ዮሴፍ ሕጹይ እመ ኣምላክ ዝተባህለ ከም’ዚ ንስኻ ዝመሰለካ ንመርዓ ዝተሓጸየ ማለት ኣይኮነን። ሕጂ ውን ሕጸ ዝብል ቃል
ናብ መርዓ ተርጕምካ ምውሳድካ ኵሉ ሓሳብካ ሥጋዊ ጥራይ ከም ዝኾነ እዩ ዘፍልጠካ። ሓደ ሰብ ንፕረሲደንትኣዊ ምርጫ ሕጹይ ኪበሃል
ይኽእል እዩ። ንውድድር ስፖርት ውን ብውልቂ ይኹን ብጋንታ ሕጹያት ክብሃሉ ይኽእሉ እዮም። ስለ’ዚ ዮሴፍ ድማ ንድንግል ማርያም
ንምሕላው ድኣ ተሓጸየ እምበር ንመርዓ ኣይነበረን። ጐይታ ኸ ከመይ ዝበለ ዓማጺ ድኣ እዩ ንዝተሓጸየ ሰብኣይ ሰበይቱ ኣግዲፉ ክወለደላ
እይ ክብሎ? ድንግል ማርያም ዝበለቶ ቃል ውን ኣስተውዕል “እዚ ሰብኣይ ከይፈለጥኩ ከመይ ኢሉ ይኸውን” እያ ዝበለት። ንዮሴፍ ተሓጽያ
ኔራ እንተ ትኸውን ግን እዚ ካብ ዮሴፍ ሕጹየይ ዝወልዶ ቆልዓ ወዲ ኪኾነለይ እዩ ድኣ ምበለት እምበር ኣይምሰምበደትን።(ሉቃ 1፡26-30)
ኣባ ሕርያቆስ ነዚ ኣመልኪቶም ክምህሩና ከለዉ ከም’ዚ ይብሉ “ኦ ድንግል አኮ ለዮሴፍ ዘተፍሕርኪ ለተቃርቦ አላ ከመ ይዕቀብኪ ንጹሐ “ኦ ድንግል ንዮሴፍ ዝተሐጸኺ ብንጽሕና ምእንቲ ክሕልወኪ ድኣ እምበር ንምርኻብ ኣይኮነን” (ማቴ 1፡18-20 ቅዳሴ ማርያም ገጽ 284) ካብዚ ብምቕጻል ኣተዓባብያን ናብ ዮሴፍ ብኸመይ ከም ዝተሓጸየትን ብሕጽር ዝበለ መገዲ ክንርእይ ኢና።
“እምሊባኖስ
ትወፅእ መርዓት” ዝተባህለ
ትንቢት ናይ ሰለሞን ንክፍጸም (መኃ 4፡8) ብብስራት መልኣኽ
ብፍቓድ እግዚአብሔር እመ ወልደ እግዚአብሔር ድንግል ማርያም ወላዲተ ቃል ካብ ኣቡኣ ኢያቄም ኣዲኣ ሓና ፯ ነሓሰ ብ5484 ዓመተ
ኩነኔ ምስተፈጸመ ተጸንሰት። ግንቦት ፩ ብ5485 ድማ ኣድባረ ሊባኖስ ዝተባህለ
ጫካታት ተወልደት።« ኦ ድንግል ኣኮ በፍትወተ ሥጋ ደነስ ዘተጸነስኪ ኣላ በሩካቤ ዘበሕግ እም ሓና ወኢያቄም ዘተወለድኪ» ክብል
ኣባ ሕርያቆስ ከምዝመስከረላ ካብ ሕጋውያን ሰብ ሓዳር ካብ ሓናን ኢያቄምን ተረኽበት። ከምቲ መልኣኽ ዝበሎም ድማ ማርያም ኢሎም ስም ኣውጽኡላ። (ትርጉም ቅዳሴ ማርያም ገጽ 275-279)
ሠለስተ
ዓመት ምስ መልኣ ጓል
መብጽዓ ስለ ዝኾነት፡ ናብ
ቤት እግዚአብሔር ወሰድዋ ካህናት
ብዛዕባ መግባ ክመኽሩ እንከለዉ
ፋኑኤል መልኣኽ ሰማያዊ ኅብስቲ
ሰማያዊ ጽዋእ ኂዙ ወረደ።
ዘካርያስ ክቕበሎ እንተ ቐረበ
ተመልሰ። ካብቶም ካህናት ውን
ክቕበልዎ እንተቐረቡ ንላዕሊ ተመልሰ፡
ብድኅሪ’ዚ ምናልባት
ነዛ ሕፃን ዝወረደ ጸጋ
ደኣ ከይ ከውን ኢሎም
ንበይና እንተ ኃደግዋ ፋኑኤል
መልኣኽ ካብ ምድሪ ሠለስተ
እመት ዝኸውን ሓፍ ኣቢሉ
ብኽንፉ ጋሪዱ መጊብዋ ዓረገ።
በዚ ከምዚ ኣብ
ቤተ መቕደስ 12 ዓመት
ተቐመጠት፡ ኣብ ኢድ ወለዳ
ሠለስተ ዓመት ድምር 15 ዓመት
ምስ መልኣ ኣይሁድ ቤት
መቕደስና ከይተርክሰልና ትውጸኣልና በሉ።
ዘካርያስ ሊቀ ካህናት ከመይ
ኢልኪ ክትነብሪ ትደልዪ በላ
ንሳ ድማ ናብ እግዚአብሔር
ኣመልክተለይ በለቶ እሞ ኣመልከተ።
ካብ ነገደ ይሁዳ ኣንስቶም
ዝሞታኦም ሰብኡት ኣባትሮም ኣኪቡ፡
ኣብ ቤት መቕደስ ኣኪቡ
ኣብ ቤት መቕደስ ኣእትዩ
