7. ካልኣይ ስደት 404 ዓ.ም
ካብ ስደት ድኅሪ ምምላሱ ልክዕ ከምቲ ጠፊኡ ዚተረኽበ ዕንቊ ኣብቲ ሕዝቢ ልዕሊ ዝኾነ ጊዜ ፍቱውን ተናፋቕን ኮነ። እቲ ብኃይሊ እግዚአብሔር ብፍሉይ ተኣምር ዚተመልሰ ፓትርያርክ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅን ዚተጣዕሰት ንግሥትን ንግዚኡ ዚተዓረቑ መሰሉ። ኣውዶክስያ ጌጋኣ ንምኽሓስ ንኽልተ ወርኂ ዝኣክል ብትሕትና ተጓዕዘት። እንተ ኾነ ግና ክፉኣት ሰባት ኣብ ዘለዉዎ ቤተ መንግሥትን ቤተ ክህነትን እዚ ነገር እዚ ቀጻሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ንኽልተ ኣዋርኅ ዚኣክል ኣብ መንበረ ጵጵስናኡ ከምቲ ልሙድ ፍቕርን ትሕትናን ብዝመልኦ ቅዱስ ኣገልግሎቱ ኪፍጽም ድኅሪ ምጽናሕ፡ ኣውዶክስያን ናታ ዕሱባትን ናብ ናይ ቀደም ተንኮሎም ተመልሱ። እቲ ካብ ስደቱ ንኽትመልሶ ዘገደዳ ኂዙዋ ዚነበረ ፍርሃትን ጭንቀትን ምስ ረሓቐላ፡ ከም ፈርዖን ጽልኣን ናይ በቐል ስምዒታን ደጊሙ ተላዕለ። ኣውዶክስያ ጽብቕትን ነገር ዘይትርስዕን ፈታዊት ገንዘብን በቐለኛን ተንኮለኛን ክትእዝዝን ክሳዕ ምምላኽ ዝበጽሕ ኪትክበር እትደልን፡ ትምኒታ ብምሉኡ ሥጋዊ ዝኾነ ሰበይቲ ነበረት።
ንግሥቲ ናይ ግዝኣት ሮም ምዃን ውሒዱዋስ፡ ከምቲ እቶም ቄሣራት (ነገሥታት ሮም) ክርስትና ቅድሚ ምቕባሎም ዝገብሩዎ ዚነበሩ ልማድ ናይ ኣምላኽነት ክብሪ ደለየት። ነዚ ድሌታ እዚ ክዉን ንምግባር ድማ ካብ ብሩር ዚተሠርሐ ናታ ምስሊ ዝኃዘ ዓቢይ ሓወልቲ ኣሥሪሓ እቲ ሕዝቢ ንኸኽብሮ፡ ሆይሆይታን ረበሻን ብዚተመልአ ዓይነት ናይ ጣዖት ኣከባብራ ሥርዓት ኣብ መስከረም 403 ዓ.ም ኣብ ቅድሚ ናይ ቅድስቲ ሶፍያ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ኣደባባይ ከም ዚትከል ገበረት። ኣብ ቅድሚ እቲ ሓወልቲ ድማ ሕዝባዊ ጸወታታትን ምርኢታትን ይግበር ነበረ። እዚ ተግባር እዚ ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዚግበር ዚነበረ ኣገልግሎት ዝርብሽን ዝህውኽን ኮነ። ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ድማ እዚ ተግባር እዚ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስቲያን ንዕቀት ምርኣይ እዩ ብምባል ነቲ ሕዝቢ ተዛረበ።
ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ መጥመቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ሰማዕትነት ኣብ ዚተቐበለሉ ዕለት፡ (ኣብ ዓመታዊ በዓሉ) ነቶም ኣብቲ ንናይ ክርስትና እምነትን ሥነ ምግባርን ተጻራሪ ዚኾነ ጣዖታዊ ተግባራት ዚተረኽቡ ንዅላቶም፦ ነቲ ሕዝብን ንሰበ ሥልጣናትን ከምኡውን ነታ ነዚ ጣዖታዊ ተግባር ዚሠርዓት ንግሥቲ ኣውዶክስያን - እቲ ዚፈጸሙዎ ተግባር ግቡእ ከም ዘይኮነ ዚገልጽ ሓቀኛ ቊጥዓኡን ተግሣፁን ተዛረበ።
ኣብ መንጎ እዚ ስብከቱ እቲ ኵነታት ኣዝዩ ስለ ዘሕረቖ “ሕጂውን ሄሮድያዳ ተቖጢዓ እያ ዘላ፡ ሕጂውን ትስዕስዕ እያ ዘላ፡ ሕጂውን ናይ ዮሐንስ ርእሲ ኣብ ጻሕሊ ጌሮም ኪህቡዋ ትደሊ ኣላ” ከም ዝበለ ይንገር። እቲ ዕለት መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሐንስ ብሳዕስዒት ናይ ጓል ሄሮድያዳ ክሳዱ ዚተቖረጸሉ ዕለት እዩ። ሄሮድያዳ ንጓላ መኺራ ርእሲ ናይ ዮሐንስ ቆሪጽኩም ኣብ ጻሕሊ ጌርኩም ኣምጽኡለይ ዚበለትሉ ዕለት ምዃኑ ነስተውዕል። ብርግጽ ንሱ ብቐጥታ ነዚ ቃል እዚ ኢሉዎ ድዩ ወይስ ካልእ ተመሳሳሊ ቃል እዩ ተዛሪቡ ኣጣራጣሪ እዩ። ብዙኃት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ምሁራን ግና “እዚ ምስ ናይ ኣፈወርቅ ስብእናን ናይ ቅድስና መንነትን ዘይሰማማዕ ምዃኑ ብምርኣይ፡ ጸላእቱ ንእኡ ንምውንጃል ይጠቕመና እዩ ኢሎም ዚፈጠሩዎ ደኣ እምበር፡ ንሱ ቃል ብቓል ከምዚ ከም ዘይበለ ይገልፁ።
ኮይኑ ግና ነገር እናቐበሉ ኪፍተዉ ዚደልዩ ኣምለኽቲ ኸብዶም መእተዊ ረኸቡ እሞ ነቲ ነገር እናጋነኑን እናዕበዩን (ብፍላይ ድማ ብዓል ሴቬሪያን) ንኣውዶክስያ ከምዚ ኢሉኪ ኢሎም ነገሩዋ። ንሳ ድማ ካብ ቀደሙውን በቲ መጀመርታ ካብ ስደቱ ኪምለስ ከሎ ዝወረዳ ስዕረትን ኅፍረትን ንምብቃል ሰበብ ትደሊ ስለ ዚነበረት፡ ነዚ መእተዊ እዚ ምስ ረኸበት ነቲ ንጉሥ ንኽብቀለላ ሓተተቶ። በዚ መንግሥታውን ጳጳሳውን ምጉት፡ ቤተ መንግሥቲ ጊዝያዊ ናይ ግፍዒ ዓወት ክረክብ ከሎ፡ ጳጳሳዊ ድማ ሞራላውን ዘለዓለማውን ዓወት ረኸበ። ኣውዶክስያ ኸኣ ንቴዎፍሎስን ንመሰልቱን (ንእኡ ዚመስሉ) ደጊሞም ኪእከቡን ንቕዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ካብ ሥልጣኑ ክኣልዩዎን ከሳድዱዎን ኣዘዘት። ኣብዚ ጊዜ እዚ ናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወርቅ ጸላእቲ ከምቲ ሥጋ ዚረኣየ ንሥሪ ካብ ዘዘለውዎ ብቕልጡፍ ተኣኻኸቡ።.......
No comments:
Post a Comment