bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Sunday, 1 January 2017

ካብ ከዋኽብቲ ወርኂ ትኅሸና (ገለ ካብ ውዕሎ ትማሊ)


ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሠለስተ ወርኂ ዚገብራኦ ትማሊ ቐዳም ዕለት ፳፪ ታኅሳስ ውን እተን ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲነዶስ ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ሆላንድ ኣዝዩ ዕዉትን ዓቢይ ተስፋ ዘለዎም ደቂ ከም ዘለወን ዘርኣያሉን ጉባኤ ኣብ  ማኅበረ ምእመናን አቡነ አረጋዊ ከተማ ኣልክማር ኣካይደን።  እዚ ጉባኤ እዚ ካብቲ ዚኃለፈ ጉባኤያት ዝያዳ ፍሉይ ዝገበሮ፡ ኣብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሮተርዳም ተማሂሮም ዚፈረዩ ብዙኃት ኃደሽቲ መንእሰያት ኣብ ኣገልግሎት ዚተራእዩሉ ብምንባሩ እዩ። እዞም ካብ ክልቲኡ ጾታታት ኣብ ዚተሳተፉዎ ዕውት ምርኢት (Exhibition) ዚነበሩ መንእሰያት፡ ነቲ ብብዙኅ ድኻምን ክቡር ጊዜኦም ብምኽፋልን ብጥሜትን ኣብ ርእሲ እዚ ዅሉ ድማ ብደገን ብውሽጥን ንዝመጾም ፈተነታት ብምጽዋር ዚተመሃርዎ ትምህርቲ ሥነ ፍጥረት ብሥዕላዊ መገዲ ጌሮም ኪገልጽዎ እዮም ፈቲኖም። ገሊኣቶም ሰፊሕ ነገረ መለኮታዊ ቃል ይትንትኑ፡ ገሊኣቶም ሥነ ፍጥረት ምስ ምሥጢረ ሥላሴን ምስ ነገረ ክርስቶስን ነገረ ማርያምን ዘለዎ ምሳሌታት የብርሁ ገና ልብኻ ነዚ ከይመነዎ ድማ ኅልፍ ትብል እሞ ንሥነ ፍጥረት ምስ ሕይወትካ ኣተኃኂዙ ናብ ንስሓ ይዕድመካ እሞ ርእስኻ  ገቲእካ ናብ ኣምላኽ ንምምላስ የቀላጥፈካ። ብዛዕባ ኣርባዕተ ባህርያት ብዛዕባ ነገረ መላእክት ብዛዕባ ሾብዓተ ሰማያት ብዛዕባ ጠፈር ብዛዕባ ብርሃናት ብዛዕባ ኣብ ማይ ዚነብሩን ኣብ መሬት ዚነብሩን እንስሳታት ክብርን ጽባቐን ይነግሩኻ እሞ ገና ብጽባቐ ናታቶም እናተደነቕካ ኸኣ ንስኻ ናይዞም ኵሎም እዚኣቶም ኣኽሊልን ገዛእን ብመልክዕ ኣምላኽ ዚተፈጠርካ እንኮ ፍጥረትን ከም ዝኾንካ የስዕብ። ኮታ ትምህርቶም ዘርዚረ ኣይበጽሖን፡ ምሥጢር መቂርዎም ግዲ ኾይኑ ሰዓቶምውን ኪቆጻጸሩ ኣይከኣሉን ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ብይኣኽለኩም እዩ ተዓጽዩ። 

ሓድሽ ዚረኣኹዎ ኪተባባዕ ዘለዎ ነገር

 1.ትምህርቲ ብሥዕላዊ መልክዕ ምቕራብ ኣዝዩ ኣድካሚ ከም ዝኾነ ርዱእ እኳ እንተኾነ ጠቓሚ ዓይነት ኣመሃህራ እዩ። ንብዙኅ ኣዋርኅ ብቓል ዚደኸምካሉ ብሥዕሊ ግና ብሓደ ጊዜ ኣብ ርእስኻ ኪቕረጽ ስለ ዝኅግዝ ኪተባባዕ ዝግብኦ እዩ።


