በእንተ ቅድስት ሥላሴ
ኣብ መበል10ይ ክፋል ናይ ካሴትካ “እቲ እንዳ ሥላሴ ዚበሃል ቤት መቕደስ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዚጽውዑ
ሠለስተ ኣምላኽ ከም ዘለዉ እዩ ዘስምዕ። ኣብ ቤት መቕደሶም ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ
ይሥርሓሎም እዩ።ኣብ ቤት መቕደሶም ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ ይሥርሓሎም እዩ።
1ይ እንዳ ብጹዕ አምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ቤት መቕደስ ማለት እዩ።
2ይ እንዳ ጋብር ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤተ መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ እዮም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዚብል ስም ሂቦም ብስሙ ቤት መቕደስ ዚሃንጹ።
3ይ እንዳ መንኃኔ ዓለም ወይ እንዳ ኢየሱስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይሃንጹ።
ነቲ ሓደ በዓለ እግዚአብሔር ኢሎም ከብዕልዎ ከለዉ፡ ነቲ ሓደ ድማ ብስም ጋብር የኽብርዎ፡ ነቲ ሓደ ውን ብስም መድኃኔ ዓለም የብዕልዎ። ኣብ ዚሓለፈ እዋን ነቲ ናይ ተዋሕዶ መጻሕፍቲ የጽንዓሉ ኣብ ዚነበርኩ ጊዜ እቲ ሥላሴ ዚበሃል እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካልእ ከም ዚኾነን ምድራዊ ታሪኽ ውን ከም ዘለዎ ካብ ሰብ ከም ዚተወልደን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ልደቱ ድማ ንኣምላኽ ከም ዘመስገኖን፡ ኣብ ምድሪ ኪነብር ከሎ ውን 50 ኣናብስን 50 ነብርን ይሕልውዎ ከም ዚነበሩን እዚኣቶም ውን ሓመድ ኣሰር ናይ እግሩ ይምገቡ ከም ዚነበሩን ዚገልጽ መስሓቒ ዚኾነ ዛንታ ምስ ረኸብኩ ኣዝየ ተገረምኩ።” ብምባል ዝነዛሕካዮ ሓሶት እስከ ሓደ ብሓደ እናርኣና ብኦርቶዶክሳዊ ሚዛን ንምዘኖ”
Ø እቲ እንዳ ሥላሴ ዚበሃል ቤት መቕደስ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዚጽውዑ ሠለስተ ኣምላኽ ከም
ዘለዉ እዩ ዘስምዕ” እዚ ኣተረጓጉማ ካባኻ ዝመንጨወ ፍልጠት ዝጎደሎ ዝምቡዕ ትርጉም እምበር፡ እንዳ ሥላሴ
ማለት እንዳ ሠለስተ ማለት ኣይኮነን። ሥላሴ ዝብል ቃል ናይ እግዚአብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ዝገልጽ ድኣ እምበር፡ ሠለስተ ጥራይ
