መደምደምታ
ምዕራፍ 3 ዚተነዝሐ ሓሶታትን መልስታቱን ዝብል ኣርእስቲ ኣብ’ዚ ወዲአ ኣለኹ። ነዚ ኣቐዲመ ዘቕረብኩዎ ድማ ነቲ
ዝመጽእ ትምህርትኻ ካብ ከመይ ዝበለ መንፈስ ከም ዝወጸ ብቐሊሉ ንምርዳእ እዩ።
ምኽንያቱ ብዘረባኻ ኣምላኽ ልኢኽኒ ኢኻ ትብል መልእኽትኻ ግን ናይ ሰይጣን እዩ።
እስኪ ቁሩብ ሕስብ ኣብሎ ክንድዚ ዝኣክል ሓሶት ሒዝካስ ኣምላኽ ልኢኹኒ ኸ ይበሃል ድዩ። መቸም ጥዑይ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ይፍረድ!
ኣምላኽ’ሲ ከም’ዚ ዝስዕብ እዩ ዝበለ “ሽዑ እግዚኣብሄር፡ እቶም ነብያትሲ ብስመይ ሓሶት ይንበዩ ኣለው። ራእይ ሓሶትን ጥንቈላን ከንቱነትን ናይ ልቦም ጥበራን ደኣ እዮም ዚንበዩልኩም ዘለው እምበር፡ ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ኣይተዛረብክዎምን ድማ፡ በለኒ (ኤር.14:14 )።”
ኣቦና እዮብ ውን። ንስኻትኩም ግና ሓሶት እትኣልሙ ሰባት ኢኹም፡ ኲላትኩም ዘይትጠቕሙ ሓኪማት ኢኹም(እዮ.13:4 )። ስለ ዝብል ንስኻ ሓደ ካብቶም ኪመጹ እዮም ዝተባህሉ ሓሰውቲ ነብያት ድኣ እምበር ብእግዚአብሔር ዝተለኣኽካ ስለ ዘይኮንካ "መኔ ቴቄል ኡፋርሲን" ኢልናካ ሓሊፍና ኣለና( ዳን 5፡25-28)።
እዚ ዝስዕብ ናይ ጎይታና ቃል ድማ ትምህርትኻ ካብ
መን ምዃኑ ጽቡቕ ጌሩ ከብርሃልካ እዩ። ከም’ዚ ብምባል “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ”። ዮሃ.8:44
ኣታ ሓሳዊ
ኣታ ሓሳዊ፥ ነቲ እግዚእብሔር
“ኣብ ብጻይካ ብሓሶት ኣይትመስክር (ዘጸ 20፡16)። ዝበሎ ቃል ኣፍሪስካዮ ኢኻ እሞ ወይልኻ!
ኣታ ሓሳዊ፥ ነቲ እግዚእብሔር
“ወረ ሓሶት ኣይተልዕል። ምስክር ሓሶት ክትከውን ኢልካ፡ ኢድካ ምስ ዓማጺ ኣይተልዕል (ዘጸ 23፡1)። ኢሉ ዝኣዘዞ ቃል ዕሽሽ ስለ ዝበልካ ወይልኻ!
ኣታ ሓሳዊ፥ እቲ ነቢይ ዳዊት “ሓሶት ንዚዛረቡ ተጥፍኦም” ዚበሎ ቃል ኪበጽሓካ እዩ’ሞ ወይልኻ!(መዝ.5:6 )
ኣታ
ሓሳዊ ምስክር፥ እግዚእበሔር ኣምላኽና “ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ” ይብል ኣሎ’ሞ ወይልኻ! ምሳ.19:9
ኣታ ብሓሶትካ ንሰባት ዘስሓትካ፥ እቲ እግዚአብሔር “ እንሆ፡ ነቶም ሕልሚ ሓሶት ዚንበዩ፡ ንህዝበይ ከኣ እናተዛረቡ ብሓሶቶምን ብድፍረቶምን ዜስሕቱ ነብያት እጥልቐሎም ኣሎኹ፡ ይብል እግዚኣብሄር። ኣነስ ኣይለኣኽክዎምን፡ ኣይኣዘዝክዎምን፡ ነዚ ህዝቢ እዚ ድማ ዚዐብሱሉ የብሎምን፡ ይብል እግዚኣብሄር” ዝበሎ ቃል ኣባኻ ተፈጺሙ እዩ’ሞ ወይልኻ! (ኤር.23:32 )
ኣቱም ንህዝቢ ብዘረባ ሓሶትን ብቁራስ እንጌራን ተታልሉ ሓሰውቲ ነብያት፥ እግዚአብሔር ብዛዕባኹም “ኣነ ኸይተዛረብኩስ ንስኻትኩም፣ እግዚኣብሄር ይብል ኣሎ፣ እትብሉ ዘሎኹም፣ ከንቱ ራእይዶ ዝርኤኹምዎ፣ ትንቢት ሓሶትዶኸ ኣይኰነን እተዛረብኩምዎ>>>>>>>>ንስኻትክን ነተን ዘይሞታ ነፍሳት ንሞት እናወፌኽን፣ ነተን ብህይወት ኪነብራ ዘይግባኤን ነፍስት ከኣ ህይወተን ኣድሐንክን፣ ነቲ ሓሶት ዚሰምዕ ህዝበይ እንሐሶኽናሉ፣ ምእንቲ ዕሙዅቲ ስገምን ቈረርስ እንጌራን ኣብ ህዝበይ ተርክሳኒ ኣሎኽን” ይብል ኣሎ’ሞ ወይልኹም። (ህዝ.13:19 )
ኣቱም ብዘረባ ሓሰውቲ ነብያት ዝሰኸርኩም
