bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Friday, 1 July 2016

ራእይ ዮሓንስ ናይ መወዳእታ ዓለም መበል 19 ክፋል 666 መን እዩ?


ሓደ ሓደ ሊቃወንት 666 ምስ ናይ ሰለሞን ግብሪ የተኣሳስርዎ። ንጉሥ ሰለሞን ካብ ዓለም ምሉእ ዝተኣከበሉ ግብሪ ብዝሑ 666 መክሊት ነበረ(1ነገሥ 10፡11) ንሰለሞን እዚ ሃብቲ እዚ ኣይጠቐሞን። ብዝሒ ናይ ሃብቱ እግዚአብሔር ገዲፉ ጣኦት ናብ ምምላኽ ቤተ ጣኦት ኣብ ምስራሕ ደኣ ወሰዶ እምበር፡ ሕጂ ውን ሓሳዊ መሲሕ ካብ መላእ ዓለም ዝእክቦ ሃብቲ ባዕሉ ናብ ጣኦትነት ከም ዝቕይርን ኣምላኾ እግዚአብሔር ከም ዝፈታተንን ክገብሮ እዩ።

ኣቡሊድስ ዘሮም 666 ብዝምለልት ክገልጽ ከሎ “ንስሙ ብዝምልከት ብትኽክል ንምግላጽ ዓቕምና ኣይኮነን። ቅዱስ ዮሐንስ ብዝተረድኦ ምርዳእ ውን ክንርድኦ ኣይንኽእልን። ንሕና ክንግምት ጥራይ ኢና እንኽእል፡ ሓሳዊ መሲሕ ኣብ ዝግለጸሉ ጊዜ፡ እግዚአብሔር ዝመረጾ እንደልዮ ነገር ክገልጸልና እዩ። ዋላ እኳ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ብቑዕ ፍልጠት እንተዘይሃለወና፡ እንተኾነ ግን ክንዛረብ ኢና። ብርግጽ ናይ ኣስማቶም ፊደላት ብዝውክልዎም ቊጽርታት ተደሚሮም ነዚ ቊጽሪ ዝህቡና ብዙሓት ኣስማት ኣለዉ።….. እንተኾነ ግን ናይ እግዚአብሔር ምሥጢር ኣብ ልቦናና ሒዝና ቅዱሳን ነብያት ዝነገሩና ብምትእምማን ክንሕሎ ኣለና። በዚ መንገዲ እዞም ኩሎም ነገራት እናሓለፉ ክመጽኡ ከለዉ ነቶም ነገራት ንዳሎ ድኣ እምበር ኣይንታለልን” ይብለና።

ቪክቶርያነስ  ውን ተመሳሳሊ ምኽሪ እዩ ዝመኽረና “ብግሪኽ ናይ ፊደል ቊጽሮም ተደሚሩ 666 ዝመጽኡ ብዙሓት ኣስማት ከም ዘለዉ ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኣስማት ብምድማር ጥራይ ከይንጋገ ይመኽሩና።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንቲ ወሲኽካ “666 ናይ ምጕዳል ጸጋ ዘመልክት እዩ” ይብሉ።
ሓደ ሓደ ናይ ደገ ሊቃውንት “ኢየሱስ ዝብል ናይ ጐይታና ስም ብግሪኽ 888 እዩ፡ እዚ ድማ ካብ ፍጹማን ንላዕሊ ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ናይ ሓሳዊ መሲሕ ግን 666 ብምዃኑ ካብ ኵሉ ዓይነት ጸጋ ጐደሎ ምዃኑ የመልክት” ብምባል ይትርጉምዎ።

