ሰብ ምስ ሞተና እንታይ ንግበር?
እዞም ደቀይ! ክርስቲያን ኪዓርፍ ከሎ ኣገባብ ዘይብሉ መልቀስ ኣይልቀስን እዩ።
ዓቢ ዚኾነ ሥርዓት እናተኻየደ ከሎ መልቀስ ኣይግባእን እዩ። እልምነኩም ኣለኹ! እስከ ኪሓተኩም እሞ ንስኻትኩም ድማ መልሱለይ!
ኵላትና ኣብ ሓደ ቦታ ተኣኪብና ከለና፡ ናይ ሃገርና ንጉሥ ንሓደ ካባና ናይ ጻውዒት ደብዳቤ ልኢኹ፡ ንናይ ድራር ግብጃ ዓደሞ ንበል።
እስከ ሕጂ ካባና ምእንቲ እዚ ናብ ናይ ንጉሥ ናይ ድራር ግብጃ ዝኸደ ሓውና ዘልቅስ መን ኣሎ?
እዞም ደቀይ! እዚ ካባና ብሞት ዝተጸውዐ ሓውና ውን እኮ ምስ’ቲ ንጉሥ ናይ
ሰማይን ምድርን እዩ ዘሎ። ዝዕጅብዎ ድማ ቅዱሳን መላእኽቲ ድኣ እምበር ናይ ምድሪ ሰልፈኛታት ኣይኮኑን። እሞ’ኸ ድኣ ነዚ ሓውና
ይልቀሰሉ ድዩ? ሓውና ናብ ሰማያዊት ቤቱ ኪኸይድ ከሎ ዘሎ ምሥጢር ኣይረኣየኩምን? ከመይ ብዝበለ ይባቤ፡ ከመይ ብዝበለ ዕልልታ፡
ከመይ ብዝበለ ምስጋና ይኸይድ ከም ዘሎ ዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም? እሞ’ኸ ድኣ እዚ ናይ ዋይዋይታን ናይ ልቕሶን ጊዜ ኪኸውን ዶ
ይግባእ እዩ? ዓቢ መለኮታዊ ምሥጢር እኮ እዩ ዝፍጸም ዘሎ። ነፍሱ ናይ ሥጋ ኣዳራሻ ገዲፋ ናብ ጐይታኣ ኪትጎዪ እናረኣናያ ከነልቅስን
ገጽና ኪንነጽይን ዶ ይግብኣና እዩ? ከመይ ጌርካ እዩ ኸ ንሰብ ኣብ ዕለተ ልደቱ ዝብከየሉ? ምኽንያቱ እዚ ልደት እዚ ካብቲ ካብ
ኣቦናን ኣዴናን እንውለዶ ልደት ንላዕሊ ኣዝዩ ዝጸበቐን ዝበለጸን እዩ። ኣብ’ዚ ሰዓት እዚ (ኣብ ጊዜ ሞት) ነፍሲ ናብ ፍሉይ ዝኾነ
ብሩህ ዓለም ትኸይድ፡ ካብ ናይ ማእሰርቲ ቤታ ትላቐቕ፡ ጉያኣ ድማ ትውድእ። ብምግባርን ሃይማኖትን ጸኒዑ ንዝነበረ ሰብ ከም’ዚ
ጌርካ ኪልቀሰሉ ኣይግባእን።
ሕፃናት ኪመቱ ከለዉ ኸ ከም’ዚ ኪንከውን ይግባእ ዶ? እንታይ ዝውቀስ ነገር
እሞ ኣለዎም እዩ? ሓደስቲ ብዝተጠመቑ ክርስቲያን ከ? ስለምንታይ ኢና ክንድዚ ንሓዝን?
