርክ ኣቡነ ዲሜጥሮስ መግለጺ ኣብ መላእ ግብጺ ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ቤተ ክርስቲያኖም ንምሕላው ተዓጢቖም ተለዓሉ። ኣብ’ቲ ጊዜ ዚነበረ ናይ ግብጺ መራሒ፡ እቲ ነገር ናይ ምዕራባውያን ተንኮል ምዃኑ ስለ ዚተረድአ ኣብ ጎኒ ቤተ ክርስቲያን ደው በለ። ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርቲ ኣስፋሕፍሐት፡ ብዙሓት ኦርቶዶክሳውያን ንደቆም ካብ ናይ ፕሮቴስታንት ሚሽን ቤት ትምህርቲ እናውጽኡ፡ ናብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣብያተ ትምህርታት ከእትዉ ጀመሩ። በቲ ዚተፈጥረ ኩነታት ኦርቶዶክሳውያን ኣብኣቶም ዚተፈጸመ ተንኮል ምስ ፈለጡ ናይ ቁጥዓ ስጉምቲ ክሳብ ምውሳድ ክሳብ ምትህርራም፡ ገዛን መሬትን ንፕሮቴስታንት ኣይነካርን ኢና ክሳብ ምባል በጽሑ። ካብ ወገን ፕሮቴስታንት ውን ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣትዮም ቅድሳት ሥዕላት ክሳብ ምስብባር ዚበጽሑ ነበሩ። ነገራት ምስ ተረጋግኡ ግን ቤተ ክርስቲያን ብብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ብቆራጽነት ናይ አቡነ ዲሜጥሮስ ካልዕ፡ እቲ ብስልቲ ናይ ተሃድሶ ንናይ እስክንድርያ ቤተ ክርስቲያን መንበር ፕሮቴስታንት ንምግባር ብዙሕ ገንዘብ ተመዲብሉ ዚተኣልመ ናይ ነዊሕ ጊዜ ተንኮል ከተፍሽል ከኣለት።
ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ብዘመን እቲ መበል 111 ናይ እስክንድርያ ፓትርያርክ ዚነበረ ኣቦ እኳ ናይ ተሃድሶ አከርካሪ እንተሰበረት፡ ፈጺማ ከተጥፍኦ ክኢላ ማለት ግን ኣይኮነን።
ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ ጐይታና ብዲያብሎስ ምፍታኑ ድሕሪ ምጽሓፉ “ንግዚኡ ገደፎ” ከም ዚበለ፡ ንጊዜኡ “ኣንታ ሰይጣን ኪድ ካባይ ርሓቕ” ተባሂሎም ዚተባረሩ መናፍቓን፡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ብድሕሪ ኣቡነ ድሜጥሮስ ኣብ ዚሾሙ ሸውዓተ ፓትርያርካት ክሳብ ሕጂ ውን እንተ ኾነ ፈተና ካብ ምዃን ኣየቋረጹን።
ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዚተረፉ ዘመናት ምስ ተሃድሶ ዚተተሓሓዘ እንታይ ኣሕለፈት? ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣብ ዘመን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ሺኖዳ ዘመነ ፕትርክናን ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ታዋድሮስ ዘመነ ፕትርክናን ዘላቶ ኩነታት ከ እንታይ ይመስል? ኣብ ናይ ግብጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ተሃድሶ ደው ንምባል እንታይ ስጉምቲ ተወሲዱ? እንታይ ዓይነት መምርሒ ከ ተመሓላሊፉ? ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳውያን ዘይኮኑ መዝሙራትን ስብከታትን እታ ቤተ ክርስቲያን ዘውጽኣቶ መምርሒ ኸ? ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ብዛዕባ ዚተላዕለ ናይ ቀረባ ጊዜ ነውጽን ናይ’ታ ቤተ ክርስቲአን ውሳኔን ከ ማዕረ ክንደይ ትምህርቲ ዚህብ ይኸውን? ካልኣይ ክፋል ክንርእዮ ኢና። ይቕጽል፠፠፠ሐመር መጋቢት 2008 ኣ/ም
No comments:
Post a Comment