ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብቶም ዓበይትን ዝዓበየ ክብሪ ዝሓዙን ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ሓደ ኢዩ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ኣንጾክያ ዝተባህለት ናይ ሶርያ ከተማ ብ344ዓ.ም ተወልደ። ብ381 ዓም ብኢድ መሊትዮስ ዝተባህለ ሊቀ ኤጲስቆጶስ ብኣንብሮተ እድ ዲቁና ተሾመ፡ ብ386 ዓ.ም ድማ ብናይ ኣንጾክያ ሊቀ ኤጲስ ቆጰስ ፍላቪያን ቅስና ተቐበለ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብትርጓሜ መጻሕፍትን ብነገረ መለኮትን ኣዝዩ ዝለዓለ ፍልጠት ዘለዎ ኣቦ ነበረ። ብወገን ስብከተ ወንጌል ድማ ፍሉይ ጣዕሚ ቃልን ዓሚዩቕ ምሥጢርን ዝተዓደለ ስለ ዝነበረ ብጣዕሚ ስብከቱ ዝተመሰጡ ምእመናን “ኣፈወርቅ” (ክሪሶቶሞስ) ብምባል ሰመይዎ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ብስግደትን ጸሎትን ዓቢ ናይ ገድሊ ኣቦ ስለ ዝነበረ፡ ብሕዝበ ክርስቲያንን ብቤተ መንግሥትን ምርጫ ንሱ ከይፈቐደ ብግዲ ብ398 ዓ.ም ናይ ቊስጥንጥንያ ፓትርያርክ ኮይኑ ተሾመ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ሓቀኛ ኖላዊ (ሕያዋይ ጓሳ) ስለ ዝነበረ “ፍርዲ ጎደለ ድኻ ተበደለ” እናበለ ብምምሃሩ ምስ ንግሥቲ ኤብዶክስያን ተኸተላታን ክሰማማዕ ኣይከኣለን። በዚ ምኽንያት ምስ ንጉሠ ነገሥት ኤርካድያ ውን ተጻልአ። ስለ’ዚ ዝተወሰኑ ናይ ቤተ መንግሥቲ ሓሳብ ዝድግፉ ኤጲስቆጶሳት፡ ናይታ ንግሥቲ መሳርሒ ኮይኖም ብ29 ናይ ሓሶት ነጥብታት ከሰስዎ።
ብ404 ዓ.ም ድማ ኣውጊዞም ንስደት ኣቃልዕዎ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ካብ መንበረ ፓትርያርክ ብሓይሊ ናይ ወተሃደራት ተገዲዱ “ካቭካዝ” ናብ ዝተባህለ ቦታ ተወስደ። ካቭካዝ ኣብታ ካልኣይቲ ግዝኣት ናይ ኣርሜንያ ኣብ ጥቓ ጸሊም ባሕሪ እትርከብ ኣውራጃ ኢያ። ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ኣብ ስደት (ግዞት) እንከሎ ካብ ጽንዓተ ተጋድሎኡ ዝተላዕለ ብ12 ግንቦት 407 ዓ.ም ዓረፈ። ብድሕሪ’ዚ ብ438 ዓ.ም ብትእዛዝ ቅዱስ ፕሮክልዮስ ርእሰ ኤጲስ ቆጰስ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓጽሚ ናብ ቁስጥንጥንያ ከም ዝምለስን ኣብ ናይ ቅድስት ሶፍያ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝዓርፍን ተገብረ።
ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ ዓቢ ተርጓሚ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍትን ዝተመስገነ ሰባኺ ወንጌልን ነበረ። ብተወሳኺ ውን ኣዝዩ ዝተፈለጠ ደራሲ ስለ ዝነበረ ብዝተፈላለዩ መንፈሳዊ ኣርእስትታት ጽሒፉ ኢዩ። ካብቶም ዝጸሓፎም ብዙሓት ድርሳናት ብዛዕባ ክብርን ቅድስናን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝነግር ድርሳን ዓቢ ቦታ ሒዙ ይርከብ። ካብቶም 14 ናይ ቤተ ክርስቲያንና ቅዳሴያት ሓደ ቅዳሴ ዘዮሐንስ ኣፈወርቅ ብምባል ዚፍለጥ ውን ናቱ እዩ። ብሓፈሻ ልዕሊ 900 ዝኣኽሉ መጻሕፍቲ ወሪቕልና ዝኸደ ቅዱስ ኣቦ እዩ። በረኸቱ ምስ ኩልና ይኹን!!!
ኣሜን ኣሜን ኣሜን ቃለ ሂወት የስምዓልና በረከቶምንረዲ አቶምን ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን ኣሜን። ሓንቲ ንእሽቶይ ሓበሬታ ግዜ እንተረኪብኩም ሲ እዛ ናይ ዮውሃንስ ኣፍወርቂ ታሪክ እባ መል ኡላ ኣብዝሕዋ።
ReplyDelete