ደጌታት ሲኦል ኣይሕይልዋን ኢዮም ማቴ 16፡18
ካብ ናይ ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት ተርጕመ ከቕርቦ ዚፈተንኩ
ኢዩ ሰናይ ንባብ ናይ መጀመርያ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጸላእቲ ካብ ደገ ዚመጹ
ኢዮም። ምእመናን እናሓረዱ ንሐዋርያት እናሓረዱ ቤተ ክርስቲያን እናቃጸሉ መጻሕፍቲ እናቖራረጹ እናቃጸሉ፤ ኢዮም ዝመጹ ንቤተ ክርስቲያን
ግን ኣይከኣልዋን። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ግበበ ምድሪ ኣብ ጫካታት ኣትያ ስዒራቶም ኢያ። ቤተ ክርስቲያን ብምሟት ድኣ እምበር ብምቕታል
ኣይኮነትን ትስዕር።ንሕና ብምሟት እምበር ብምቕታል ኣይንኣምንን ኢና። ናይ ቅዱሳን ሞት ዚዓረፉሉ ዕለት ዚሰዓሩሉ (ዚተዓወትሉ)
ዕለት ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ጐይታኦም ካብ መድኃኒኦም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዮም ተማሂሮሞ። ጐይታና ንዓለምን ንሰይጣንን ንሞትን ብሞቱ
ኢዩ ስዒርዎም። ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ብሞቱ ንዲያብሎስ ስዒሩ ብሞቱ ንዓለምን ንትምኒታን ሰዓረ። ስለ’ዚ ናይ ቅዱሳን ሞት ሰዓሪ (ዕውት)
ሞት ኢዩ። ነዚ ድማ ኢዩ ቅዱስ ዳዊት “ናይ ጻድቕ ሞት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክቡር ኢዩ” ዚበለ።ንሕና ድማ ቅዱሳን ዚሞትሉ ዚተሰየፍሉ
ዚተሳቐይሉ ኣዕጽምቶም ከም ሓርጭ ተጣሒኑ ኣብ ጎቦታት ዚተበተነሉ ዕለት ከበሮ እናሃረምና ጸናጽል እና ጸንጸልና፡ እናዘመርና ዕልል
እናበልና ኢና ነኽብሮ። ኣረማውያን ነዚ ኪርእዩ ከለዉ፡ ከመይ ጌርኩም ኢኹም ሓደ ሰብ ብዝሞተሉ ዕለት ብዕልልታን መዝሙርን ተብዕልዎ
ይብሉና? ናይ ቅዱሳን ሞት ክቡር ስለ ዝኾነ ኢልና ድማ ንምልሰሎም። ንሳቶም ዓሪፎም ማለት እኳ ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ተሰጋጊሮም
ማለት እዩ። ንፈተና ስዒሮም ተዓዊቶም ማለት ኢዩ። ስለ’ዚ ድማ ኢና ቅዱሳን እናሞቱ ተዓወቱ ንብል። ሎሚ ዲዮቅልጥያኖስ መዘከርታ
የብሉን፡ ዱድያኖስ መዘከርታ የብሉን፡ ኔሮን ውን መዘከርታ የብሉን። ኔሮን ዚሰየፎም ቅዱስ ጳውሎስን ቅዱስ ጴጥሮስን ግና ኵሉ ጊዜ
5 ሓምለ ንዝክሮም። ዲዮቅልጥያኖስ መከራ ዘብዝሓሎም ከም በዓል መርቀሬዎስን ፋሲለደስን ቅዱስ ጊዮርጊስን ሎሚ ንዝክሮም ኣለናን።
ቤተ ክርስቲያን ናይ መጀመርያ ፈተንታ እምበኣር እዚኣቶም ኢዮም ኔሮም።
ዲያብሎስ በዚ ከም ዘይተዓወተ ምስ ፈለጠ ድማ ካልኣይ ዓይነት
ፈተና ኣምጽአ። መናፍቓን ካብ ማእከል ምትንሣእ። በዓል ኣርዮስ መቅደንዮስን ንስጥሮስን ዚበሃሉ መናፍቓን ተንሢኦም ኣብ ልዕሊ ቤተ