ኢሉ ደው ዝብል ኣይኮነን። ሓደ ጥራይ ኢሉ ውን ደው ዝብል ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ ሓደ እንከለዉ ሠለስተ፡ ሠለስተ እንለከለዉ ድማ
ሓደ እዮም። እዚ ትምህርቲ እዚ ድማ ካብ ሐዋርያት ጀሚሩ ዝመሃር ዝነበረን ዘሎን ዝነብርን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ እዩ። ንኣብነት እቲ ካብ 295-375 ኣቢሉ ዝነበረ፡ ብ325
ኣብ ናይ ኒቅያ ጉባኤ ተረኺቡ ነቲ ናይ ኣርዮስ ናይ ክሕደት ትምህርቲ ብመልኮታዊ ቃል ዝሰዓረን “ኢየሱስ ክርስቶስ ኣምላኽ ወዲ
ኣምላኽ እዩ”(ማቴ 16፡16) ዝብል ናይ ሐዋርያት ትምህርቲ ዘጽንዐን ኦርቶዶክሳዊ ናይ እምነት ሓርበኛ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ነዚ ከረድኣና ከሎ ከም’ዚ
ዝስዕብ እናበለ ይምህረና፥
Ø “አምላክ ውእቱ አብ፡ አምላክ ውእቱ ወልድ፡ አምላክ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ ወኢይትበሃሉ ሠለስተ አማልክተ አላ አሐዱ እሙንቱ” ትርጉም “ኣብ ኣምላኽ እዩ፡ ወልድ ኣምላኽ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ውን ኣምላኽ እዩ፡ ሓደ ኣምላኽ ድኣ እምበር ሠለስተ ኣማልኽቲ ኣይበሃሉን እዮም ይብለና” (ሃይማኖተ አበው ዘአትናቴዎስ 25፡4
Ø ኣብ 310-403 ዓ/ም ኣቢሉ ዝነበረ ቅዱስ ኤጲፋንዮስ ድማ ኣንክሮጦስ ኣብ ዝተባህለ መጽሓፍ “(ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ) ኢሎም
ብዛዕባ ዘመስግኑ ብዛዕባ ናይ ሱራፍኤል ናይ ምስጋና ቃል፡ ቅዱሳን ቅዱሳን ቅዱሳን ኣይበሉን። 3 ግዜ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ ብምባል
ብሓደ መለኮት፡ ሓደ ኮይኖም ዝነብሩ ሠለስተ ኣካላት ምዃኖም ገሊጽልና። ቅዱሳን ኣይበሉን ስለ መለኮት ሓድነት ግን ኣሰናፊ እግዚኣብሔር
ናይ ጐይቶትነትካ ምስጋና ኣብ ሰማይን ምድርን ምሉእ እዩ በሉ። ኢሳ 6፡1-4 ራዕ 4፡8-10 ሃይማኖተ ኣበው ዘኤጲፋንዮስ ኢሳ 6፡1-4 ራዕ 4፡8-10 ሃ. ኣበው ዘኣባ ገብርኤል 94፡7) ብምባል ብስም ብግብሪ ብኣካል እኳ ሰለስተ እንተበልና፡ ብመለኮት ብስልጣን ብባህሪ ግና ሓደ ኣምላኽ ኢልና ንኣምን እምበር ሰለስተ ኣምላኽ ዝበሃል እምነት ናትና ናይ ተዋህዶ ኣይኮነን።
Ø ኣብ
329-379 ዚነበረ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሊቃውንት ዝኾነ ናይ ቂሳርያ ፓትርያርክ ዝነበረ ቅዱስ ባስልዮስ ውን
ነዚ ከረጋግጽ ከሎ “እንዘ አሐዱ ሠለስቱ ወእንዘ ሠለስቱ አሐዱ ሥላሴ በተዋህዶ ተዋህዶ በሥላሴ ይሤለሱ በኣካላት ወይትወኃዱ