ክጽሊ ተነግሮ፡ በዚ መሠረት 1985 በትሪ ኣኪቡ ኣብ
ልዕሊኡ ጸለየ’ሞ
ኣብ በትሪ ዮሴፍ “ዕቀባ
ለማርያም” ዝብል ተጻሒፉ
ተረኽበ። ርግቢ ከኣ ኣብ
ርእሱ ዓለበት፡ ዕፃ እንተኣውደቚ
ድማ ናብኡ በጽሐ” ብምባል
ዮሴፍ ሰበይቱ ዝሞተቶ ኣረጋዊ
ከም ዝነበረን ንኽሕልዋ ድማ
ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርጸን እምበር
ንከኽምርዓዋ ከም ዘይኮነ የረድኣና።
ትርጓሜ ወንጌል ሉቃስ 1፡27 ማቴ 1፡20
ስለ’ዚ ትርጉም ሕጸ ዮሴፍ ከመ’ዚ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ እቲ ዘይሰዓር ቃል ናይ እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ደጊም ከዘኻኽረካ እሞ በዚ ክንዓጹ። ነቢይ
ህዝቅኤል “ብወገን ምብራቕ ብዘደንቕ ዓቢይ መፍትሕ ዝተዓጽወት ኣፍ ደገ ረኣኹ እናበለ ብዛዕባኣ መስከረ ብዘይካ እቲ ናይ ሓያላን ጐይታ ናብኣ ዝኣተወን ናብ ውሽጣ ኣትዩ ዝወጸን የልቦን” (ሕዝ 44፡1-3) እግዚአብሔር ንሓዋሩ ኣይትከፈት ሰብ ውን ኣይእተዋ ካብ በለ’ስ ከመይ ኢልካ ድኣ ነዚ ቃል እዚ ኣፍሪስካ ካልኦት ወሊዳ ትብል? እቶም ኣቐዲሞም ከም’ዚ ናትካ ዝሓሰቡ ሰባት እኮ መጽሓፍ ቅዱስ ተዓንቀፉ እዩ ዝበሎም። እሞ ንሳቶም ኣሕዋት ኣልውዎ ስለ ዝበልዎ ቅዱስ ሉቃስ ተኣንቀፉ ካብ በሎም ንስኻ ውን ነዚ ቃል ናቶም ስለ ዝደገምካዮ ተዓንቂፍካ ኣልኻ እሞ ብድድ ኢልካ ተበራበር ኢለ እይ ዝመኽረካ። ምኽንአቱ እቲ ሕያው ቃል “እዚስ
እቲ
ጸራቢ
ወዲ
ማርያም
ሓው
ያዕቆብን
ዮሴፍን
ይሁዳን
ስምኦንን
ዶ
ኣይኮኑን? ኣሓቱስ ኣብዚ ምሳና ዶ ኣየለዋን እናበሉ ተገረሙ ብኡኡ ድማ “ተዓንቀፉ” ስለ ዝብል። (ማር 6፡3)
“ካብ ጎኒ ኣዳም ዓጽሚ ብምዉሳዱ ኣዳም ምንም ከም ዘይጎደሎ፡ ከምኡ ውን ካብ
ድንግል እትዛረብን ፍልጠት ዘለዋን ነፍሲ ዘላቶ ስጋ ብምውህሃዱ ማህተመ ድንግልናኣ ኣይተለወጠን። ኣዳም ናይ ጎኑ ዓጽሚ ካብኡ ድሕሪ
ምውሳዱ ኣካል ከይጎዶሎ ፍጹም ኮይኑ ነበረ። ድንግል ዉን ህጻን ክርስቶስ ካብኣ ድሕሪ ምዉላዱ ብዘይ ምልዋጥ ብድንግልናኣ ጸኒዓ
ነበረት” (ሃይማኖተ ኣበው ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ 66፡30)
ከመይ ጌሩ ኸ ብዕጽው ማዕጾ ናብ’ቲ ሐዋርያት ተኣኪቦምሉ ዚነበሩ ቤት ኣተወ?
ክርስቶስ ከመይ ጌሩ ብዕጽው መቓብር ተንሲኡ?
እዚ ዘርዳና እንተሃልዩ ንሱ ካብ ድንግል ማርያም ውን ብሕቱም ድንግልና
ከም ዚትወልደ እዩ።
ንሱ ክርስቶስ ጥራይ
በይኑ ሰብን ኣምላኽን ይበሃል
ንሳ ድንግል ማርያም
ጥራይ በይና ድማ ኣደን ድንግልን ትበሃል
ሓንቲ ሰከንድ ውን ትኹን ናይ ድንግልናኣ ማዕጾ ዘይተኸፈተ ንዘለዓለም ተዓጽያ እትነብር ኣፍ ደገ። ሕዝቅኤል ዝረኣያ ናይ ምብራቕ ኣፍ ደገ ብዘይካ እቲ ናይ ኃያላን ጐይታ ናብ ውሽጣ ዝኣተወ የለን፡ ኣትዩ ብምውጽኡ ውን ኣይተኸፈተትን (ሕዝ 44፡1-2 ኣር ዘረ ገጽ 202፡10 )
No comments:
Post a Comment