bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Wednesday, 6 July 2016

መልሲ ንልቡሳነ ስጋ ኣጋንንት መበል 23 ክፋል

2ይ ብዛዕባ ነፍሲ ዝተዋህበ ጌጋ  ትምህርቲ

ነቲ ብሓመድ ዚተዳለዉ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ እግዚአብሔር ድማ  ካብ መንፈሱ መንፈስ ካብ ነፍሱ ከኣ ነፍሲ መቒሉ ህያው ከም ዚኸውን ገበሮ። ስለ’ዚ ሰብ ብምኽንያት እቲ ካብ ኣምላኽ ዚተቐበሎ መንፈስን ነፍስን ንኣምላኽ ኪመስል ከኣለ። መንፈስን ነፍስን ሰብ ንኣምላኽ ስለ ዚመስል  እቲ መንፈስ ናይ ሰብ ፍጡር ኣይኮነን፡ ካብ መጀመርያኡ ኣብ ኣምላኽ እዩ ኔሩ፡ ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ብኣምላኽ ዚተዳለዉ ናይ ብኢድ ዝተሰርሐ ጭቃ ኣካላት ወዲ ሰብ ኣተወ። ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ እዩ ምስሊ ኣካል ሰብ ውን ኣለዎ፡ እግዚአብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ግና ነናቶም ኣካል ምስሊ ሰብ ዚመስል ምድራዊ ኣካል ኣይለበሱን። ስለ’ዚ ንሰብ ከም ዚመስሉ ጌርካ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ መልክዕ ሂብካ ኪትሥእሎም ምፍታን ገበን እዩ። ብሕጊ ውን ዘሕትት እዩ” 


ሀ። ነቲ ብሓመድ ዚተዳለዉ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ እግዚአብሔር ድማ  ካብ መንፈሱ መንፈስ ካብ ነፍሱ ከኣ ነፍሲ መቒሉ ህያው ከም ዚኸውን ገበሮ። እዚ ትምህርቲ እዚ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣፈጣጥራ ወዲ ሰብ ከም'ዚ ኣይኮነን። እግዚአብሔር "ንሰብ ካብ መንፈሱ መንፈስ ካብ ነፍሱ ከኣ ነፍሲ መቒሉ ህያው ከም ዚኸውን ገበሮ" ዝብል ትምህርቲ ኣብ’የናይ መጽሓፍ ከም ዝረኸብካዮ ኣይፈልጥን እየ። "እግዚአብሔር ንሰብ ካብ ነፍሱ ነፍሲ ሂብዎ" ዝብል ትምህርቲ ድማ ንፈጣሪ ናብ ፍጡር ዝልውጥ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ንፍጡር እምበር ንመለኮት ነፍሲ የብሉን። እግዚአብሔር መንፈስን ነፍስን ኣለዎ ድማ ኣይበሃልን እዩ። ስለ’ዚ ትምህርትኻ ፈጺሙ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝረሓቐን ንፈጣሪ ናብ ፍጡር ንፍጡር ድማ ናብ ፈጣሪ ዝቕይር ፍጹም ክሕደትን ምዃኑ ዘቃልዓካ ከቢድ ስሕተት እዩ።

ለ። መንፈስን ነፍስን ሰብ ንኣምላኽ ስለ ዚመስል  እቲ መንፈስ ናይ ሰብ ፍጡር ኣይኮነን፡ ካብ መጀመርያኡ ኣብ ኣምላኽ እዩ ኔሩ" እዚ ድማ ናብ ናይ ግኖስቲካውያን እምነት ገጹ ዝኸደ ዓቢ ክሕደት እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ፍጥርቲ ድኣ እምበር ከም'ዚ ንስኻን ካልኦት መናፍቓንን ዝመስለኩም ነፍሲ ክፋል ናይቲ መለኮታዊ ኣካል ኣይኮነትን። ቅድሚ ስጋ ዝነበረት ውን ኣይኮነትን።