ክርስቲያን ናይ መናፍቕነት ዘርኢ ንምዝራእ ፈተኑ። እንተኾነ ሕጂ
ውን እግዚአብሔር ንቤተ ክርስቲያን ሓይልን ብርትዐን ሂቡ ከም በዓል ቅዱስ ኣትናቴዎስ ቅዱስ ቄርሎስን ቅዱስ ዲዮስቆሮስን ኣተንሢኡ
ንመናፍቓን ኣሕፈሮም። ሕጂ ውን ዲያብሎስ ኣይከኣለን ማለት ኢዩ። ቀጺሉ ዘምጽኦ ሣልሳይ ፈተና ድማ መናፍቓን ዘይኮነስ ንኸብዶምን
ንኽብሮምን ንዝናኦም ዚሓደሩ ሰባት ኣተንሥአ። ካብ ሃይማኖት ንላዕሊ ሥልጣን ክብሪ ወንበር ዘቐድሙ በዓል ልዮን ተንሢኦም ንቤተ
ክርስቲያን ኣብ ክልተ ከፈልዋ። እታ ሓቀኛ ቤተ ክርስቲያን ቀጸለት ካልኦት ግና ናታቶም መገዲ ሒዞም ከዱ። ብፍላይ ናይ ካቶሊክ እምነት
ወልድ ዋሕድ ዚብል ከውሒ ገዲፋ ኮብለለት። ዚተጸውዑ ብዙሓት ኢዮም ዚተመረጹ ግና ውሑዳት ኢዮም ከም ዚተባህለ፡ ሓሙሽተ ሃገራት
ጥራይ ማለት ኢትዮጵያ ግብጺ ኣርመን ሶርያ ህንዲ ጥራይ ኣብ’ታ ጽንዕቲ እምነት ኪተርፉ ከለዉ፡ እቶም ዚተረፉ ግን ካብ ቤተ ክርስቲያን
ኮብሊሎም ከዱ። ምኹብላል ሎሚ ኣይኮነን ተጀሚሩ ዲያብሎስ ብዙሓት ሒዙ ኮብሊሉ ኢዩ። እታ ካብታ ሐቀኛ እምነት ዚኾብለለት ናይ ልዮን
ቤተ ክርስቲያን (ካቶሊክ) ካብ ውሽጣ ማርቲን ሉተር ተንሢእዋ ደጊማ ፕሮቴስታንቲዝም ኣብቆለት። ብዙሕ ጊዜ ስለ ዘይብለይ ናብኡ
ኣይከይድን ኢየ። እዞም ሓሙሽተ ኣብያተ ክርስቲያናት ግን ወልድ ዋሕድ ኢሎም ኣሚኖም ጸኒዖም ከም ዝቖሙ ዚተዓዘበ ዲያብሎስ ካልእ
ፈተና ኣምጽኣሎም። እቲ ፈተና እንታይ ኢዩ ኔሩ? ካብ ምብራቕ ክርስትን
ዚቃወም ካልእ እምነት ተላዕለ። እስማዒላውያን (ኣስላም) ተላዒሎም ንናይ ግብጽን ሶርያን ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ፈተና ኣእተውወን።
ብጣዕሚ ካብ ዚገርመኩም ነገር ካቶሊካውያን ወልድ ዋሕድ ኢሎም ንዝኣምኑ
ኣቦታትና፡ የሳድዱን ይስይፉን ንገዳማቶም የቃጽሉን ስለ ዚነበሩ፡ እዞም ናይ ባዓል ግብጽን ሶርያን ክርስቲያናት በቲ ካብ ምብራቕ
ዚመጸ ናይ ምስልምና ሓድሽ ሃይማኖት ምስ ኣዕለቕለቑ፡ ኣሰይ እናበሉ ብሓጎስ ኢዮም ተቐቢሎሞ ኔሮም። እቲ ኣብ ተዋሕዶ ዚመጸ ናይ
መጀመርያ ከቢድ ፈተና እምበኣር ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ኢዩ ዚመጸ። እንተኾነ ግን ሕጂ ውን ቤተ ክርስቲያን ዋላ እኳ እንተቐጠነት ስለ
ዘይትስበር ጸኒዖም ቀጸሉ።
ካልኣይ ፈተና ዚመጸ ብ 11 ክፍለ ዘመን ሕጂ ውን እንደገና
ካብ ምዕራብ ዚተላዕሉ ካቶሊካውያን ኢየሩሳሌም ካብ ናይ መስቀል ተዋጋእቲ ነጻ ከነውጽኣ ኢና ኢሎም ከተቱ እሞ፡ ምስ’ቲ ናይ ኣዕራብ
መራሒ ዚነበረ ሳልሓዲን ተዋጊኦም፡ ሳልሓዲን ደጋጊሙ ልዕሊ ሽዱሽተ ጊዜ ምስ ሰዓሮም፡ ንናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ገዳማታን ቅርሳን
ብምዝራፍ ተበቀልዋ። ካብ ዚገርመኩም ነገር ነተን ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ገዳም ዚነበራ ዓሚጾም፡ ናይ ግሪኽ ቤተ ክርስቲያን ብፍላይ
