bieteelyas.blogspot.com ቤተ ኤልያስ

Saturday, 3 September 2016

መርዓ ብናይ ቅዱስ ዮሐንስ አፈወረቅ ኣረኣእያ 2ይ ክፋል



ብካልእ መልክዑ ድማ ኣቦ ወዱ ወይስ ጓሉ ኣካሎም ረኺቦም ብቓል ኪዳን ብምጥማሮም ኣዝዩ ደስ ይብሎም። ኣቦ ዋላ ብዙሕ ሃብቲ ዝመልኦ በዓል ጸጋ እንተኾነ ወዱ ወይስ ጓሉ ዘይተመርዓዉ እንተ ኾይኖም፡ ውሸጡ ዋላ ሓንቲ ምርግጋእ ኣይህልዎን። ነዚ ተዓጊሱ ምምባር ኣይከኣሎን። ብካልእ መገዲ ድማ ዋላ እኳ ውላድ ካብ ናይ ኣዲኡ ኣካል ተኸፊሉ ዚተወልደ እንተኾነ ኣብ`ዚ ምድሪ ዘርኡ ንኽቕጽል ግን ንበይኑ ብቑዕ ኣይኮነን ማለት እዩ። ስለ`ዚ ድማ ነቢይ ሚልክያስ “ስለ ምንታይ ከ እዩ ነዚ ዚገበረ ዘርኢ ስለ ዚድለየ ዶ ኣይኮነን,,,,,,” ብምባል ዚግልጾ (ሚለ 3:16) ብኸመይ ድኣ እዩ`ሞ ሓደ ሥጋ ናብ ምዃን ዚመጹ? ኣዝዩ ጽሩይ ዚኾነ ወርቂ እንተ ደሊኻ፡ ወርቅኻ ምስ ካልእ ወርቂ ትሓዋውሶ`ሞ ካብ ናይ ክልቲኦም ሓድነት ድማ ፍሉይ ዚኾነ ወርቂ ይርከብ። በዚ መልክዕ ድማ ኣደ ብሓጎስ ዘርኢ ተቐቢላ፡ ምስ ኣካላ ብምውህሃድ ነቲ ጥነሲ ብምምጋብን ብምንክብኻብን ሰብ ኮይኑ ናብ`ዚ ዓለም ንኽወጽእ ናታ ብጽሒት ትገብር። ውላድ ከም ድልድል እዩ። ብናቱ ምኽንያት ሠለስቲኦም ኣካላት ሓደ ሥጋ ይበሃሉ። ውላድ ነቶም ኣካላት ፍጹም ሓደ ከም ዚኾኑ ይገብሮም። ብምኽንያት እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ዓቢይ ሩባ ዚትፈላለዩ ክልተ ከተማታት፡ ብምኽንያት`ቲ ኣብ ልዕሊ ሩባ ዚሥራሕ ድልድል ክልተ ምዃኖም ተሪፉ ሓደ ከም ዚኾኑ፡ ከምኡ ድማ ውላድ ንሰብኣይን ሰበይትን ከምኡ እዩ። ውላድ ንሓድነት ስብኣይን ስበይትን ፍጹም ይገብሮ። 

ውላድ ነቲ ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰብይትን ብቓል ኪዳን ተፈጢሩ ዚንበረ ሓድነት ብዚበለጸ የድልድሎ። ንሰብኣይን ሰበይትን ድልድል ዚኾነ ቆልዓ፡ ናይ ክልቲኦም ናይ ተዋህዶ ውጽኢት ስለ ዚኾነ፡ ርእስን ዚተረፈ ካልእ ኣካል ብክሳድ ሓደ ከም ዝኾኑ፡ ከምኡ ድማ ውላድ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ ነቲ ናይ ክልቲኦም ሓድነት ብዚበለጸ የትርሮ። ካብ ፍልልዮም ንላዕሊ  ብሓድነት ኪዝምሩ ከለዉ፡ እቲ ዝማሬ ሓደ ኮይኑ ይወጽእ። ወይ ክልተ ወገናት ኣእዳዎም ነንሓድሕዶም ኪጣምሩ ከለዉ ካብ ሕጂ ሓደ ድኣ እምበር ክልተ ኣይኮንናን ማለቶም ከም ዚኾነ ከምኡ ድማ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ብሓድነቶም ብዚፈጥርዎ ብመገዲ ውላዶም ፍጹም ዚኾነ ሓድነት ይምስርቱ። ስል`ዚ ጐይታና ግሩም ብዚኾነ ቃሉ “ክልቲኦም ሓደ ሥጋ ይኾኑ” በለ ብፍላይ ብውላዶም። ከም’ዚ ኪበሃል ከሎ ሰብኣይን ሰበይትን ውላድ እንተ ዘይወሊዶም ክልተ ኮይኖም ይቕጽሉ ማለት ድዩ? ብፍጹም ከምኡ ማለት ኣይኮነን። ክልቲኦም ብሥጋ ምስ ሓበሩ ሓደ ኣካል ናብ ምዃን ይመጹ።