ኣቡነ ጎርጎርዮስ “ናይ ሰብ ነፍሲ ከም ናይ ሓዊ ክፋል ካብ ናይ መለኮት ባህርይ እናተኸፈለት እያ ትመጽእ” ዝብል ኣዘራርባ ግኖስቲካዊ መናፍቕነት ከም ዝኾነ ይሕብሩና።(ኣባ ጎርጎርዮስ ገጽ 57)


ኣባ መልከጼዴቅ ውን “እግዚእበሔር ጥበበኛ ፈጣሪ ከም ምዃኑ መጠን ንነፍሲ ፈጢሩ ኣብ ስጋ ሰብ ኣሕደራ እምበር ምስ ኣምላኽነቱ ዋላ ሓንቲ ርክብ (ናይ እግዚእበሔር ኣካልነት) ዘይብላ ፍጥረት እያ” ብምባል ነፍሲ ናይ መለኮት ኣካል ጌርና ከይንወስዳ የጠንቅቑና። (ኣባ መልከ ጼዴቅ ገጽ 140)

 እዚ ማለት ግን ከም ናይ መናፍቓን ኣተሓሳስባ  ቅድም ስጋ ፈጢሩ ድሓር ነፍሲ ኣምጺኡ ኣሕዲሩሉ ማለት ኣይኮነን። ናብ'ቲ ቀጺሉ ዘሎ ዝምቡዕ ትምህርትኻ ንኺድ

ሐ። ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ብኣምላኽ ዚተዳለዉ ናይ ብኢድ ዝተሰርሐ ጭቃ ኣካላት ወዲ ሰብ ኣተወ።  እዚ ቃል እዚ ድማ ስጋን ነፍስን ምቅድዳም ዘለወን ጌሩ ዝምህር ጌታ ትምህርቲ እዩ። ምኽንያቱ እግዚእበሔር ሰብ ክፈጥር ከሎ ስጋን ነፍስን ብሓደ ቅጽበት ብምውህሃድ እዩ ፈጢርዎ እምበር ቅድም ብጭቃ ሰሪሑ ድሓር ነፍሲ የእትይሉ ኣይበሃልን። ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ብዝምልከት ብዙሕ ኢመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርታት እዩ ዘሎ። ገለ ካብብኡ ንምጥቃስ

1ይ ነፍሲ ናይ እግዚአብሔር ኣካል እያ እምበር ፍጥርቲ ኣይኮነትን። እዚ ትምህርቲ እዚ ኣብ ላዕሊ መሊሰዮ ዘለኹ ናትካን ናይ መሰልትኻን ክሕደት እዩ።

2ይ። (pre-existentialism) ማለት “ነፍሲ ስጋ ከይተፈጥረ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት” 

ኣባ መልከጼዴቅ፥”ነፍሲ ኣቐዲማ ኣብ መዝገበ ነፍሳት ነበረት” ዝብል ኣመለኻኽታ ኩሉ ፍጡር ኣብ ትሕቲ ጽላሎት ዘመን ጊዜ ተሰፊሩ ተቖጺርሉን ስለ ዝተፈጥረ፡ “ኣቐዲሙ ተፈጥረ” ዝበሃል ፍጥረት የለን ብምባል ይኹንንዎ።

3ይ። (Creationism) ማለት ድማ “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ስጋኡ ኪፍጠር ከሎ ሓዳስ ነፍሲ ትፍጠረሉ” ዝብል ጌጋ ትምህርቲ እዩ። ካቶሊካወያን “every spiritual soul is created immediately by God- it is not “prodused” by the parents (http;//www.vatican.va/archive/ENG0015/_P1B.HTM#-CR) ብምባል ነፍሲ ወከፍ ጥንሲ ሸዑ ሽዑ ሓድሽ ነፍሲ ከም ዝፍጠረላ ይምህሩ። እዚ Creationism ዝብል ግን ጌጋ ኣመሃህራ እዩ።

