እቲ
ገበል መን እዩ?
እዚ ገበል እዚ ዲያብሎስ እዩ “ኣብ ራእይ ዮሐንስ ብሰለስተ ምሳሌታት ተገሊጹ ኣሎ ገበል ኣራዊት ዝቐደመ ተመን።
ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን “እዚ ኣራዊት ዋና ናይ ምትላል መንገዱ “ምምስሳል” እዩ። ሕጂ ውን ንናይ ቅድሥት ሥላሴ ሠለስትነት ንምምሳል ብሠለስተ መንገዲ ተገሊጹ” ይብሉ።
ቪክቶርያነስ “ዓቢ ዝተባህለ ኣብ ሰማይ ተዋሂብዎ ዝነበረ ስፍራ ዓቢ ስለ ዝነበረ፡ ብፍጥረቱ ውን ካብ ካልኦት መላእክተ ጽልመት ስለ ዝበልጽ እዩ” ይብል።
ቀይሕ
ዝበሎ
ድማ ቀታሊ ነፍሲ (ደም ኣፍሳሲ) ምዃኑ ንምግላጽ እዩ ይብል።(ዮሐ 8፡44)
ነቢይ ኢሳይያስ “ኣየ፡ ኣታ ብሩህ ኮዀብ ወዲ ወጋሕታ፡ ከመይ ኢልካ ኻብ ሰማይ ወደቕካ “(ኢሳ
14፡12) ብምባል ኣወዳድቕኡ ነጊርና ኣሎ።
ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጕማን “ዓቢ ዝበሎ ብቦታ ልዕሊ ኵሉ ስለ ዝነበረ” ቀይሕ ዝበሎ ፍጥረቱ ካብ እሳት ስለ ዝኾነ ይብሉ። ቅዱስ ጳውሎስ ውን
ናይ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ቃል ብምጥቃስ “ብዛዕባ መላእኽቲ ኸኣ፡ መላእኽቱ ንፋሳት፡ ኣገልገልቱውን ሃልሃልታ ሓዊ ዚገብር፡ ይብል” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።(እብ 1:7)
መላእኽቲ ተፈጥሮኦም
“እም ሃበ ኣልቦ እዩ” ቅዱስ ቄርሎስ “ናይ ነፍሲ ባህሪኣ ናይ መላእኽቲ
ባህሪኦም ናይ ስላሴ ባሕርይ ኣይፍለጥን እዩ። ተግባሮም ንምግላጽ ማለት ከም እሳት ዝሞቑ እሳታውያን ከም ንፋስ ድማ ረቂቓን ስለ
ዝኾኑ ግን፡ ካብ እሳትን ንፋስን ተፈጥሩ” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።(ኣክሲማሮስ ገጽ 25)
ሾብዓተ
ኣራእስ
ናይ ቤተ ክርስቲያንና መተርጉማን 7 ኣራእስ ዝተባህሉ 7 ኣርእስተ ኃጣውእ እዮም ይብሉ። ንሳቶም ድማ
1. ኃጢአተ ኣዳም፡ ኣምላኽነት ምድላይን ኣምላኽነት ንምርካብ ድማ ሥጋዊ ጥበብ ምጥባብ እዩ። ናይቲ ኣራዊት ሓደ ተግባሩ ሰባት ኣምላኽ ኢና ኣምላኽ ኣየድልየናን እዩ ከም ዝብሉ ምግባር እዩ። ናይቲ ሓሳዊ መሲሕ ሓደ ተግባሩ ድማ ኣምላኽ እየ እንዳበለ ብስም ኣምላኽ ምግላጹ እዩ።(2ተሰ 2፡4)
2. ቅትለተ ኣቤል፡ ናይ ኣሕዋት ኣብ ነንሕድሕዶም ምቅትታል (1ይ ዮሐ
3:10-12)
3. ጥቅመ ሰናኦር፡ ንእግዚአብሔር
ብሥጋዊ
ምርምርን
ብብዝሒ
ጥበብን
ክትረኽቦ
ምፍታን
እዩ።
ናይ
ባቢሎን
ሰባት
ነቲ
ህንጻ
ዝሃነጽዎ ነቲ ኣብ ጠፈር ኣሎ ኢሎም ዝገመትዎ ኣምላኽ ረኺቦም ፍቓዶም ንምፍጻም እዩ ኔሩ።
4. ኃጢአተ ሰዶም፡
ሥጋዊ
ርክብ
ኣብ
ተመሳሳሊ
ጾታ
ምፍቃድን፡
ነውርነቱ
ምርሳዕን።
ግብረ
ሰዶም
ዝሙት
ሕይወት
ናይ
ወዲ
ሰብ
ምስ
ተቖጻጸረ
ዝኽሰት
በደል
እዩ።