ኣቱም ነዚ ናይ ነብያት ሓሶት ቃል ትሰምዕዎን ሓቂ መሲልኩም ድማ ትኣምንዎን ሰባት፥ ነቲ “እቲ ንእግዚኣብሄር እምንቶኡ ዚገብሮ፣ ናብቶም ዕቡያትን ናብ ሓሶት ዜግልሱን ዘየብል ሰብ ብጹእ እዩ” ዝብልቃል ስለ ዘይስተውዓልኩምሉ ብጽእና ካባኹም ኪውሰድ እዩሞ ወይልኹም! መዝ.40:4)
ኣቱም ንትምህርቲ ሓሶት ዝቐረብኩማ፥ “መገዲ ሓሶት ኣርሕቐለይ” ዝብል ናይ ቅዱሳን ጸሎት ስለ ዝሓድግኩምን ካብ መገዲ ሓሶት ድማ ስለ ዘይረሓቕኩምን ወይልኹም።(መዝ.119:29 )
ኣቱም ትምህርቲ ሓሶት እተፍቅሩ፥ ነቲ “ንሓሶት እጸልኦን እፍንፍኖን፣ ንሕግኻ ግና ኤፍቅሮ ኣሎኹ” ዝብል ናይ ቅዱሳን ቃል ስለ ዘይሰዓብኩምዎ፡ ቅድስና ናባኻትኩም ኣይትመጽእን እያ’ሞ ወይልኹም።(መዝ.119:163 )
ኣቱም ንምእማን ዝደንጎዩን ኣእምሮኹም ድማ ብሓሶት ዝደንዘዘን፥ “ስለዚ ኸኣ እቶም ብዓመጻ ባህ ዚብሎም እምበር፡ ንሓቂ ዘይኣምኑ ዅሎም ምእንቲ ኺፍረዱ፡ ኣምላኽ፡ ነቲ ሓሶት ክሳዕ ዚኣምኑ፡ ብርቱዕ ስሕተት ይሰደሎም” ዝብል በጺሕኩም ኣሎ እሞ ወይልኹም።2ተሰ.2:11–12
ኣቱም መፍቀርያነ ሓሶት፥ እቲ “እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም” ዝብል ቃል በጺሕኩም ኣብ ወጻኢ ናብ ገሃንም ኪትወርዱ ኢኹም ሞ ወይልኹም! ራእ.22:15
ኣቱም ምእንቲ እንዚአብሔር ጸርፍን ጸለመን እትዕገሱ
ኣቱም ሓሰውቲ ነብያት ዝጸረፍኹምን ዘጸለምኹምን፥ እቲ ጎይታና “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡኩም፡ ብጹእን ኢኹም። ዝበሎ ቃል ኣባኹም ተፈጺሙ እዩ’ሞ ብጹአን ኢኹም! (ማቴ.5:11 )
ኣቱም ንቑሓት፥ ነቲ ጎይታና “ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም” ዝበሎ ቃል ዘኪርኩም ካብ ነብያት ሓሶት ስለ ዝተሓለኹም ብጹኣን ኢኹም! (ማቴ.24:11 )
ኣቱም ብሩሃነ ኣኢምሮ፥ ነቲ “ብዙሓት ብሓሶት መስከሩ፡ ምስክሮም ግና ኣይተሳማምዔን” ዚብል ቃል ናይ ጎይታ ዘኪርኩም፡ ነዚ ናይ ሓሰውቲ ነብያት ትምህርቲ ድማ መርሚርኩም ዘይሰማማዕ ምስክር ምዃኑ ተረዲእኩም ስለ ዘይሰዓብኩሞ ብጹአን ኢኹም! ማር.14:56
ኣቱም ውሉደ ጳውሎስ፥ ነቲ “ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ከኣ ሃዋርያት ሓሶት፡ ዚጥብሩ ዓየይቲ፡ ርእሶም ንሃዋርያት ክርስቶስ ዜምስሉ እዮም” ዝብል ቃል ናይ ሐዋርያት ዘኪርኩም ካብዞም ሐዋርያት ሓሶት ስለ ዝተጠንቀቕኩም ብጹአን ኢኹም” (2ቈረ.11:13)
እወ፥ ነቲ “ኣታ ጢሞቴዎስ፡ ካብቲ፡ ገሊኦም ተኣሚኖምዎ ኻብ እምነት ዘምቢሎም ዘለዉ፡ ብሓሶትሲ ፍልጠት ተብሂሉ ዘሎ ርኹስ ሃተውተውን ክትዕን ርሐቕ። ነቲ ሕድሪ እተዋህበካ ሐልዎ። ጸጋ ምሳኻ ይኹን። ኣሜን” ዝብል ናብ ጢሞቴዎስ ዝተላእከ ቃል ንዓኹም ውን ከም ዝኾነ ኣሚንኩም ስለ ዝተግበርኩምዎን ካብ ነብያት ሓሶት ድማ ስለ ዝተሓለኹምን ብጹአን ኢኹም! (1ጢሞ.6:20–21 )
ኣቱም ውሉደ ኬፋ፥ ነቲ “ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም” ዝበሎ ቃል ፈሊጥኩሞ ስለ ዝጸናሕኩም ካብ ነብያት ሓሶት ተሓሊኹም ኢኹም’ሞ ደስ ይበልኩም።2ጴጥ.2:1
No comments:
Post a Comment