ኣባ መልከጼዴቅ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝጽነሰሉ (ዝውለደሉ) ጊዜ ሓድሽ ነፍሲ ይፍጠረሉ” ዝብል ኣመለኻኽታ ድማ “እግዚአብሔር ኩሉ ጊዜ ዝፈጥርን ፍጥረት ኣብ 6 መዓልቲ ተጠቓሊሉ ከም ዘይተወድአን ዘምስል እዩ” ብምባል ይነቕፍዎ።፥ “ወፈጸመ እግዚአብሔር ግብሮ ዘገብረ” ትብል ኣብ ዘፍጥረት 2፡2 ዘላ ጥቕሲ ድማ ይጠቕሱ። እዚ ሰለስተ ኣመለኻኽታ እዚ ጌጋ ኣመለኻኽታ እዩ። (ኣባ መልከ ጼዴቅ ገጽ 135)

ብዛዕባ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ


1ይ።  ብመጀመርያ እግዚእበሔር እምሃበ ኣልቦ ኣምጺኡ ዝፈጠራ ፍጥርቲ እምበር ኣካል ናይ ፈጣሪ ኣይኮነትን።

2ይ።  ንኣዳም ድማ ብንፍሓት ኣሕዲርሉ፡ እዚ ማለት ግን ስጋ ኣዳምን ነፍሱን ኣይቀዳደሙን እዮም። ብሓንቲ ቅጽበት እዮም ተፈጢሮም ዝብል እዩ።

ናይ መጻሕቲና ትርጓሜ ምስ ንመልከት። ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ምዕራፍ 2:7 “ወነፍሐ በገጹ መንፈሰ ሕይወት፡ ወኮነ ዕጓለ እመ ሕያው በመንፈሰ ሕይወት” ኣብ ኣፍንጭኡ ድማ ትንፋስ ሕይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ሕያው ነፍሲ ኮነ” ብዝብል ኣዳም ሕይወት (ነፍሲ) ዝረኸበሉ መገዲ ብሊቃውንት ግልጺ ኮይኑ ተተርጉሙ እዩ። ነዚ ቃል እዚ ኣንድምታ ኣስፍሕ ኣቢሉ ብሓተታ ከብርሆ ከሎ “ነፍሐ ገጹ (ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ብንፍሓት/ብኡፍታ ኣሕደረሉ) ማለት ከም’ዚ ሓደ ሰብ ቅድም ቆፎ ሰሪሑ ድሓር እኽሊ ዘቐምጥሉ፡ መጀመርያ ስጋ ፈጢሩ ድሓር ነፍሲ ኣምጺኡ ኣሕደረሉ ማለት ኣይኮነን። ስጋ ካብ 4 ባሕርያት ነፍሲ ድማ እምሃበ ኣልቦ (ካብ ዘይምምባር/ out of nothing) ኣምጺኡ ኪፈጥር ከዋህድ ከሎ ብሓደ ጊዜ እዩ። ናይ ነፍስን ስጋን ተዋህዶ በተዐቅቦ (ነናይ ባዕሎም ተፈጥሮኣዊ ባሕርይ ከይገደፉ፡ እቲ ሓደ በቲ ሓደ ከይተዋሕጠ ብምውህሃድ) ስለ ዝኾነ፡ ነፍሐ በገጹ (ነፍሲ ብንፍሓት ኣሕደረሉ) በለ እምበር” ይብል። (የመጻሕተ ብሉያት ክልኤቱ ኣንድምታ ገጽ 22)።

እዚ ትርጓሜ ብግሉጽ ከም ዘቐመጦ ስጋ ካብ 4 ባሕርያት ነፍሲ ድማ ካብ 3 ባሕርያት መጺኣ ዝተዋሃሃድሉ ቅጽበት ብሓደ ጊዜ እዩ። ብኣዘራርባ ናይ ስጋን ነፍስን ተፈጥሮ ምቅድዳም ዘለዎ ምምሳሉ፡ ምንጮም (ዝመጽሉ መገዲ) ንምዝራብ ኣብ ዝተገብረ ዝተኸሰተ ድኣ እምበር ናይ ኣዳም ስጋን ነፍስን ተፈጥሮን ውህደትን ብሓደ ጊዜ እዩ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 22)

ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ብዛዕባ ናይ ኣዳም ስጋን ነፍስን ኣፈጣጥራ ኪዛረብ ከሎ “ኣዳም ኣብ ኣካለ ስጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም ኣለዎ ድዩ? እንተበልና የብሉን። ብኣካለ ስጋኡን ኣካለ ነፍሱን ምቅድዳም እንተዝህልዎ፡ ንግበር ስጋ (ስጋ ንፍጠር) ወንግበር ነፍስ (ነፍሲ ውን ንፍጠር) ምበሉ ኔሮም” ብምባል ናይ ነፍስን ስጋን ኣፈጣጥራ ብሓንሳብ ኣብ ተመሳሳሊ ቅጽበት ዝተፈጸመ ከም ዝኾነ ይነግረና።(ኣክሲማሮስ ገጽ 150)

ሔዋን ውን ከምኡ ካብ ናይ ኣዳም ስጋን ዓጽምን ነፍስን ተኻፊላ ከም ዝተፈጥረት ይገልጽ።(ዝኒ ከማሁ ገጽ 181)


3ይ። ብድሕሪ ኣዳምን ሔዋንን ዝውለዱ ደቂ ሰባት ድማ ካብ ኣቦ ብዝኸፈል ዘርእን ካብ ኣደ ድማ ደም ምስ ተወሃሃደ ነፍሲ ትፍጠር ዝብል እምበር “ነፍሲ ካብ መዝገበ ነፍሳት መጺኣ ኣብ ሓድሸ ጥንሲ ትሓድር” ዝብል ጌጋ ትምህርቲ እዩ። ስለ'ዝ እቲ ቅኑዕ ናይ ቤተ ክርስቲያንና ትምህርቲ (Tradusianism) ማለት “ነፍሲ ምስ ስጋ ካብ ኣቦን ኣደን ተኸፊላ ናብ ውሉድ ትሓልፍ” ዝብል እዩ።


ኣባ መልከጼዴቅ “ብዛዕባ ናይ ሔዋን ተፈጥሮ ኪንገር ከሎ ውን ካብ ጎኒ ኣዳም ተፋጢራ ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ንዓኣ ተባሂላ ሓዳስ ነፍሲ ከም ዝተፈጥረት ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት መጺኣ ኣብቲ ካብ ኣዳም ዝተወሰደ ስጋ ናይ ዋን ምሕዳራ ኣብ ዘፍ 2፡22 ዘይተጻሕፈልና ምኽንያት ድማ “ነፍሲ ውን ከም ስጋ ካብ ዝተረኽበትሉ ኣካል እናተኸፍለት ስለ ትኸይድ፡ ናይ ሔዋን ነፍሲ ድማ ምስቲ ካብ ኣዳም ዝተኸፍለ ስጋ ሓቢራ ከም ዝተኸፍልት ርዱእ ስለ ዝኾነ እዩ” ይብሉና።

 ብዘይካ ኣዳም እግዚአብሔር ኡፍ ኢሉ ነፍሲ ኣብ ስጋኡ ዘወሃሃደሉ ካልእ ሰብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዘየለ፡ ኩለን ነፍሳት ካብ ኣዳም እየን ተኸፊለን እንተበልና ሓቅና ኣለና። ነፍሲ ካብ ስጋ ከይፈለየን ከየቀዳደመን “ብዝሑ ተባዝሑ” እዩ ዝበለ።

ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ ድማ ኦሪት ዘፍጥረት ኣብ ዝተርጎመሉ ክፍሊ “ሙሴ ሰበኣይን ሰበይትን ጌሩ ፈጠሮም ዚብለና ኣብቲ ጊዜ ሰበይቲ ኣብ ባህሪ ኣዳም ስለ ዚነበረት እዩ። ምንም እኳ ኣዳም ሰበይቲ ኣብ ውሽጡ ምህላዋ እንተዘይ ፈለጠ ንሳ ግን ብኣካለ ሥጋ ጥራይ ዘይኮነት ብነፍስን ብመንፈስን ምስኡ ነበረት። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ድሒሩ ነታ ዓጽሚ ኪወስዳ እንከሎ ቅርጽን መልክዕን ድኣ ኣትሓዛ እምበር ማንም ኣይወሰኸላን” ብምባል ሔዋን ነፍሲ ካብ ኣዳም ከም ዝተቐበለት እምበር፡ እግዚአብሔር ካብ መዝገበ ነፍሳት ነፍሲ ኣምጺኡ ሂብዋ ዝብል ትምህርቲ ኣይነግረናን እዩ። (ትርጓሜ ዘፍጥረት ገጽ 94)

ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ ኣብ ናይ ጌና ስብከት ምንባብ ቁጽሪ 24 “ንኩሉ ሓድሽ ጥንሲ  ሓዳስ ነፍሲ ትፍጥረሉ” ዝብል ናይ ካቶሊካውያን ኣበሃህላ ኪነቅፍ ከሎ “ብድጋሜ ኣብ ናይ ኣዳም ኣካል ከም ዝኾነ ኣብ ውሽጢ ናይ ህጻናት ኣካል ካብ እስትንፋስ እግዚአብሔር ኡፍታ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ከም ዝግበር ዝዛረቡ ኣለዉ። ንሕና ግን ናይ ስጋን ነፍስን ምውጻእ ካብ ሕቖ ሰብኣይ ዘርኢ ወጺኡ ኣብ ናይ ሰበይቲ ማህጸን ይጥነስ፡ ካብኣ ድማ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ብዝኾነ  ናይ ወድን ናይ ጓልን ፍቓድ ናይ ጠባይ ምትሕውዋስ ይኸውን። ውዲ ይኹን ወይስ ጓል ድማ ይሰኣል/ናይ ሕዋሳት/ናይ ኣካላት ሰብነት የውጽእ ንብል ዘፍ 2፡7” ብምባል ጽሒፍልና ኣሎ።

ኣባ ጊዮርጊስ ናይ ፋሲካ ናይ ረቡዕ ምንባብ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኪበሃላ ይከኣል፡ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ ንምትራኽ እዩ ኣውዒልዎ። እቲ ምንባብ “ንሕጻን ካብ እቦኡን ካብ ኣዲኡን ባሕርይ ዝወሃቦ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ዝኽሕዱ፡ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ኣብ 40 መዓልቲ እግዚአብሔር ኣብ ገጽ እቲ ሕጻን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ይብለሉ፡ ብኢድ እግዚአብሔር ድማ ይፍጠር ንዝብሉ ሰባት ተግሳጽ ኪንዛረብ>>>>>>> ብምባል ይጅምር (መጽሓፈ ምስጢር ገጽ 237)

ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ነፍሲ መግለጺኡ ኪቕጽል ከሎ ድማ “ናይ ወዲ ባሕርይ (ዘርኢ) ካብኣ (ካብ ናይ ሰበይቲ) ናይ መዋለዲ ዘርኢ ተሓዋዊሱ፡ ኣብ ማህጸን ናይታ ሰበይቲ ብዝጥነስ ናይ ዘርኢ ንጣብ  ይፈስስ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ድማ ህጻን ይኸውን። ከም ናይ ሔዋን ብምስራሕ ኣይኮነን። ከም ኣዳም ብናይ ሕይወት እስትንፋስ ኡፍ ብምባል ውን ኣይኮነን” ይብል። (ዝኒ ከማሁ ገጽ 239)