በመለኮት” ትርጉም “ሓደ ከለዉ ሠለስተ ሠለስተ ከለዉ ሓደ እዮም።
ብኣካል ሠለስተ ብመለኮት ሓደ እዮም” ብምባል ገሊጽዎ ኣሎ።(ሃይማኖተ አበው ዘባስልዮስ 34፡2) ስለ’ዚ ሰለስተ ኣካላት ሓደ እግዚአብሔር
ድኣ እምበር ሰለስተ ኣምላኽ ዝብል ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ ኣይኮነን።
ኣብ ቤት መቕደሶም
ውን ናይ ሠለስተ ኣምላኽ ተባሂሎም ዚፍለጡ ስእሊ እዩ ዚርከብ። እዞም
ሥእልታት እዚኣቶም በብናቶም ውን ቤት መቕደስ ይሥርሓሎም እዩ።
1ይ እንዳ ብጹዕ
አምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ናይ እግዚአብሔር ኣቦ ቤት መቕደስ ማለት እዩ።
2ይ እንዳ ጋብር
ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤተ መቕደስ ይህነጽ እዚ ከኣ ንመንፈስ ቅዱስ እዮም ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዚብል ስም ሂቦም ብስሙ ቤት መቕደስ ዚሃንጹ።
3ይ እንዳ መንኃኔ
ዓለም ወይ እንዳ ኢየሱስ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ቤት መቕደስ ይሃንጹ።
ነቲ ሓደ በዓለ እግዚአብሔር
ኢሎም ከብዕልዎ ከለዉ፡ ነቲ ሓደ ድማ ብስም ጋብር የኽብርዎ፡ ነቲ ሓደ ውን ብስም መድኃኔ ዓለም የብዕልዎ”
ኣቶ ወልድኣብ እዚ
ትምህርቲ ካብ’ቲ ሰባት ንምትላል ትጥቀመሉ ልሙድ ሓሶታት ዝመንጨወ እምበር ናይ ተዋህዶ ትምህርቲ ኣይኮነን። ኣቡነ ብጹዕ ኣምላኽ
ጻድቕ ኣቦ ድኣ እምበር ኣምላኽ እዮም ዝበሎም የለን። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ውን ጻድቕ እምበር ኣምላኽ ዝበሎም የለን። በዚ
ናይ ሓሶት ትምህርትኻ ሰባት ከም ዝኽዕቡኻን ብሓሶትካ ድማ ካባኻ ከም ዝርሕቁን ድኣ ትገብር ኣለኻ እምበር፡ በዚ ዘመን እዚ
ነዚ ሓሶት እዚ ኣልዒልካ ዝኣምነካ ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ብዘይምህላዉ ጽቡቕ እዩ።
እቶም ብስንፍናና ነዚ ሓሶት እዚ ከም ሓቂ ጌርና ዝኣመንናዮ ግን ገድሊ ናይ’ዞም
ክልተ ቅዱሳን ኣቦታት (ገድለ ብጹዕ ኣምላኽን ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስን) ነንብብ እሞ እቲ ሓቂ ኣብኡ ኪጸንሓና እዩ። ናይ ኣቡነ
ብጹዕ ኣምላኽ ኣብ ስንክሳር 9 ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ስንክሳር 5 መጋቢት ኣንቢብኩም ሓቂ ፍለጥዎ። ኣብኡ ድማ ቅዱሳን
ኣቦታትና ጸለዩልና ናብ ክርስቶስ ኣምላኽኩም ለምኑልና ዝብል እዩ ዘሎ እምበር ኣምላኽ ኢኹም ዝብል የለን። ስለ ቅድስናኦም ግን