2.  ዚተማህሩ ደቂ ቤተ ክርስቲያን ዚተማህርዎ ቃል ናብ ካልኦት ኬባጽሕዎ ቦታ ኪወሃቦምን መገዲ ኪኽፈተሎምን ምግባሩ ጽቡቕ ጥራይ ዘይኮነ ኣዝዩ ኪተባባዕን ኪሥርሓሉ ዘለዎን ጉዳይ እዩ። ኣኅዋትና ካብ እምነቶም ዘጥፍእዎም ዘለዉ ተዃሉ ሊቃውንት ስለ ዝኾኑ ኣይኮኑን። እኳ ደኣ እተን ዚፈልጥወን ጥቕስታት ኣዝየን ውሱናት እየን። በዘን ክልተ ሠለስተ ጥቕስታት ግና ስድራ ምልእቲ ፋሕ ፋሕ ከም ትብል ይገብርዋ፡ ንሕና ግና ተማሂርናውን ነቲ ቃሉ ንደግመሉ ባይታ ስለ ዘይንረክብ ንመሃር እሞ ይርሳዕ 10 ዓመት መንፈሳዊ ሥልጠና ወሲድና ኵሉ ጊዜ ግና ንሕተቶ ኪንምልስ የሸግረና። ብተወሳኺ ኣብ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ሓደ መምህር ጥራይ ምስ ዝህሉ ካልእ ብዙኅ ተወሳኺ ዕንወታት እዩ ዜምጽእ። ንኣብነት ንሱ በይኑ ስለ ዝኾነ ብዘይካኡ ካልእ መምህር ዘየለ ክሳዕ ዚመስል ሰባት ክሳዕ ኬምልኹዎ እዮም ዝደልዩ። በዚ ድማ መጀመርታ ንኣኡ ንትዕቢት ዝዕድም ሓደገኛ ኵነታት ይፈጥር፡ መን ከማይ ኣነ እንተ ዘየለኹ .. ዝብሉ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኡ ብምምጻእ ኬውድቕዎ ይኽእሉ እዮም። ብኻልኣይ ደረጃ እግዚአብሔር ኣይግበሮ ሃይማኖታዊ ሕጸፅ እንተ ተረኺብዎ እቶም ከም ኣምላኽ ዚረኣዩዎ ሰባት ግዳይ ናቱ ኾይኖም እዮም ዚጠፍኡ። ካብዚ ብተወሳኺውን ብኣወንታዊ መገዲ ምስ ንርእዮውን ሓሚሙ ወይ ብመገሻ ምኽንያት ንሱ ኣብ ዘይህልወሉ ሕይወት ናይታ ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ሓደጋ እዩ። ንኣኡውን ካብ መጠን ንላዕሊ ሥራሕ ኪጽዕቆ ይኽእል እዩ፡ በዚ ኸኣ ከምቲ ዝግብኦ ገይሩ ኪዳሎውን ጊዜ ስለ ዘይረክብ ካልእ ተወሳኺ ሳዕቤናት ኪመጽእ ይኽእል እዩ። ስለዚ ነቲ መምህር ንባዕሉን ንዕብየት ናይ ቤተ ክርስቲያን ብሓፈሻን ብዝኂ መምሃራን ምፍራይ ካልኣይ ዘይብሉ ኣማራጺ እዩ። እሱራት ሕሙማት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ዘለዉ ኦርቶዶክሳውያን ጓሳ የብልናን ኢሎም ድራር ኣራዊት ዝኾኑሉ ዘለዉ ኵነታት በዚ መገዲ እዚ ኪቕንስ ተስፋ ንገብር።

ወርኂ ብተፈጥሮኣ ካብ ከዋኽብቲ ዚነኣሰት ክነሳ፡ ካብ ከዋኽብቲ  ዝያዳ ናባና ቀረባ ግና ንሳ እያ። ንኣና ድማ ካብ ናይቶም ዓበይቲ ግና ኸኣ ካባና ኣዝዮም ዚረሓቑ ከዋኽብቲ፡ ናይታ ብተፈጥሮኣ ንእሸተይ ግና ኸኣ ናባና ኣዝያ ዝቐረበት ወርኂ ብርሃን እዩ ዝያዳ ዘብርሃልና። ስለዚ ወርኂ ናይቶም በታ ዘላቶም ንእሽተይ ጸጋ ብዝግባእ እብ ኣገልግሎት ዝነጥፉ ክርስቲያን ምሳሌ እያ። ከዋኽብቲ ግና ኣዝዮም ዓበይቲ እኳ እንተኾኑ ካብ ምድሪ ኣዝዮም ርሑቓት ስለ ዝኾኑ ንኣና ብዝግባእ ኣየብርሁልናን እዮም። እዚኦም ድማ ነቶም ብዙኅ ጸጋታት ዘለዎም፡ መምሃራን ሊቃውንቲ ክነሶም ኣገልግሎቶም  ብግቡእ ዘይፍጽሙ ትዕቢተኛታት ወይ ድማ ሃካያት ኣገልገልቲ ምሳሌ እዮም። (ሉቃ 19፡20-25) ስለዚ ጠቓሚ ዝበሃል እቲ ብዙኅ ጸጋ ዘለዎ ዘይኮነ፡ እቲ ነታ ዘለቶ ጸጋ ብግቡእ ዝጥቀም ስለ ዝኾነ ካብ ከዋኽብቲ ወርኂ ትኅሸና ንብል። ብተወሳኺ ወርኂ ናይ ጻድቃን ምሳሌ እያ ወርኂ ንእሽተይ ጸኒሓ እናዓበየት ከም እትኸይድ፡ ጻድቃን ድማ ካብ ወጣንያን ናብ ማእከላውያን ካብ ማእከላውያን ድማ ናብ ፍጽምና እናዓበዩ ይኸዱ። ናትኩም ዕቤት የርእየና..(ማቴ 13፡13)

ብዝኾነ ዝምስገን ሥራሕ ስለ ዚረኣኹ ዋላ ከምቲ ናቶም ዜመስግን ሥራሕ እንተ ዘይሠራሕኩ በዚኣ ገይረ ዘየመስግን ብዝብል ሓሳብ እየ ዚጽሕፋ ዘለኹ። ኣጆኻ መገዲ የኽይድ እዩ ዚበሃል ኣጆኹም በርትዑ ሰስኑ ድማ እግዚአብሔር ካብ ክፉእ ይሓልኹም።




 









































No comments:

Post a Comment