5. ኃጢአተ እስራኤል፡ ውዕለት እግዚአብሔር ምርሳዕ። እስራኤላውያን ነቲ ካብ መከራ ግብጺ ዘውጽኦም ኣምላኽ ረሲዖም ናብ ኣምልኾተ ጦት ንምምላስ ሓሙሽተ ዓመት ውን ኣይወሰደሎምን። ኣብ’ቲ ናይ ሓሳዊ ዘመን ድማ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ዝኸፈለሎም ቤዛነት እናረስዕዎን እናኣነኣኣስዎን ኪኽዱ እዮም።(ዘዳ 6፡10 ዘጸ 32)
6. ቅትለት ዘካርያስ፤ ንጉሥ ሄሮድስ ንጐይታና ኪቐትል ደልዩ ምስ ሰኣኖ፡ ኣወላልዳኡ ተኣምራታዊ ዝኾነ ዮሐንስ ንኺሕዝ ፈተነ። ኣብ ኣይነ ከረምን ኣብ ከባቢኣን ኣብ ኣቡኡ ዮሐንስን ኣዲኡ ኤልሳቤጥን ዝተፈጸመ ተኣምር ኣብቲ ከባቢ ተወርዩ ስለ ዝነበረ፡
ኪትንሥእ
እዩ
ዝተባህለ
ህጻን
ንሱ
እዩ
ኢሎም
ኣይሁድ
ነገርዎ።
ሄሮድስ
ድማ
ወተሃደራቱ
ናብቲ
ቦታ
ለኣኸ።
ኣዲኡ
ኤልሳቤጥ
ግን
ብመልኣኽ
ተነጊርዋ
ንወዳ
ሒዛ
ሃደመት።
ደልዮም
ዚሰኣንዎ
ወተሃደራት
ድማ
ናብ
ኣቡኡ
ካህን
ዘካርያስ
ከይዶም
ኣብ
ኣገልግሎት
ከሎ
ኣብ
ውሽጢ
ቤተ
መቕደስ
ቀቲሎም
ደሙ
ኣፍሰስዎ።
ኣብ
ዘመነ
ሓሳዊ
መሲሕ
ድማ
ሓቀኛታት
ካህናት
ኪቕተሉ
እዮም።
ቤተ
መቕደስ
ድማ
ኪድፈር
እዩ።(ማቴ 23፡35)
7. ሞተ መልደ እግዚአብሔር ‘ጐይታና ኣብ
ሥርሑ
ጌጋ
ኣብ
ምግባሩ
ኃጢኣት
ከይተረኽበሉ
ብግፍዒ
ብዘይፍርዲ
ከም
ዝተቐተለ፡ ኣብ ጊዜ ሓሳዊ መሲሕ ድማ ክርስቲያን ብዘይበደልን ብዘይ ሓጢኣትን እንከለዉ ብግፍዒ ኪቕተሉ እዮም።
ብካልእ መንገዲ ድማ 7 ኣራእስ ንሓሳዊ መሲሕ ዝቕበሉ 7 ኣህጉር ማለት ፋርስ ባቢሎን ጽርኢ ሜዶን ግብጽን ሮምን ኢየሩሳሌምን እዮም።
ቪክቶርያነስ ድማ 7 ኣራእስ 7 ናይ ሮም ነገሥታት እዮም ይብል።
ዓሠርተ ኣቕርንቲ
ቪክተርያነስ
“10 ኣቕርንቲ
ናይቲ
ሓሳዊ
መሲሕ
ዕላማ
ዘፈጽምሉ 10 ነገሥታት ምዃኖም ይገልጽ።
ብኻልእ መንገዲ ድማ ቊጽሪ 10 ናይ ኵሉ ወዲ ሰብ ዝውክል ቊጽሪ እዩ። ኣብ ማቴ 25;1.. እንረኽበን 10 ደናግል ንድኹማትን ሓያላትን ብምልኦም ክርስቲያን ዝውክላ እየን። ቀርኒ ድማ ናይ ሓይሊን ሥልጣንን ምሳሌ እዩ። ስለ’ዚ 10 ኣቕርንቲ ዝተባህሉ ሓሳዊ መሲሕ ዕላምኦ ዝፍጽመሎም ሰበሥልጣናትን ትካላትን ነገሥታትን እዮም።
4 እቲ ጭራኡ ድማ
ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም።
ሓደ ሓደ ሓሳዊ መሲሕ ካብ ምእመናን 1/3 (ሲሶ) ዝኣኽሉ ከታልል እዩ ክብሉ ተርጕሞሞ ኣለዉ።
ቪክቶርያነስ “ካብ ወገን መላእኽቲ ንዲያብሎስ ተኸቲሎም ዝወደቑ እዮም” ክብል
ይትርጉሞ።(ይሁዳ 1፡6)
እቲ ገበል ድማ፡
ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ።
5 ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ
ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። 6 እታ ሰበይቲ
ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት።
