ንዘሞቱ ወገናት ጸሎተ
ፍትሓት ምግባር ከም ዝግባእን ኣብ ጊዜ ቊርባን ኣስማቶም ኪጽዋዕ ከም ዘለዎን ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ትምህርቲ።
“… ንዝሞተ ወገንኩም ክትበኽዩ ከለኹም ልክዕ ከምቲ ናብ ካልእ ሃገር ዝለኣኽኩሞ
ጌርኩም ብምሕሳብ ይኹን። እቲ ዝሞተ ሰብ ኃጢአተኛ እንተኾይኑን ንእግዚአብሔር ብብዙሕ ነገር ዘሕዝኖ ዝነበረ እንተኔሩን ግን ምብካይ
ዝግባእ ሽዕኡ እዩ። ከም ሓቂ ከም’ዚ ኣብ ዝኾነ ጊዜ ውን እንተኾነ ምብካይ ኣይግባእን እዩ። ምኽንያቱ መልቀስ ነቲ መዋቲ ምንም
ዝጠቐሞ ነገር ስለ ዘይብሉ። ነቲ መዋቲ ኪንገብረሉ ዝግበኣና፡ ኣብ ክንድኡ ምጽዋትን ውህበታትን ምሃብ ግን ዝተወሰነ ዕረፍቲ ንኽረክብ
ዝረድኦን ዝጠቕሞን እዩ። ክፉእ ግብርን ኃጢአተኛን እንተ ኔሩ ሳላ ዝሞተ ኃጢአቱ ተቛሪጽሉ እዩ እሞ በዚ ክንሕጎስ ይግባእ። ጻድቕ
እንተ ኔሩ ውን ንመጻኢ ከጋጥሞ ካብ ዝኽእል ዘይተፈልጠ ነገር ኣምሊጡ ብኃጢአት ናይ ምፍታንን ናይ ምውዳቕን ስግኣት ናብ ዘይብሉ
ናብ ዘተኣማምን ቦታ ስለ ዝኸደ ደስ ኪብለና ይግባእ፡ ……ነቲ ዝሞተ ሰብ ከተኽብርዎን ጽቡቕ ነገር ክትገብርሉ ዶ ትደልዩ ኢኹም?
እወ እንተ ድኣ ኢልኩም ብሓዘንን መልቀስን ዘይኮነ ኣብ ክንድኡ ምጽዋትን ሰናይ ተግባራትን ንህዝቢ ጠቓሚ ብዝኾነ ነገራትን ብምግባር
ጥቐምዎ ኣኽብርዎ። (ቅዱስ ኦሐንስ ኣፈወርቅ ትርጓሜ ወንጌል ዮሐንስ ክፍሊ ትምህርቲ 62፡5)
ናይ ዝሞቱ ወገናትና ሥርዓተ ቀብርን ምፍናውን ንዕኦምን ንዓናን ብዝጠቅምን
እግዚአብሔር ብዝኸብረሉን መንገዲ ንግበሮ። ኣብ ክንድኦም ኢልና ብዙሕ ምጽዋት ንሃበሎም። ንመንገዶም ኣዝዩ ጠቓምን ጽቡቕን ስንቂ
ንልኣኸሎም። ዓበይቲ ዝኾኑ ሰባት ድሕሪ ምሟቶም እኳ ነቶም ሕያዋን ካብ ሞት ዘድሓኑ ካብ ኮኑ “ኣነ ነዛ ከተማ እዚኣ ምእንታይን
ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ክከላኸለላን ከድሕናን እየ”(2ይ ነገ 19፡34) ከም ዝተባህለ፡ ምጽዋት ንዝሞቱ ወገናት ዘለዎ ጥቕሚ
ካብዚ ዝዓቢ እምበር ካብ’ዚ ዝንእስ ኣይኮነን። ምጽዋት ምዉታት ኣተንሲኡ እዩ። “ንሳ ጽቡቕ ግብሪ ዝመልኣ ምጽዋት ውን ትምጽውት
እያ” ዝተባህለላ ጣቢታ ምስ ሞተት ከም ትትንሥእ ጌርዋ እዩ። (ግሐ 9፡36-40)… (ቅዱስ ኦሐንስ ኣፈወርቅ ትርጓሜ ወንጌል
ዮሐንስ ክፍሊ ትምህርቲ 85፡6)
ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም ኣብ ዘመኑ ንምዉታን ዝግበር ጸሎት ብዝምልከት ክርክር
ዘልዕሉ ሓደ ሓደ ሰባት ነበሩ። እቲ ቀንዲ ነዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጽሓፍ ቅዱሳዊን ሐዋርያዊን ተግባር ዝተቓወመን ነቲ ተቓውሞኡ ዘጕልሖን ድማ ኣርዮስ ነበረ። ቅዱስ ኤጲፋንዮስ
ውን ንቅዱሳን ጸሎት ኣይግባእን ዝብሉ ዝነበሩ ተረፈ ኣርዮሳውያን መናፍቓን ኣብ መጽሓፉ ገሲጽዎም እዩ። (ቅዱስ ቄርሎስ ዘኢየሩሳሌም