ናይ ሽቶ ዘይቲ ምስ ካልእ ናይ ሽቶ ዘይቲ ምስ ሓዋወስካዮ ሓደ ናይ ሽቶ ዘይቲ ከም ዚኾኑ፡  ኣብኡ ድማ ከምኡ እዩ። ሕጂ ኣነ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ግልጺ ጌረ ብምዝራበይ፡ ሓደ ሓደ ሰባት እዚ’ስ ነውሪ እዩ ብምባል ትምህርተይ ከም ዚጽየፍዎ እርድኣኒ እዩ። ናይ’ዚ ምኸንያት ድማ ነዚ ሕጂ ዚዛረቦ ዘለኹ ከም በዕልግና ስለ ዚቖጽርዎ እዩ።
እዞም ወገናት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ሓዳር ዚፍጠር ከም’ዚ ዚበለ ሓደነት ብዕልግና ብምባል ፍሉይ ናይ ነቐፌታ ስም ይህብዎ። እንተ ኾነ ግን ቅዱስ ጳውሎስ “መውስቦ ኣብ ኵሉ ክቡር፡ እቲ መደቀሲ ኣሚን ኣብ ኵሉ ዘይረኸሰ ይኹን” ብምባል ምሂሩና እዩ (ዕብ 13፡4)። ስለ ምንታይ ድኣ ንስኻትኩም ነቲ ክቡር ከም ነውሪ፡ ንጹሕ ንዝኾነ ድማ ከም ርኹስ ትቖጽርዎ። እዚ ናይቶም ንመርዓ ከም ርኽሰት ዚቖጽሩ፡ ናይቶም ኣብ ኣካል ገዛእ ርእሶም ዝሙት ዚፍጽሙ ናይ ከሓድያን ኣረኣእያ እዩ። ስለ’ዚ ድማ እየ ማለት ነዚ ክፉእ ኣተሓሳስባ ንምጽራይን ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ንምምላስን ኢለ እየ በዚ መልክዕ ዚመሃርኩ። በዚ ትምህርቲ እዚ ናይ ከሓድያን ኣፍ ይተዓጾ።

ንሳቶም ነዚ ናይ እግዚአብሔር ድንቂ ዚኾነ ህያብን መሠረት ናይ ልደትናን ዚኮነ ተራክቦ ኪነቕፉ ይስምዑ ኣለዉ። እዚ ናይ ልደትና ምንጪ ዚኾነ ተራክቦ ከም ረሳሕን ከም ዘይጠቅምን፡ ረብሓ ዘይብሉ ከንቱ ነገር ጌሮም ይቖጽርዎ። ስለ’ዚ ንሕና ነዚ ትምህርቲ ካብ ከም’ዚ ዓይነት ኣረኣእያ ነጻ ኪንገብሮ ይግብኣና። ፍቱዋተይ እዚ ጉዳይ’ዚ ኪለዓል ከሎ ከም ዚጽየፉ ከሓድያን ኪትኮኑ ኣይደልን እየ። እኳ ድኣ ካብ ናታቶም ኣጸያፊ ሥራሕ ኪትርሕቑ እምዕደኩም ኣለኹ። እንተ ኾነ ግን ብከም’ዚ ነገር ንዓኣቶም ትመስሉ እንተ ኴንኩም፡ ብቐጥታ ንእግዚአብሔር ከም ዚጸረፍኩሞ እዩ ዚቑጸር።

