በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን
4 ብእመቤትና ዝተፈወሰት ልምስቲ መንእሰይ
ኣባ ሩፋኤል “ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ እመቤትና፡ እመቤትና ድማ ብዘይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ
ዝቕበሉን ተቐቢልና ዝብሉን ኵላቶም ጐደሎ እዮም” ይብሉ ነበሩ። መስቀሉ ይሽከም ኣለኹ ዝብል ናይ መስቀል ህያብ ከመይ ጌሩ ይዝንግዕ?
ንምዃኑ ኣደ ንጉሥ ሓንቲ ነገር ክትገብር ኣይትኽእልን እያ ይበሃል ድዩ? ማንም ውህበት (ህያብ) ዘይብላ ድኻ እያ ክትበሃል ትኽእል
ድያ? ከምዚ እንተ ዝኸውን ኔሩ ክርስቶስ ኣብዚ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ዶኪማስ ንኣደ ጐይታ ሽግሩ ኣይመቕረበላን ኣይምተፈጸመሉን
ድማ ኔሩ። ናይ ንጉሥ ክርስቶስ ኣደ ኵሉ ኣብኣ ዘሎ ናይ ጸጋ ግምጃ ቤት፡ ብጸሎታ ንዝእመኑ ኵሎም እትበጽሕ ኣማላዲትን እመቤትን
እያ።
ናብ ኣባ ሩፋኤልናይ መንፈስ ቅዱስ ጸጋ ኣብ ሕይወቱ ይርአ ስለ ዝነበረ፡ ኣጋንንቲ የውጽእ ሕሙማን ይፍውስ፡ ድኻታትን ሽጉራትን የጸናንዕ
ነበረ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ህጻን ናብ ኣባ ሩፋኤል ይመጽእ’ሞ “በጃኻ
ኣቦና ሩፋኤል ሓፍተይ ብምሕማማ ወለደይ ኵሉ ጊዜ ብሓዘን ይበኽዩ
ኣለዉ። ንምንታይ እግዚአብሔር ብውላድና ዝፍትነና እንዳበሉ ውን የማርሩ ኣለዉ። ኣነ ውን ብናታቶም ሓዘንን መልቀስን እጭነቕ ኣለኹ።
ስለ’ዚ በጃኻ ናብ ገዛና መጺእካ ክተጸናንዖም ነታ ሓሚማ ዘላ ሓፍተይ ድማ ንኽትጽልየላ እምሕጸነካ ኣለኹ” ብምባል ብናይ ህጻን
ኣንደበቱ (ልሳኑ) ለመኖ። ኣባ ሩፋኤል ናይ’ቲ ሕጻን ሕቶ ብዘይ ምንዓቕ ናብ ዝተባህሎ ገዛ ይኸይድ። ኣብ’ቲ ገዛ ኣትዩ ነታ ዝሓመመት
ህጻን ምስ ረኣያ ልቡ ኣዝዩ ይሓዝን። እታ ህጻን ኣዝያ ጽብቕቲ ምዃናን ካብ መዓንጣኣ (ጐና) ንታሕቲ ልምስቲ ብምዃና ኣብ ዓራት
እትውዕል ንወለዳ ናይ ልቢ ስብራት ዝኾነት ጓል 15 ዓመት መንእሰይ ነበረት።
ኣባ ሩፋኤል ኣብ ጐኒ እታ ሕምምቲ ዝደቀሰትሉ ዓራት ተንበርኪኹ ከምዚ ብምባል ክጽሊ ጀመረ።
“ኦ ጐይታ ነዛ መንእሰይ ምሕረትን ፈውስን ግበር ጣቢታ ተንሥኢ ከም ዝበልካ፡ ነቲ ኣፍ ደገ ቤተ መቕደስ ደቂሱ ዝነበረ ልሙስ ብደቀመዛሙርትኻ
ከም ዘሕወኻ ነዛ ህጻን ውን ፈውስኻ ልኣኸላ። ልመናይ ብሰም ኣዴኻ ተቐበለኒ። ኦ እመቤተይ ነዚ ቤት ምድኃንኪ ግበሪ! ምሕረትኪ
ይገለጽ! ናይ ኣማላድነትኪ ሥራሕ ይፈጸም። ኦ ሠናይ ርግቢት ንዒ’ሞ ዳህስስያ! ሰላማ ውን ሃብያ! ሠናይ ርግቢት ንዒ” ብምባል
ብተመስጦ ድሕሪ ምጽላዩ፡ ንሕሙማን ዝቕባእ ቅብኣ ቀንዴል ኣወጺኡ ነቲ ዝሓመመ ሰብነታ ክቐብእን ንቤተሰባ ናይ እግዚአብሔር ምድሓን
ኣብ ርእሲ እታ ህጻን ንኽግለጽ ንኽጽልዩን ንእመቤትና ንኽምሕጸኑ ነጊሩ ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ክንምለስ ኢና፡ ኣነ ንእመቤተይ ክጋብዛ