ናይ ቊስጥንጥንያ ቤተ ክርስቲያን በዓል ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ደው ኢሎም ዚምሃሩላ ዚነበሩ ሃጊያ ሶፍያ ትበሃል ዓባይ ቤተ ክርስቲያን
ቅርሳ ንዋያተ ቅድሳታ ወርቃን ብሩራን ዘሚቶም ንመነኮሳታ ቀቲሎም፤ ንደቂ ኣንስትዮ መነኮሳይት ዓሚጾም ተመልሱ። እዞም ሰባት እዚኣቶም
ክርስቲያን ኢና ኢዮም ዚብሉ፡ ግን ብሓቂ ሃይማኖት ኣይነበሮምን። እዚ ታሪኽ እዚ እኮ ኣብ ኢትዮጵያ ውን ተደጊሙ ኢዩ። ኣብ ናይ
ሱስንየስ ዘመነ መንግሥቲ ካቶሊካውያን ክርስቲያን ኢና ኢሎም መጺኦም ነቦተታና ሓሪዶም ቤተ ክርስቲያንና ኣቃጺሎም ቅርስና ዘሚቶሞ
ኢዮም። እዚ ጥራይ ኣይኮነን ብ1928 ዓ/ም ጣልያን ንኢትዮጵያ ኪትወርር ከላ፡ ናይ ጣልያን ወተሃደራት ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምኽታቶም
ቫቲካን ከይዶም እቲ ናይ ሮም ፖፕ ድማ “ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ትገብርዎ ወራር ናይ ጽድቂ ወራር ኢዩ፡ ኣብኡ ሰብ እንተቐተልኩምን
እንተ ዘመትኩምን እግዚአብሔር ይቕረ ኪብለልኩም ኢዩ። ንትፍጽምዎ ኵሉ ጥፍኣት ኣነ ሓላፍነት ኪወስደልኩም ኢየ። ከም ዚደለኹሞ ግበሩ
ኣነ ካብ ኃጢአትኩም ፈቲሐኩም ኣለኹ” ብምባል ነቲ መዳፍዕ ባሪኾም ታንክታት ባሪኾም ጠያይት ባሪኾም ኢዮም ናብ ኢትዮጵያ ኣኽቲቶሞም።
እሞ ኸ ድኣ እዚ ክርስትና ድዩ? እዚ ሃይማኖት ድዩ? መዳፍዕን ታንክታትን ዝባርኽ ከመይ ዓይነት ሃይማኖት ኢዩ። እዛ ቤተ ክርስቲያንና
ዘይከኣለቶ መከራ የለን። ዘይተቐበለቶ ስቓይ የለን። ነዚ ጌሮም ናይ ምብራቕ ኣብያተ ክርስቲያናት ደምሲሶመን ተመልሱ። ኵላትኩም
ከም ትፈልጥዎ ናይ ምብራቕ ክርስቲያናት በዚ ምኽንያት ስለ ዝተዳኸሙ ብ14 ክፍለ ዘመን ኦቶማን ቱርክ ዚተባህለ ወራሪ ንቊስጥንጥንያ
ወሪሩ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዚምህረላ ዚነበረ ሃጊያ ሶፍያ ትበሃል ቤተ ክርስቲያን፡ ቅርሳን ሥእላን ከም ዚነበሮ ገዲፎም ነቲ
መንበር ኣውጺኦም ናብ መስጊድ ቀየርዋ። ሃጊያ ሶፍያ ማለት ዓባይ
ልክዕ ንሕና ጽርሐ ጽዮን ከም ንብላ ማለት ኢዩ። ዓባይ ቤተ ክርስቲያን ዚነበረት ኢያ። ሎሚ ውን ናይ ቱርኪ ዋና ከተማ ኢስታንቡል
ብቴለቪዠን ኪትርእይዋ ከለኹም፡ ልክዕ ነዛ ሃጸይ ሃይለ ሥላሴ ዘሥርሕዋ ዓባይ ናይ ኣክሱም ቤተ መቕደስ ኢያ ትመስል። ሃጊያ ሶፍያ
ሕጂ ውን ትርአ ኢያ። ቱርካውያን ናይ ኤውረጳዊ ሕብረት ኣባላት ኪኾኑ ስለ ዝደለዩ፡ ነቲ መስጊድ ጌሮሞ ዚነበሩ ገዲፎም ሙዝየም
ጌሮማ ኣለዉ። እዚ ኵሉ ዚመጸ ድማ በቶም ቤተ ክርስቲያን ወልድ ዋሕድ ኢላ ብምእማና ዘይሕጎሱ ምዕራባውያን ዚመጸ ኢዩ። እዚ ከም