ናይ ቤተ ክርስቲያንና ሊቃውንት ድማ “ናይ ወልደ እጓለ እመህያው ቊጽሪ 7 እዩ ናይ’ዚ ግና 6 እዩ” ክብሉ ይትርጉምዎ።

ግሪኻዊ ናይ ፍጥሞ ደሴት ገዳም ኣርኪሜንዳይት ኣንቲጳስ ኣብቲ ብዛዕባ ራእይ ዮሐንስ ዝጸሓፍዎ መጽሓፎምዓለም ናብ ናይ ኢኮኖምያውን ፖለቲካውን ውህደት እናኣምርሐ እዩ። ሓሳዊ መሲሕ ውን እዚ ዓለምለኻዊ ናይ ዓለም ውህደት ንተግባሩ ክጥቀመሉ ኣብ ምድላው እዩ ዘሎ። ናይ ኣቶኒ መነኵሴ ፓይስዮስ ከም ዝበሎምልክታቱ ግልጺ እኳ እንተኾኑ  ኣብ ብራስለስ ዘሎ ኣራዊት ብመንገዲ 666 ንኵሎም መንግሥታት ናብ ኮምፒውተር የእትዎም ኣሎ። ንምልክቱ መንደርደርያ ዝኾነ ናይ መንቀሳቐሲ ካርድ እንታይ ዘመልክት ይመስለኩም? ብራድድዮ ከም ዝሰማዐናዮ እንተኾይኑ ተሪፍና ዘሎ መዓስ እዩ ዝኸውን ዝብል ምፍላጥ ጥራይ እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ መንቀሳቐሲ ካርድ ኤለክትሮኒክ ፋይል ክመጽእ እዩ። ብድሕሪኡ ናይቲ ኣራዊት ምልክት ክስዕብ እዩ። ኵሉ ጊዜ ብቴለቪዥን እገሌ ናይ እገሌ ካርድ ሰሪቑ ክንድዚ ዝኣክል ገንዘብ ካብ ባንኪ ኣውጺኡ ተባሂሉ ይንገረና ኣሎ። ብኻልእ መገዲ ድማ ዘተኣማምን ሥርዓት እናዘርጋሕና ኢና ይብሉ ኣለዉ። እዚ ድማ ኣብ ኢድ ወይ ድማ ኣብ ግንባር ዝግበር ናይ ኤለክትሮኒክ ምልክት ኣምጺእና ኣለና ኢሎም ኣለዉ። እዚ ድማ ብደገ ዘይረኣ ሥውር ምልክት እዩ። እዚ ድማ ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ ቁጽሪ 666 እዩ

ዘርኢ ወዲ ሰብ ብምልኡ መጀመርያ ንናይ ኮምፒውተር ኣራዊት ቀጺሉ ድማ ንሓሳዊ መሲሕ ባርያ ክኸውን እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጸርቲ ሰከንድታት ባዕሉ ፕሮግራምድ ዝኸውንልዑል ኮምፒውተርኣብ ፕላኔትና ዝርከቡ ናይ ኵሎም ደቂ ሰባት ፋይል ከውጽእ ይኽእል። ሰባት ኣበይ ከምዘለዉ እንታይ ከም ዝሰርሑ፡ ክንደይ ዝኣክል ገንዘብ ከም ዘለዎም፡ ሕጊ የኽብሩ ድዮም ኣየኽብሩን ነዚ ኵሉ ክፈልጥ ይኽእል። ርግጸኛ ኵኑ በዚ ናይ ብራስለስ “THERION ኣራዊትኮምፒውተር ኣብ ኵሎም ነገራትን ኣብ ኵሎም ሰባትን ቊጽጽርን ክትትልን ብዝገብር ኮምፒውተር ኣቢሉ ሓደ መዓልቲ ኣብ ኢድ ሓሳዊ መሲሕ ዝወድቕ ዓለምለኻዊ ሥልጣን ዓለምለኻዊ መንግሥቲ ካብ ሓደ ቦታ ቊጽጽር ዝግበረሉ ኢኮኖሚ ክምሥርት እዩ።
ናይ ሓሳዊ መሲሕ ምልክት ዘይርአ ውሽጣዊ ሞራላዊ ዝኾነ ጸረ ክርስቲያን ምልክት ጥራይ ኣይኮነን፡ ዝረአን ኣብ ግንባርን ኣብ የማናይ ኢድን ዝግበር ምልክት እንኮላይ እዩ። እዚ ድማ ብናይ ኣቦታትና ትምህርትን ኣብ ናይ ዮሐንስ ራእይን ብግልጺ ተቐሚጡ ኣሎ።

ልክዕ መስቀል ናይ ጐይታና ምልክት ከም ዝኾነ 666 ድማ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ምልክት ክኸውን እዩ። ሰባት ነዚ ምልክት እዚ ንኽቕበሉ ምስ ተሰማምዑ ብስም ሰይጣን ክሕተሙ እዮም። ሓሳዊ መሲሕን መሳርሕቱን ኵሎም ናይቲ ኣራዊት ምልክት ምግባሮምን ዘይምግባሮምን ክቆጻጸሩ እዮም።

ኣባ ኤፍሬም ሶርያዊ ኵላቶም ነቲ 666 ማኅተም መታን ክቕበሉ ሕጽረት መግቢ እናገበረ ከገድዶም እዩ፡ መግቢ ንምርካብ ብመጀመርያ 666 ምልክት ምግባር ናይ ማንም ሰብ ቅድመ ኵነት እዩ። ማንም ነዚ ምልክት ኣብ ግምባሩ ወይ ኣብ የማናይ ኢዱ ዝገበረ ካብቲ ዘለዎ ቊሩብ መግቢ ክገዝእ ክፍቀደሉ እዩ።