መርዓ ንቤተ ክርስቲያን ዚተፈጸመላ ምሥጢር ምሳሌ ከም ዚኾነ ዶ ከረድኣኩም? ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ናቱ ኪገብራን ብመንፈሳዊ ተዋሕዶ ምስኣ ሓደ ኪኸውን ከሎን ቅዱስ ጳውሎስ “ከም ንጽሕት ድንግል” ይብል’ሞ “ንክርስቶስ ምእንቲ ከቕርበኩም ንሓደ ሰብኣይ ኣሕጽየኩም እየ” ይብለና (2ይ ቆሮ 11፡2)። እሞ ኸ ድኣ ንሕና እንታይ ኮንና? ናይ ኣካሉ ሕዋሳት (ሥጋኡ) ኣይኮንናን ዲና? ስለ’ዚ ነዚ ኵሉ እዚ ብምስትውዓል፡ ነዚ ዓቢይ ምሥጢር ዚኾነ መርዓ ካብ ምቅላል ንቆጠብ። መርዓ ማለት ክርስቶስ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ናይ ምርካቡ ዚምሰለሉ ዓቢይ ምሥጢር እዩ። ኣብ’ዚ ዓቢይ ዚኾነ ምሥጢር ኣብ ዚፍጸመሉ ቦታ’ዚ ዶ ድኣ ስኽራን ይግባእ እዩ? እስኪ ንገረኒ ናይ ንጉሥ ሥእሊ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኴንካ ዶ ንዕኡ ከተዋርዶ ትጅምር ኢኻ? ነዚ ፈጺምካ ኣይትገብሮን ኢኻ። ሕጂ ግን መርዓ ኪግበር ከሎ እቲ መርዓ ንዝተመሰለሉ ምሳሌ ዚግብኦ ክብሪ ኣብ ክንዲ ምሃብ ነቲ ቦታ ናይ ኃጢኣት መፈልፈሊ ምንጪ ጌርናዮ። እቲ ሥርዓት ምሉእ ብምሉእ ተለዊጡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዚኾኑ ተግባራት ዚፍጸምሉ ኮይኑ። ቅዱስ ጳውሎስ “ዘሐፍር ወይስ ዘረባ ዕሽነት ወይስ ዘይግበኣ ዋዛን ኣይሰማዕኩም” ዶ ኣይበለናን እዩ? “እቲ ንሰማዕቲ ንበረኸት ዚኸውን ንምህናጽ ውን ዘድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ድኣ ተዛረቡ እምበር ዘይጠቅም ዘረባ ካብ ኣፍኩም ፈጺሙ ኣይውጻእ (ኤፌ 5፡4 4፡29)” ኢሉ ኸ ኣይመሃረናን ድዩ? ሕጂ ግን ኣብ’ዚ ዓቢይ ዚኾነ ምሥጢር (ኣብ ጊዜ መርዓ) ናይ ስንፍና ዘረባ ዋዛ ፈዛዛን ላግጽን ኣሽካዕላልን መሊኦም ኣለዉ።እዞም ከንቱ ነገራት ውን እኮ ብቐሊሉ ዚቐርቡ ኣይኮኑን። እዞም ከንቱ ነገራት ከም ጥበብ ተቖጺሮም፡ በቶም ዘቕርብዎም ሰባት ተቐናቢሮም በቶም ኣብ’ቲ መርዓ ዚተዓደሙ ይቐርቡ። ነቶም ነዚ ዚገብሩ ሰባት ድማ ዓቢይ ክብርን ምስጋናን ይወሃቦም። ኣዝዩ ዝገርም እዩ! ኃጢኣት ከም ጥበብ ተቖጺራ። ካብ’ዚ ብዝገደደ ነቶም ንዓና ኃጢኣት ዘፋሉጥና (ዘለማምዱና) ምርኢታት ብተመስጦን ብጸጥታን ኴንና ምክትታልና እዩ።