ዘለዎ ኮይኑ ሕጂ ውን እዘን 5 ኣብይተ ክርስቲያናት ንኵሉ መከራን ስቓይን እናተጻወራ ቀጸላ። ዲያብሎስ ከም ዘይተዓወተ ምስ ረኣየ
ካልእ መገዲ ሒዙ ድማ መጸ። ሎሚ ንዘራረበሉ ዓቢይ ጉዳይና ድማ ንሱ ኢዩ።
እቲ መገዲ እንታይ ኢዩ? “እዘን 5 ኣብያተ ክርስቲያናት
ኣሪገን ኣለዋ’ሞ ክሕደሳ ኣለወን ወንጌል ኣይተሰበኸለንን። ዚቕድስዎ ቅዳሴ ዚቖምዎ ሰዓታት ዚዝምርዎ መዝሙር ወንጌል ኣይኮነን ስለ’ዚ
ኪሕደሳ ኣለወን” ዝብል ሓድሽ ፕሮግራም ጀመረ። እዚ ፕሮግራም እዚ መጀመርያ ኣብ ሶርያ ኢዩ ተጀሚሩ።
ናይ ሶርያ ቤተ ክርስቶያን
ናይ ሶርያ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምስልምና እምነት ተጽዕኖ
ኣትያ፡ ገዳማታ ስኢና ቤተ ክርስቲያናታ ፈሪሶም ካህናታ ተሰዲዶም… ካብ ዚገርመኩም ኣብ ሶርያ ካብ ዘለዉ ካህናት ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ
ካህናት ይበዝሑ። ኣብ ሶርያ ካብ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሜሪካ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ይበዝሓ፡ ኣብ ሶርያ ካብ ዘለዉ
ገዳማት ኣብ ኣሜሪካ ዘለዉ ገዳማት ይበዝሑ። መከራ ስለ ዘሳቐዮም። ብስደት ናብ ኣሜሪካ ከዱ። በዚ ምኽንያት ምእመናና ናብ
1.5 ሚልዮን ወረዱ። ነዞም ተሪፎም ዘለዉ ሃይማኖቶም ንምኽሓድ ድማ ተሃድሶ ቤተ ክርስቲያን ኪትሕደስ ኣለዋ ኢሎም ኣተዉ። ነዞም
ኣብ መከራን ኣብ ድኽነትን ዝነበሩ ምእመናን…ብሓደ ወገን ካብ ኣስላም ዝወርዶም መከራ ብካልእ ወገን ድማ ሶርያ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት
ናይ ፈረንሳይ ስለ ዚነበረት በዚ መከራ ትቕበል ነበረት። ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሞም ተሃድሶ ናብ ሶርያ ኣተዉ። ንካህናት ሥልጠና
ኪንህብ ኢና፡ መነኮሳት ውን መጽሓፍ ቅዱስ ኪሥልጥኑ ኣለዎም ኪብሉ ጀመሩ። ውሑዳት ሰባት ሓቂ ስለ ዝመሰሎም ናብ’ቲ ናይ መሠልጠኒ
ቦታ ከዱ። ብድሕሪ ነቶም ኣብኡ ዚሠልጠኑ ውሑዳት መንእሰያትን ውሑዳት መነኮሳትን ከም’ዚ ኪብልዎም ጀመሩ “ንስኻትኩም እኮ ጌና
ወንጌል ኣይተረድኣኩምን ኣሎ፡ ጐይታ ጌና ኣይተሰበኸልኩምን እዚ ትኣምንዎ እምነት ክርስትና ኣይኮነን፡ እዚ እኮ ገና ዘይጸናዕኩም
ምዃንኩም ኢዩ ዘርኢ”። እቶም ተማሃሮ ድማ እዚ ሓቂ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዖም “እሞ ቤተ ክርስቲያን ኪትሕደስ ኣለዋ” ኪብሉ ጀመሩ።
እታ ኣብ ፈተና ዚነበረት ቤተ ክርስቲያን ድማ ተረበሸት፡ ዲያብሎስ
ድማ ተዓዊተ ኢሉ ደስ በሎ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ድማ ኢዮም ናይ ሶርያ ምእመናን ናይ ሶርያ መነኮሳት ናይ ሶርያ ጳጳሳት ዚተወሰኑ ኣዴታትን