መጽሓፍ ቅዱስ “መዘከርታ ጻድቕ ንበረኸት እያ።ምሳ 10፡7)” ከም ዝብለና ካብ በረኸቶም ንምክፋል መዘከርታኦም ንገብር። ከም’ቲ
ብነቢይ ኢሳይያስ ዝነገረና ድማ ብስሞም ቤተ ክርስቲያን ንሃንጽ (ኢሳ 56፡4) እምበር ኣምላኽና ሓደ እዩ ንሱ ስሙ ደጋጊምካ ብምጽዋዕ
ዘይጽገብ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ።
ኣብ ዚሓለፈ እዋን
ነቲ ናይ ተዋሕዶ መጻሕፍቲ የጽንዓሉ ኣብ ዚነበርኩ ጊዜ እቲ ሥላሴ ዚበሃል እግዚአብሔር ዘይኮነስ ካልእ ከም ዚኾነን ምድራዊ ታሪኽ
ውን ከም ዘለዎ ካብ ሰብ ከም ዚተወልደን ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ልደቱ ድማ ንኣምላኽ ከም ዘመስገኖን፡ ኣብ ምድሪ ኪነብር ከሎ ውን
50 ኣናብስን 50 ነብርን ይሕልውዎ ከም ዚነበሩን እዚኣቶም ውን ሓመድ ኣሰር ናይ እግሩ ይምገቡ ከም ዚነበሩን ዚገልጽ መስሓቒ
ዚኾነ ዛንታ ምስ ረኸብኩ ኣዝየ ተገረምኩ።
ኣየ ንስኻ ፊደላት
ኣጽኒዕካ ዘይወዳእካስ መጻሕፍቲ ናይ ተዋህዶ ድማ ከተጽንዕ! ጸሎት ናይ ተዋህዶ ኢልካ ዘቕረብካዮም ቃላት ዘንበብን ዝሰምዐን ሰብ ይመስክር መቸም! ብዝኾነ ኣቐዲምካ ነብስኻ እንተተጽንዕ ብዙሕ ምተጠቐምካ። በል እዚ ጠቒስካዮ
ዘለኻ ታሪኽ ኩሉ ንቑሕ ኦርቶዶክሳዊ ዝፈልጦ ታሪኽ ናይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ (ጋብር) ታሪኽ (ገድሊ) ድኣ እምበር
ከም’ዚ ንስኻ ትህውትቶ ዘለኻ ምስ ናይ ቅድስት ስላሴ ታሪኽ ዘተኣሳስር ዋላሓንቲ ነገር የብሉን። ገድሊ ቅዱሳንን ትምህርቲ ስላሴን ፈላሊኻ ዘይትፈልጥ ምስኪን ብምዃንካ ግን ተሕዝን፡ ደረጃ ፍልጠትካ ማዕረ ክንደይ ትሑት ምዃኑ ድማ ባዕልኻ ተገምጊምካ።
ኣብ መበል 16 ክፋል 2ይ ገጽ ድማ “እቶም ኣብ መንደቕ
ዚተሳእሉ ስእሊ 3 ኣምላኽ ኪርእዮ እንከለኹ ልክዕ ሰብ ዚመስሉ ኮይኖም ኣብ ርእሶም ድማ ከም ጩራ ብርሃን ፀሓይ ዚመስል ሕንጣጥ
ሕንጣጥ ዘለዎም ኣረግቶት ሰብኡት መሲሎም ተሳኢሎም ነበሩ። በሉ እስከ መልክዕ እግዚአብሔር ዶ ብመልክዕ ሰብ ኪግለጽ ይከኣል እዩ?
ገጽ እግዚአብሔር ንመን ከም ዚመስል ከ ርእይዎ ዚመስል ሰብ ዶ ኣሎ እዩ? ከመይ ኢሎም ድኣ እቶም ደፋራት ሰኣልቲ ንክብሪ እቲ
ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብ ለዊጦም ሰብ ኣምሲሎም ዚሰኣልዎ። ኣምላኽ ሓደ እዩ ሰለስተ ነናቱ ኣካላትን ነናቱ መልክዕን
ሒዙ ዚግለጽ እንተኾይኑ ድኣ ከመይ ኢልና ኣምላኽ ሓደ እዩ ኪንብሎ ንኽእል? እቶም ስእሊ ደው ዚበሉ ሰለስተ ሰብኡት እዮም ዚመስሉ።