ብመጀመርያ ኣብ መንነት ታሴራ ቀጺሉ ድማ በቲ ኣብ የማናይ ኢድ ወይ ድማ ኣብ ግንባር ብዝግበር ምልክት እንተዘይኮይኑ ማንም ኣብቲ ናይ ንግዲ ሥርዓት ንምእታው ይኹን ናይ ንግዲ ምንቅስቓስ ክገብር ኣይክእልን። ካልእ ይትረፍ ናይ ሓሳዊ መሲሕ ምልክት ዝኾነ 666 ዘይተቐበለ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት መሰል ምርካብ  ደሞዝ ወይ ጥሮታ ንምቕባል ካብ ባንክ ገንዘብ ከውጽእን ክኸፍልን ኣይክእልን። እዚ ኵሉ ናይ ኢኮኖሚ ምዝውዋር ብማሕተም ናይቲ ኣራዊት ጥራይ እዩ ክፍጸም ዝኽእል።

ኣሬትስ ዝተባህለ ሊቅኵሉ ክገብር እዩ ንዅሎም ኣብ የማናይ ኢዶምን ኣብ ግንባሮምን ከም ታሴራ መንነት ክገብረሎም እዩ። እዚ ድማ ኣብ ንግዲ ንዘለዉን ንዘየለዉን ዝእወጅ ክኸውን እዩይብል።

እንድርያስ ዘቂሣርያ ንሱ ናይቲ ኣራዊት ምልክት  ንኹሉ ሰብ ንመግዝእን መለወጥን ንኽኸውን ኣብ ኵሉ ንኸባጽሖ ክተግህ እዩ፡ ነቶም ምልክቱ ዘይተቐበሉ ንምምባር ዘድልዮም ነገራት ብምኽልካል ክፉእ ሞት ክእዘዘሎም እዩይብል። እቶም ልቦም ዝደንደነን ብልሽዋትን ናይ ሓሳዊ መሲሕ ተኸተልቲ ጥራይ ዘይኮኡ፡ እቶም ጽኑዓት ክርስቲያን ውን ከይተረፈ ብዘይ ምልክት ናይቲ ኣራዊት ክገዝኡን ክሸጡን ከም ዘይክእሉ ነስተውዕል። ካብ ዝተላዕለ ዋላ እቶም ጽኑዓት ክርስቲያን እኳ ንከብዶም ክብሉ ክርስቶስ ክሒዶም 666 ክቕበሉ እዮም” ብምባል ይትንተኖ።

ማንም 666 ዘይብሉ ክገዝእን ክሸይጥ ገንዘቡ ከንቀሳቕስ ኣይክእልን፡ ካብዚ ዝተላዕለ ንሕይወቱ ዘድልዩ ነገራት ብምስኣን ክመውት እዩ፡


ኣቡሊድስ ዘሮም ትንቢተ ዳንኤል ኣብ ዝተርጎመሉ ድርሳን “ሓደ ሓደ ካብ ሓደ ወገን ገሊኦም ድማ ካብ ካልእ ወገን ናብ ነፍሲ ወከፍ ከተማ ኪለኣኹ እዮም። ኣብኡ ዝረኸብዎም ምእመናን ደማ ከጥፍኡ እዮም። ቅዱሳን ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ኪስደዱ እዮም።ካብ ምብራቕ ናብ ደቡብ ብመከራን ስቓይን ኪንከራተቱ እዮም። ገሊኦም ኣብ ጎቦታትን ኣብ ጫካታትን ክድርበዩ እዮም። ውግእ ኵሉ ጊዜ ክኽፈተሎም እዩ፡ በቲ ኣዋጅ መሠረት ባሕርን ንቑጽ መሬትን እናተሳገሩ ክቀትልዎም እዮም። ሃብቶም ዝሸጥሉ ኮነ ካብ ካልእ ዘኢገዝእሉ ዕድል ኣይክረኽቡን እዮም። ማንም ስም ናይ’ቲ ኣራዊት ኣብ ግምባሩ እንተዘይሒዙ፡ ስለዚ ካብ ኵሉ ቦታ ኪባረሩ እዮም።  ካብ ገገዝኦም ውን ከውጽእዎም እዮም። ብኹሉ ናይ መቕጻዕቲ ዓይነት ኪቐጽዕዎም እዮም..” ኢልና ኣሎ።

No comments:

Post a Comment