ኣቦታትን ተኣኪቦም ንቤተ ክርስቲያንና ደው ኪንብል ኣለና። ኣቦታትና በዓል ቅዱስ ኤፍሬም፡ በዓል ቅዱስ ባስልዮስ በዓል ቅዱስ ጎርጎርዮስ
በዓል ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ (ኩሎም ናይ ሶርያ ቅዱሳን ኢዮም” በዚ ሒዝናዮ ዘለና መገዲ ከይዶም ዘይጸደቑ እንተኾይኖም ንሕና
ውን ኣይንጽደቕ ይትረፈና። ንሳቶም ነዚ ሕጂ ንሕና ንኣምኖ ዘለና እምነት ኢዮም ዚኣምኑ ኔሮም፡ እዚ እምነት እዚ ካብኣቶም ኢና
ተቐቢልናዮ። ነዚ ንቕድሶ ዘለና ቅዳሴ ኢዮም ዝቕድሱ ኔሮም፡ ንቕድሶ ዘለና ቅዳሴ ናይ ቅዱስ ባስልዮስ ኢዩ። ንደግሞ ዘለና ውዳሴ
ማርያም ውን ናይ ኣባ ኤፍሬም ኢዩ፡ ንዝምሮ መዝሙር ናይ ኣባ ኤፍሬም ኢዩ። እዞም ኣቦታትና ነዚ ኵሉ ቀዲሶም፡ ነዚ ኩሉ ጸልዮም
ነዚ ኵሉ ዘሚሮም ዘይጸደቑ እንተኾይኖም ንሕና ውን ኣይንጽደቕ፡ይትረፈና” በሉ። ብድሕሪ እዚ ንተሃድሶ ተተሓሓዝዎም። “ቤተ ክርስቲያንና
ገንዘብና ኣውጺእና ጉልበትና ከፊልና ዚፈረሱ የዐሪና ንዝጠፍኡ ደሊና ከም ብሓድሽ ኪንመልስ ኣለና” ድማ ተበሃሃሉ። ቤት ትምህርቲ
ሰንበት ኣቖሙ፡ ገዳማት ኣብ ዘዘለውዎ እናደለዩ ምስ መንግሥቲ እናተቓለሱ ኣሐደስዎ። ርግጽ ኢዩ ውሑዳት ምስ ተሃድሶ ከዱ ብዙሓት
ግን ጸንዑ። እግዚአብሔር ምስ ናይ ሶርያ ቤተ ክርስቲያን ስለ ዚነበረ ናይ ሶርያ ቤተ ክርስቲያን ከይተሳዕረት ከይወደቐት ሥርዓታ
ከይቀየረት ትውፊታ ከይቐየረት ልዕሊ 50 ዓመት ተጋዲሎም ኣጽንዕዋ። እግዚአብሔር ዚተመስገነ ይኹን። ኣብ ሶርያ ከም ዘይሰለጦም
ዚተረድኡ ተሃድሶ ናብ ህንዲ ኣቕንዑ…ይቕጽል
ቃለህይወት የስመዓልና።ኣብቲ ቅኑዕን ሓቀኛን መስመር እምነት ናይ ኣቦታትና ክንጸንዕ ይግበኣና ኢዩ።ቀዳሞት ኣበው ዝተሰየፉላ፡ዝተቆርጹላ፡ቆርበቶም ከም ከብቲ ዝተቀጠጡላ፡ዝተገፍዑላ፡ዝተሰደዱላ ከይተሓለሉ ኣብዚ ዘብጽሑልና፡ ናይ ነፍስ ወከፍ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ጻዕሪ ኣብ ዘድልየሉ ኣሰካፊ እዋን በጺሓ።እግዚኣብሄር ከኣ ከም ቃሉ ኣዝዮም በላሕቲ ከም ኣቦታትና ዝስየፉላ ከም ዘምጻላ ጥርጥር የብለይን።ንኩላትና ደቃ ብሕብረት ክንቃለስ መንፈስ ቅዱሱ ይላኸልና።
ReplyDeleteኣብ መወዳእታ ዘይተረደኣትኒ ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያን ንሳተን ጥራይ ድየን? (እተን ዝተጠቅሳ 5 ?) ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ከ ምስአን ሕብረት የብላን ድያ? ቅር ኢላትኒ ይቅሬታ።
Ewe btaimi des zebl. Kale hiwet yesmeana. Amlak dma emnet naytom haqena qdusan abotatna nknktel bhaylu ydegfena. kemu wn adena qdste qdusan btselotan bamaladnetan tdegfena.
ReplyDelete