ዘዳ 4፡15።ነቲ ብሓመድ ዚተዳለዉ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ እግዚአብሔር ድማ ካብ መንፈሱ መንፈስ ካብ ነፍሱ ከኣ ነፍሲ መቒሉ ህያው ከም ዚኸውን ገበሮ። ስለ’ዚ ሰብ ብምኽንያት እቲ ካብ ኣምላኽ ዚተቐበሎ መንፈስን ነፍስን ንኣምላኽ ኪመስል ከኣለ። መንፈስን ነፍስን ሰብ ንኣምላኽ ስለ ዚመስል እቲ መንፈስ ናይ ሰብ ፍጡር ኣይኮነን፡ ካብ መጀመርያኡ ኣብ ኣምላኽ እዩ ኔሩ፡ ብድሕሪ’ዚ ናብቲ ብኣምላኽ ዚተዳለዉ ናይ ብኢድ ዝተሰርሐ ጭቃ ኣካላት ወዲ ሰብ ኣተወ። ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ እዩ ምስሊ ኣካል ሰብ ውን ኣለዎ፡ እግዚአብሔር ኣቦን መንፈስ ቅዱስን ግና ነናቶም ኣካል ምስሊ ሰብ ዚመስል ምድራዊ ኣካል ኣይለበሱን። ስለ’ዚ ንሰብ ከም ዚመስሉ ጌርካ ኣካላዊ ሰብነት ሰብ መልክዕ ሂብካ ኪትሥእሎም ምፍታን ገበን እዩ። ብሕጊ ውን ዘሕትት እዩ” ብምባል ንኽሕደትካን ሓሶትካን ኣጽኒዕካዮ
ኣለኻ። እዚ ትምህርትኻ ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ክሕደታት ዝሓዘ ስለ ዝኾነ ብውሕዱ ኣብ ክልተ ከፊለ ኪምልሰልካ ኪፍትን እየ።
1ይ ብዛዕባ ስእሊ ቅድስት ስላሴ
ነዚ ብሰፊሑ ኣብ’ቲ ብዛዕባ ቅድሳት ስእላት ዝብል ኣርእስቲ ኪምልሶ እየ። ኣብ’ዚ ግን ሓደ ሓደ ነጥብታት ጥራይ ዘርዚረ
ሓቀኛ ትርጉም ብዛዕባ ስእሊ ናይ ቅድስት ስላሴ ድማ ብሰፊሑ ከብርሃልካ እየ። ብመጀመርያ ስእሊ ኪሰኣል ከሎ ሓቀኛ መልክዕ ናይ’ቲ ዋና
ስእሊ ተባሂሉ ኣይኮነን ዝሰኣል። ናይ ቅድሥት ሥላሴ ስእሊ ውን እዚ
ሓቀኛ ምስሎም ኢልና ኣይኮንናን ንስእሎ። ናይ ዘመንና ብስም ኦርቶዶክስ ዝሽቅጡ ተሃድሶ ውን ነዚ ዝምቡዕ ትርጉም ናይ መናፍቓን
ብምሓዝ ስእሊ ስላሴ ናብ ምቕዳድ ከም ዝበጽሑ ናይ ቀረባ ትዕዝብትና እዩ ዘቕርብዎ ምኽንያት ውን ተመሳሳሊ እዩ። ንእግዚአብሔር
መን ርእይዎ? ዝብል። ንመላእኽቲ ኸ መን ርእዩ ዝሰኣለልኩም ኢኹም ትጥቀምሉ? እዚ ሕቶ’ዚ ናባኹም ገዲፈዮ ኣለኹ? ብተወሳኺ ንክብሪ እቲ ዘይሓልፍ ኣምላኽ ናብ ምስሊ ሓላፊ ሰብ ለዊጦም
ሰብ ኣምሲሎም ዚሰኣልዎ” ዝበልካዮ ድማ ነቶም ጣኦት ዘምለኹ ሰባት፡
ነቶም ንእንስሳ ከም ኣምላኽ ዘምልኽዎ እሞ ናቱ ምስሊ ጌሮም ድማ ዝሰግድሉ ሰባት ዝተነግረ እምበር ነቶም ቅዱሳን ኣሳእል ስኢሎም
ዝግብኦም ክብሪ ዝህብዎም ዝተነግረ ኣይኮነን። ብዛዕባ ናይ
ቅድሥት ሥላሴ ስእልን ምስጢራዊ ትርጉሙን ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፥
ስእሊ ቅድሥት ሥላሴ
ቅድሥት ሥላሴ ኪሣኣሉ እንከለዉ ብስም ብግብሪ ብኣካል ሠለስተ ከም ዝኾኑ፡ ብኣገዛዝኣ ብሥልጣን..