ንኹሎም ኣሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ዝጓስዮም ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እመቤትና ቅድስት ድንግል ማርያም
ንዕኡ
ወለደት።
ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ኣቐዲሙ “ብበትሪ ሓጺን ክትቅጥቅጦም፣ ከም ኣቕሓ ሰራሕ መሬት ከኣ ክትሰባብሮም ኢኻ” ብምባል ዝተዛረበሉ ብበትሪ ሓጺን ዝጓሲ ንጉስ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ።(መዝ 2፡9)
ወልድ ብመለኮቱ ካብ ዙፋኑ ተፈልዩ ኣይፈልጥን እዩ። ናይ ባህሪ ኣምላኽነቱ ንምምስካር
“ናብ ኣምላኹ ማለት ናብ ኣምላኽነቱ ተመንጠለ” ይብል። ብዝለበሶ ስጋ ከም ዝዓረገን ስጋ ናይ ኣምላኽነት ባህሪ ባህሪኡ ጌሩ ኣብ
ዙፋን ስላሴ ከም ዝተቐመጠን ንምግላጽ ድማ “ናብ ዙፋኑ ተመንጠለ” ይብል።
6 እታ ሰበይቲ ድማ፡
ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት።
አታ ሰበይቲ ድንግል ማርያም ናብ በረኻ ማለት ናብ ግብጺ 1260 መዓልቲ ማለት 3 ዓመትን መንፈቕን
ንወዳ ሒዛ ተሰደት።
ወይ ውን ቤተ ክርስቲያን ዘድሕና ተባዕታይ ወዲ ወለደት። ንሱ ምድራዊ ዘይኮነ ሰማያዊ እዩ’ሞ ንዕኡ ዲያብሎስ ኣይስዕሮን እዩ። ንሱ ብመለኮታዊ ግርማኡ ንዲያብሎስ ከም ዝንቅጠቀጥ ይገብሮ።
1260
መዓልታት
42ን ኣዋርሕ ወይ ውን 3ዓመትን 6 ወርሕን ወይ ውን 1260 መዓልታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ
ኣብ
ዝተፈላለየ
ቦታታት
ተገሊጾም
ኣለዉ።
እሥራኤላውያን
ካብ
ኣገዛዝኣ
ፈርኦን
ካብ
ግብጺ
ሃዲሞም
ኣብ
በረኻ
ዝተጐዓዝዎ 42 ዓመታት እዩ፡ ኤልያስ ካብ ኤልዛቤል ዝሃደመ ን1260 መዓልታት እዩ፡ ኣንጥያኮስ ኣብ ኢየሩሳሌም ኣምልኾ እግዚአብሔር ኣጥፊኡ ጣኦት ዘቖመሉን ነቲ ህዝቢ ዘሳደዶን ን42ን ኣዋርሕ እዩ፡ ሮማውያን ንኢየሩሳሌም ኣብ ዝኸበብዋን ዘጥፍእዋን ጊዜ ኣይሁድ ነታ ከተማ ለቒቖም ፔላ ናብ ዝበሃል በረኻ ን3 ዓመትን 6 ወርሕን
ተደርብዮም
እዮም።
እመቤትና
ካብ
ሄሮድስ
ሃዲማ
ናብ
ግብጺ
ዝተሰደትሉ
ን3 ዓመትን 6 ወርሕን እዩ።
እዞም መዓልታት እዚኣቶም ደቂ እግዚአብሔር ካብ ጸላኢኦም ኣምሊጦም ኣብ ውሽጢ ሓለዋ እግዚአብሔር ኮይኖም መከራ ዝቕበልሎም መዓልታት እዮም። እተን መዓልታት ብርግጽ ምፍላጠን እቲ መከራ ጊዝያውን ሓላፍን ምዃኑ ንምግላጽ እዩ።
እሥራኤላውያን ከንኣን ኣትዮም እዮም፡
ኤልዛቤል ሞይታ ኤልያስ ዓሪጉ እዩ፡
ሄሮድስ ሞይቱ እመቤትና ተመሊሳ እያ፡
ስለ’ዚ ከም ሄሮደስን ኤልዛቤልን ንቤተ ክርስቲያን ዘሳድዱ ኵሎም ሰበሥልጣናትን መናፍቓንን ኵሎም ክሓልፉ እዮም፡ ደቂ እግዚአብሔር ግና ክስዕሩ እዮም።
ኣብ ዘመን ናይ ሓሳዊ መሲሕ ቤተ ክርስቲያን መከራ ክበዝሓ እዩ፡ ደቃ ኣብ በረኻታትን ኣብ ጐቦታትን ኣብ ጫካታትን ክቕብዝበዙ እዮም።
No comments:
Post a Comment