ቅዱስ ኤጲፋንዮስ በእንተ መናፍቃን 85 ቁ 7)
ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ብምኽንያት ሞት ናይ ሴዛርዮስ ዝተባህለ ዓቢ
ሓዉ ኣብ ዝመሃሮ ትምህርቲ፡ ሓዉ ዝተማህረ ምዃኑ ብዛዕባ መንፈሳውነቱ ምስቲ ከሓዲ ንጉሥ ምስ ዑልያኖስ ብዛዕባ ዝገበሮ ክርክርን
ኣብቲ ክርክር ተዓዊቱ ከም ዝወጸን። ክብሪ ናይ’ዛ ዓለም ዝነዓቐ ከም ዝነበረ ወ.ዘ.ተ ድሕሪ ምዝራቡ ጸሎት ይጽሊ። ብድሕሪ እዚ
ኣብ ዓመት ዓመት ዘከርታ ብምግባር እቶም ብሕይወት ዘለዉ ነቶም ዝሞቱ ኪዝክሩ ከም ዝግባእ ይዛረብ።
…ካባና ኣቐዲሞም ዕረፍቲ ዝረኸቡ ናይ መንገደኛታት ወገናትና ነፍሳት ብምጽዋዕ
ነቲ በዓል ቤት ንእግዝአብሔር ሓደራ ንሃቦም። እዚ ድሕሪ ምግባርና ግን ካብ ሕጂ ኣነ ዘረባይ ንስኻትኩም ድማ መልቀስኩም ነቋርጽ።
ብኣና ኣብ ዘይግዜኡ ዚኾነ ዚመስለና፡ ንዓና ብዝምልከት ነገራት ኵሎም ከምቲ ዝግባእን ኣብ ዝግባእ ጊዜኦምን ብዝገብሮም ብእግዚአብሔር
ግን ኣብ ጊዜኡ ንዝኾነ ሞቱ (ናይ ሴዛርዮስ ሓዉ ሞት እዩ) ዘሕዝን እኳ እንተኾነ እግዚአብሔር ብዝፈለጠ ጸዊዕዎ እዩ እሞ ናብቲ
መዕረፊኡ ኪኸውን ዘዳለኹምሉ መቓብር ውሰድዎ። ኦ ኵሉ ዝፈጠርካ እግዚአብሔር፡ ኦ ነቶም ናትካ ዝኾኑ ሕይወቶም እትመርሕ ኣቦ፡ ኦ
ናይ ሕይወትን ናይ ሞትን ጐይታ፡ ኦ ናይ ነፍስና መጋብን ዳኛን ኵሉ ነገር ኪምርመር ብዘይክእሎ ድንቂ ጥበብካ ምግብናኻ እትገብር
ኣምላኽና በጃኻ ነዚ ንመገሻና ቦኽሪ ዝኾነ( ናይ’ቲ ቤተ ሰብ በዅሪ ስለ ዝነበረ እዩ) ሴዛርዮስ ብሕያውነትካን ብምሕረትካን ተቐበሎ።
ንሓወይ ዘቕርቦ
አምኃ እዚ እዩ። ንዕኡ ምስ ዝግብኦ ነገር ኣነጻጺርካ እኳ ውሑድ እንተ ኾነ ከምቲ ዓቕምና እንኽእሎ ነገር ምግባር እግዚአብሔር
ይፈትዎ እዩ። ናይ’ቲ ህያብ ገለ ክፋል ሕጂ ተፈጺሙ እዩ። እቲ ዝተረፈ አምሀአ ድማ ብሕይወት እንተርፍ ሰባት ዓመት ዓመት ዝክር
ብምግባር ክንከፍል ኢና። ነታ ዝተቐደሰትን ዝተባረኸትን ነፍስኻ ድማ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንኽትኣቱ ኪንጽልየላ ኢና። ኣብ ሕቑፊ
ኣብርሃም ንኸዕርፈካን ምስ ሓድነት መላእኽትን ምስ ናይ ቅዱሳን ክብርን መዓርግን ንኽድምረካ ኣብ ሓጎሶም ተኻፋሊ ንኽገብረካን ብጸሎት
ክንዝክረካ ኢና። ካብ’ዚ ንላዕሊ ድማ ከምቲ ኣብ ጸልማት ዝዋጋእ ዘሎ ሰብ በዚ ናይ’ዚ ኣለም ሃብትን ንብረትን ብምንዮትን ስምዒትን
ብዘይፍልጠትን ብምድንጋርን ብስሕተትን ኵሉ ምድራዊ ነገራትን ተኸቢብናን ዒርናን ንዘለና ንዓና ካብ ሰማይ ኴንካ ናብ ምድሪ እናተመልከትካ
ዘክረና ንብል ኣለና።
(ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናንዙ ትምህርት በእንተ ዕረፍተ እኁሁ - ኣብ መዘከርታ
ዕረፍቲ ናይ’ቲ ኣብ ቤተ ሰቡ ናይ መጀመርያ ውላድ ዝነበረ ብንእስነቱ ዝሞተ ናይ ባሕታዊ ሴዝርዮስ ሓዉ፡ ዝመሃሮ ትምህርቲ ቁ 17)
(መድሎተ
ጽድቅ ገጽ 467-468)
No comments:
Post a Comment