ኣባ ጊዮርጊስ ብዛዕባ ኣፈጣጥራ ሰብ 3 መንገድታት ከም ዘለዉ እዩ ዝነግረና።

1.  ኣዳም ብንፍሓት
2.  ሔዋን ብዘይ ኣደ ብምስራሕ ኪትከውን ከላ ነፍሳን ዓጽማን ካብ ኣዳም ተኸፊሉ ተዋሂብዋ።
3.  ናይ ቃኤል ስጋን ነፍስን ድማ ብተኸፍሎ እዩ። ከም ናይ ኣዳም ምፍጣር ከም ናይ ሔዋን ድማ ምስራሕ የብሉን። ብናይ ኣባ ጊዮርጊስ ቃል “ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ኣብ ኣዴና ሔዋን እዩ ተቛሪጹ። ምኽንያቱ ናይ ኣዳም ሓንቲ ጊዜ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ምቕባል ንኹሉ ስለ ዝአኸለ። ሔዋን ንኽትውለድ ኣደ ስለ ዘይብላ ግን ብኢዱ ተሰርሐት። ኣብ ቃኤል ግን ብኢድ ምስራሕን፡ ናይ ሕይወት እስትንፋስ ካብ እግዚአብሔር ምቕባልን ኣቋሪጹ እዩ። ምኽንያቱ ናይ ኣቡኡን ኣዲኡን ናይ ሕይወት እስትንፋስ ስለ ዝኣኸሎ” ይብለና ኢትዮጰያዊ ናይ ነገረ መለኮት ሊቅ ። ኣባ ጊዮርጊስ ነዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ዘይተቐበሉ ሰባት ይዝልፎም እዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ልዕሊ ስላሴ ክፉእ ነገር ስለ ዘይተዛረቡ ኣይረግሞምን። ይብል። (ዝኒ ከማሁ ገጽ 244)

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ትውፊት ናይ ትርጓሜ መጻሕፍን ኣዋልድ መጻሕትን ምስ ነንብብ ድማ፡ ጎይታና ካብ እመቤትና ሰብ ከም ዝኾነ ዝግለጸሉ ቃል “ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሰደ” ዝብል እዩ። ንመረጋገጺ ካብ ሃይማኖተ ኣበው ቁሩብ ንባባት ኪንጥቅስ ኢና።

ቅዱስ ኣትናቴዎስ “ካብ እመቤትና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም>>>> ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ይብል።(ሃይማኖተ ኣበው ዘአትናቴዎስ ገጽ 76፡79-85)

ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ ብተመሳሳሊ ብዛዕባ ናይ ጎይታና ሰብ ምዃን ክነግር ከሎ “ካብኣ ስጋን ነፍስን ወሲዱ ሰብ ከም ዝኾነ ንኣምን” ብምባል ኣብ ውሽጢ ማህጸን ኣካል ናይቲ ጥንሲ ብኣጻብዕቲ መንፈስ ቅዱስ ክቕረጽ (ክስራሕ) ከሎ ብተመሳሳሊ  ቅጽበት ነፍሲ ውን ሓቢራ ከም ዝተቐረጸት(ከም ዝተሰርሐት) የረድእ።(ሃይማኖተ ኣበው ገጽ 421)

ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ውን “>>>ካብ ድንግል ትዛረብን ፍልጠት ዘለዋን (ትሓስብ) ነፍሲ ዘላቶ ስጋ ወሰደ” ይብል።(መጽሓፈ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ገጽ 240)

ኣብ ትርጉም ናይ ውዳሴ ማርያም “ተሰብአ ተሰገወ ኮነ ሰብአ፡ ኣማኑኤል ሃደረ ላዕሌነ” ዝብሉ ቃላት ኣብ ዝትርጉምሉ ኣጋጣሚታት፡ ጎይታና ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ስጋ ጥራይ ዘይኮነ ነፍሲ ውን ከም ዝወሰደ ተተርጉሙ ኣሎ።(ውዳሴ ማርያም ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 19፡ 70፡72፡76፡100፡105)