እየ ንስኻትኩም ውን ብጸሎት ሕተትዋ ኢሉ ንቤተሳባ ተፋነዎም። ይኹን እምበር ብሕማም ናይ ጓሎም ልቦም ዝተተንከየ ወለዲ ናይ ኣባ
ሩፋኤል ዘረባ ብቅኑዕ ብግቡእ ኣይተረድእዎን ነበሩ።
ድሕሪ ሠለስተ መዓልቲ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ካህን ኣባ ሩፋኤል ኣብ ቤት ናይታ ሕምምቲ ህጻን
ብምርካብ ዝተለመደ ጸሎት ኣብጺሑ ቅብኣ ቀንዴል ነታ ህጻን ምስ ቀብኣ ናይታ ሕምምቲ መደቀሲ ክፍሊ ብትሑት ድምጺ ተዃሕኵሑ ሰማያዊ
ቀሚስ ዝለበሰት ኣብ ርእሳ ናይ ብርሃን ኣኽሊል ዘለዋ ሰበይቲ ትኣቱ’ሞ ኣብ ጐኒ ኣባ ሩፋኤል ትቐውም። ቀጺላ ውን ኢዳ ትዝርግሕ’ሞ
ነታ ህጻን “ጓለይ ተንሥኢ” ብምባል ኢዳ ዘርጊሓ ተተንሥኣ። ንዘመናት እግራ ለሚሱ ምንቅስቓስ ኮነ ምጕዓዝ ዘይትኽእል ዝነበረት ህጻን ብኢድ እመቤትና ፀኒዓ
ኣብ ዝቖመትሉ ጊዜ “እመቤተይ ፈዊሳትኒ” “ኣደይ በጺሓትኒ” “እታ ብሰብ እትሓዝን ተመልኪታትኒ” እናበለት ክእመን ብዘሸግር ፍጥነት
ናብቲ ወለዳ ዘለውዎ ሳሎን ክትጐዪ ጀመረት።
ወለዳ ብዝኾነ ነገር ተሰናቢዶምን ተገሪሞምን ኵነታቱ ንምፍልጥ “ከመይን ብኸመይ ኵነታትን
እዚ ተኣምር ክኸውን ከኣለ? መን’ከ ኣድሓነኪ” እንዳበሉ ነታ ሕምምቲ ጓሎም ክሓትዋ ጀመሩ። እታ ዝተፈወሰት ቆልዓ “ኣባ ሩፋኤል
እንዳጸለየ እንከሎ እመቤትና ማዕጾ ከፊታ ብምእታው ኢዳ ዘርጊሓ ከም ዘተንሥኣታን በዚ ምኽንያት ከም ዝተፈወሰትን ንወለዳ መስከረት።
ዝኾነ ኵሉ ዝተዓዘቡ ወለዳ ንእግዚአብሔር ብናይ ሓጎስ ንብዓት ምስጋና ኣቕረቡ። በታ ንዅሉ ፍጥረት ርህርህቲ ዝኾነት እመቤትና ኣማላድነት
ብምብራኾም ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ። ኣባ ሩፋኤል ውን “እመቤትና ካብዚ ንላዕሊ እትሓሊ ኣደ እያ ንዓኣ ዝሃበና ክረስቶስ ይባረኽ”
ኢሉ ወለዳ ብምብራኽ ናብ ገዳሙ ተመልሰ። እዚ ናይ እመቤትና ተኣምር ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣብ ካይሮ ካብ ዝተገብሩ ተኣምራት ሓደ ኮይኑ፡
ናይ ግብጺ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ናይዚ ተኣምር ሓቅነት ኣረጋጊጻ ምስክርነቱ ንምእመናን ብመራኸቢ ብዙሃና ገለጸት። ልመናኣን
ክብራን ናይ ወዳ ናይ ፈታዊኣ ምሕረት ኣብ ልዕሊ ኵልና ይሕደር ኣሜን።
ጸሎት
ኦ እመቤተይ ነዚ ተኣምርኪ ንዘንበብኩን ንዝሰማዕኩን
ንዓይ ንባርያኽን ፈታዊኽን ነታ ዝተደነሰት ህጻን ዝገበርክዮ ድንቂ ነገር ንዓይ ንባርያኺ ግበርለይ። ናትኪ ንጽሕና ስለ ርኽሰተይ
ናትኪ ምእዛዝ ንዓመጻነተይ ናትኪ ክብሪ ንምውራደይ መተካእታ ኮይኑ ካብቲ ዘጨንቐኒ ዘሎ መከራይን ስቓይን ሽግረይን ቀልጢፍኪ ኣድሕንኒ።
ሓዘነይ ናብ ሓጎስ ስቓየይ ናብ ዕረፍቲ ምግፈዐይ
ናብ ነጻነት ለውጥለይ ንዘለኣለም ኣሜን
No comments:
Post a Comment