ድማ ሓደ ከም ዚኾኑ ኪገልጽ ኣለዎ። ሓድነቶም ንምምልካት ኣብ ልዕሊ ኪሩቤል ተቐሚጦም፡ ብዘይ ቅደም ተኸተል ማለት ላዕልን ታሕትን
ወይ ቅድሚትን ድሕሪትን ጌርካ ዘይኮነስ፡ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያን ኣቀማምጣን ተቐሚጦም፡ ክዳውንቶም ወይ ቀሚሶም ሓደ ዓይነት ጌርካ
ከይተነጻጸለ ብሓደ ዓይነት ሕብሪ ይሰኣል። መንበር ናይ ሥልጣን ናይ ኣገዛዝኣ ናይ ንግሥነት ምሳሌ ኮይኑ፡ ኣብ ሓደ መንበር (ዙፋን)
ምቕማጦም ብሥልጣን ብኣገዛዝኣ ሓደ ምዃኖም የመልክት። ኮፍ ኢሎም ምስኣሎም ድማ እግዚአብሔር ኣብ ኵሉ ቦታ ዘሎ ኣብ ኵሉ ቦታ ዚነገሠ
(ንጉሠ ነገሥት እግዚአ አጋእዝት) ምዃኑ ንምቅላጽ እዩ። ብዘይ ቅደም ተኸተል ምስኣሎም ድማ ብቕድምና ሓደ ከም ዚኾኑ ንምግላጽ
እዩ።
ሠለስትነቶም ንምግላጽ ብጸጋማይ
ኢዶም ዓለም ሒዞም ብየማናይ ኢዶም ድማ እናባረኹ (ኣመልካቲቶ ኣጻብዕቲ ንላዕሊ ትኽ ኢላ፡ ካብ ማእከለይቲ ኣጻብዕቲ ኪሳብ ሕንቅልሕንቅሊት
ኣጻብዕቲ ዘለዋ ሠለስተ ኣጻብዕቲ ድማ ተዓጺፈን) ናይ ሠለስቲኦም ገጽ ናብ ሓደ ወገን ዝርኢ ኮይኑ፡ ኣካላዊ ገጾም ውን ማዕረ፡
ክዳውንቶም ድማ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን መጎናጸፍያኦም ብቐይሕ ይሣኣል። ኪሣኣሉ ከለዉ ድማ ብኣምሳለ ኣረጋዊ (ብግእዝ ብሉየ መዋእል)
ኪኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ዘለዓለማውነቶም ኣብ ኵሉ ቦታ ምህላዎም ትዕግስቶም ፈራድነቶም ኣስተውዓልነቶም ንምግላጽ እዩ። ናይ ምድሪ
ነገሥታት ሓለፍቲ እዮም ንሱ ግን ዚተፈለየ ዘይሓልፍ መጀመርያኡን መወዳእታኡን ዘይፍለጥ ምዃኑ ንምግላጽ ብኣምሳለ ኣረጋዊ ይሠኣል።
ነቢይ ዳንኤል “ኣነ ዝፋናት ክሳዕ ዚንበሮ እጥምት ነበርኩ፣ ሓደ ጥንታዊ ዝመዓልቱ ድማ ተቐመጠ። ክዳውንቱ ጻዕዳ ከም በረድ፣ ጸጕሪ ርእሱ ኸኣ ከም ጽሩይ ጸምሪ እዩ። ዝፋን ሃልሃልታ ሓዊ፣ መንኰራዅሩ ድማ ጕሁር ሓዊ እዩ” ብምባል ዚተዛረበሉ ነዚ እዩ። (ዳን 7፡9)
ካብ’ዚ ብተወሳኺ ኣብ ዙርያ ዙፋኖም ብኣርባዕተ ማእዝናት ሽዱሽተ ክንፊ ዘለዎም ኣርባዕተ እንስሳታት
ገጸ ኣንበሳን ገጸ ላሕምን ገጸ ሰብእን ገጸ ንስርን ብክልተ ኣኽናፎም ኣእዳዎም ሸፊኖም ብኽልተ ኣኽናፎም ኣእጋሮም ሸፊኖም ክልተ
ኣኽናፎም ድማ ንየማንን ጸጋምን ዘርጊሖም ይሰኣሉ። 24 ካህናት ድማ ልብሰ ተክህኖ ለቢሶም ኣብ ኣእዳዎም ዕጣን ዚመልአ ናይ ወርቂ
መዕጠንቲ ሒዞም እናዓጠኑ፡ ወይ ድማ ኣኽሊሎም ካብ ርእሶም ኣውሪዶም ኣብ ቅድሚ እቲ ዙፋን እናሰገዱ ኪሰኣሉ ይግባእ።(ኢሳ 6፡1
ራእ 4፡8) (ኦርቶዶክሳዊ ቅዱሳን ሥእላት ብሃይለ ማርያም ሽመለስ)
No comments:
Post a Comment