ኣብ ትርጓሜ ወንጌል ውን ተመሳሳሊ እዩ። ንኣብነት ትርጓሜ ውንጌል ዮሐንስ 1፡14 “ወውእቱ ቃል ስጋ ኮነ ወሃደረ ላዕሌነ” ናይ ዝብል  ንባብ ኣንድምታ ኪንርኢ ንኽእል ኢና።(ወንጌል ቅዱስ ንባቡና ትርጓሜው ገጽ 452)

ከምኡ ውን ኣብ ኣንድምታ ግብረ ሐዋርያት ምዕራፍ 17፡25 “ወውእቱ ይሁብ ለኩሉ ሰብእ ነፍስ ወሕይወተ ኩሎ ገብረ ህቡረ” ዝብል ቃል “ንኩሉ ሰብ ደመ ነፍስን ነባቢት ነፍስን ዝፈጠረ ስጋን ነፍስን ኣወሃሂዱ ዝፈጠረ” ብምባል ናይ ነፍስን ስጋን ኣፈጣጥራ ምቅድዳም ዘይብሉ ብተዋሕዶ (ነፍስን ስጋን ብሓንሳብ) ዝተፈጸመ ናይ ጎይታ ስራሕ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ኩሉ መጻሕፍቲ ጎይታና ሰብ ኪኸውን ከሎ፡ ነፍስን ስጋን ካብ ናይ እመቤትና ሰብነት ከም ዝወሰደ ብግልጺ ተቐሚጡ ኣሎ። “ሓድሽ ነፍሲ እምሃበ ኣልቦ ኣምጺኡ ንዕኡ ፈጢሩ ወይ ካብ መዝገበ ነፍሳት ብጽሒቱ ዝኾነት ነፍሲ ወሲዱ” ዝብል ኣብ ዋላ ሓደ የለን። 

ነዚ ሓሳብ እዚ ብምጽናዕ መ/ብ ኣድማሱ ጀንበሬ ናይ ጎይታ ስጋን ነፍስን ካብ እመቤትና ምውሳዱ ምስ ናይ ነፍሲ ኣፈጣጥራ ጌሮም ጽቡቕ ጌሮም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ።(መድሎተ ኣሚን ገጽ 226-229)

ብኣጠቓላሊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ “ነፍሲ ምስ ስጋ ኣዳም ኪፍጠር ከሎ ብናይ እግዚአብሔር ኡፍታ (ብንፍሓት) ተፈጥረት። ብድሕሪ’ዚ ሰብ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ብስጋዊ ርክብ እናበዝሐን እናተባዝሐን ኪኸይድ ከሎ፡ ነፍሲ ድማ ከምኡ ካብ ናይ ኣቦ ዘርኢን ካብ ናይ ኣደ ደምን እናተኸፍለት ስጋ (ጥንሲ) ኪፍጠር ከሎ ሓቢራ ካብ ኣብራኽ ወላዲ እናተኸፍለት ምስ ስጋ ብተዋህዶ ኮይና እንተኾነ ግን ናይ ነፍሲ ባሕርይኣ ከይገደፈት፡ ብናይ ስጋ ባሕርይ ከይተዋሕጠት (በተዓቅቦ) ትራባሕ” ዝብል እዩ።

ናይ ግብጺ ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ድማ “the soul comes in to existence as soon as the sperm and the egg unit” (htt;//www.suscopts.org/q&a/index.php?qid=1233&catid=348) ከም ዝብሉ ኣንቢብና ኣለና። ናይ ግብጻውያን ብሂል ምስ ናትና ዝሰማማዕ እዩ።

ነዚ ብሓጺሩ ንምርዳእ ንክርቢት ምሳሌ ንግበራ። እቲ ባኮ ናይ ክርቢት በቲ ዕንጭት ምስ ተጻሕተረ ጥራይ እዩ ሓዊ ክህልው ዝኽእል። ናይ ነፍሲ ህላዌ ድማ ድሕሪ ርክብ ናይ ወድን ጓልን  እዩ። ንሕና ከም’ዚ ኢና ንኣምን።




No comments:

Post a Comment