 ነቲ ካብ ልሳኖም ዘውጽእዎ ቃል ብኣድንቖት ድኣ ንሰምዖም እምበር ትም ኢልና ብከንቱ ኣይኮንናን ንሰምዖም። ስለ’ዚ ንዲያብሎስ ኣብ ከም’ዚ ዚበለ መርዓ ንዕኡ ዚኾኑ ወተሃደራት ንምምልማል (ንምሥልጣን) ምቹእ ኮነሉ። ስኽራን ኣብ ዘለዎ ቦታ ዝሙት ኣሎ፡ ከንቱ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ቦታ ሰይጣን ሥርሑ ንምሥራሕ ይጥዕመሉ፡ እስኪ ንገረኒ ኣብ ከም’ዚ ዚበለ ቦታ ሰይጣን ኪመጽእ እናጋበዝካ፡ ክርስቶስ ዚርከበሉ ምሥጢር ይፍጸም ኣለኹ ኪትብል ዶ ትኽእል ኢኻ?ምናልባት ኣነ ነዚ ነገር ተሪር ተቓዋማይ ከም ዚኾንኩ ጌርካ ኪትቆጽረኒ ትኽእል ኢኻ።  …ቅዱስ ጳውሎስ ንዓኻ “ እምበኣርሲ እንተበላእኩም ይኹን እንተሰቴኾም ወይስ ዝኾነ ይኹን ነገር እንተ ገበርኩም ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዶ ኣይበለካን እዩ? (1ይ ቆሮ 10፡31) ። ንስኻ ግን ኵሉ ሥራሕካ ነብስኻ ኣብ ምጉዳእን ንወዲ ሰብ ኣብ ዚጎድኡ ነገራትን ኢኻ ተውዕሎ። ነቢይ ዳዊት’ሲ “ንእግዚአብሔር ብፍርሓት ኣገልግልዎ፡ ብራዕዲ ከኣ ተሓጎሱ” ብምባል ዶ ኣይመዓደካን እዩ? ንስኻ ግን ሥርዓት በተኽ ኴንካ ትመላለስ ኣለኻ።

ሓጎስን ጥንቃቐን ብሓደ ከተማልእዎ ዶ ትደልዩ ኣለኹም? ኣዕጽምቲ ዘለምልም መዝሙር ከ ኪትሰምዑ ትደልዩ ዶ? ብርግጽ ካብ ኵሎም መዝሙራት ዚበለጸ መዝሙር ኪትሰምዑ ትኽእሉ ኢኹም። ንስኻትኩም ግን ፍቓደኛታት ኣይኮንኩምን። ፍቓደኛታት እንተ ትኾኑ ግን ሰይጣናዊ ደርፍታት ካብ ምስማዕ፡ መንፈሳዊ ዝማሬ ንምስማዕ ምበቓዕኩም። ናይ መዘምራን ግሩም ዚኾነ ሸብሸቦ ኪትርእዩ ዶ ትደልዩ ኢኹም? እነሆ ናይ መላእኽቲ ዝማሬን ሸብሸቦን። ከመይ ጌርካ እዩ ናይ መላእኽቲ ዝማሬን ሸብሸቦን ምርኣይ ዚከኣል? ኢሉ ዚሓትት እንተሎ፡ “ነዞም ቀንጠመንጥን ጋዕገልጠማትን እንተ ገዲፍካዮምን ኣብ መርዓኻ ክርስቶስ ኪርከብ እንተ ፈቒድካን ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ክርስቶስ ኣብ መርዓኻ እንተ ተዓዲሙ መላእኽቲ ውን ምስኡ ኣብ መርዓኻ ኪርከቡ እዮም። ንስኻ ፍቓደኛ እንተ ኴንካስ ኣብ መርዓኻ ምርካብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ብምቕያር ውን መርዓኻ ኪደምቀልካ እዩ። ከም ማይ ዝሑልን ወሓዝን (ሓላፍን) ዝኾነ ናይ’ዛ ዓለም ደስታን ፈንጠዝያን ኣጥፊኡ መንፈሳዊ ሓጎስ ካብ ዘጎናጽፍ፡ ካብ’ዚ ተኣምር እዚ ንላዕሊ ተኣምር እንታይ ተኣምር ኣሎ!!! እዚ ማይ ናብ ወይኒ ናይ ምቕያሩ ትርጉም።
ይቕጽል …

No comments:

Post a Comment