ፀሓይ እናወጸት ኣብ ትመጸሉ ፀዳል ብርሃና እናጸረየ ይመጽእ፡ ነፍሲ ውን ካብ
ናይ ሥጋ ኣደራሻ ኪትፍለ ከላ ኵለንትናኣ እናጸረየትን ብክብሪ እናደመቐትን እያ ትርአ። ብርሃን ናይ’ዛ ነፍሲ ከም’ቲ ሓደ ንጉሥ
ናብ ሓንቲ ከተማ ኪኣቱ ከሎ ነታ ከተማ ዝመልኣ ብርሃን ኣይኮነን። እዞም ደቀይ! እስከ ኣብ’ቲ ሰዓት እቲ (ኣብ ጊዜ ሞት) ንነፍሲ
ዝሕዛ ምድናቕ፡ ምግራምን ሐሴትን ብዓይኒ ኀልናኹም ሰኣልዎ! ነዚ እናረኣየ ዝሓዝን ድኣ መን እዩ?
መልቀስ ነቶም ምስ ኃጢአቶም ዝሞቱ ሰባት እዩ ዝግባእ። ከም’ዚ ዓይነት ሓዘን
ኣነ ውን ኣይቃወሞን እየ። እዚ ዓይነት ሓዘን ሐዋርያዊ እዩ። ከም’ዚ ዓይነት ሓዘን ምሕዛን ንክርስቶስ ምምሳል እዩ። ምኽንያቱ
ጐይታና ነታ ካብ ኃጢአታ ኣይምለስን እየ ዝበለት ኢየሩሳሌም ኣልቂስላ እዩ። ናይ ሓዘንናን ናይ መልቀስናን ሥርዓት ከም’ዚ ኪኸውን
ኣለዎ።
ተነሲሑ ንዝሞተ ሰብ “ኣደይ መዓረይ ተመለሲ፡ ሓወይ መዓረይ ኣይትሙተኒ!”
ዓይነት እንተኾይኑ ግን፡ ኪልቀሰልና ዝግባእ ንዓና ድኣ እምበር ነቲ ብሥጋ ዝተፈለየ ኣይኮነን። ምስ ኃጢአቱ እንተሞይቱ ግና ኣልቅስሉ።
ነዚ ከም’ዚ ዝበለ ሰብ’ሲ ኣነ ውን ሓቢረ ከልቅስ እየ። ንምንታይ’ሲ ዝጽበዮ ዘሎ እሳትን ሓለንግን እናረኣኹ ንከልቅሰሉ እዩ ዝግድደኒ።
ነዚ ምስ ኃጢአቱ ዝሞተ ሰብ ንስኻትኩም ጥራይ ዘይኮንኩም፡ ብምሉኦም ሰብ ናይ’ታ ከተማ ከልቅስሉ ይግባእ። ሓቀኛ ሞት ዝበሃል እዚ
ስለ ዝኾነ፡ ክፉእ ሞት ዝበሃል እዚ ስለ ዝኾነ፡ ናይ ኃጢአተኛ ሞት!
ሞት ናይ ኃጢአተኛ ሰብ መልቀስ ይግብኦ። ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ቆይሙ ዝምልሶ
መልሲ ኪስእን ርኢኻ፡ ዘፍርሕ ናይ ፍርዲ ቃል ኪሰምዕ ከሎ ተመልኪትካ ንኸም’ዚ ዝዓይነቱ ሰብ ሓዘን ይግባእ። ከም’ዚ ዝዓይነቱ
ሰብ ብዘይካ ንኃጢአት ንማንም ካልእ ዕላማ ስለ ዘይነበረ ኪልቀሰሉ ይግባእ። ነዞም ሰባት እዚኣቶም እንተዘይውለዱ ምሓሾም ኔሩ(ማር
14፡21)
እስከ ነዚ ኣስተውዕሉ! ሓደ ሰብ ብዘይ ማንም ዕላማ ንዕስራ ዓመታት ምስ ዝነብር፡
ነዚ ዝኣክል ዘመን ብከንቱ ከም ዘሕለፈ ተረዲኡ ኣየልቅስን ዶ? ካብ ኵሉ ሰብ ዝሓመቐ ሰነፍ ሰብ ከም ዝኾነ ዶ ኣይሓስብን? ንሓንቲ
መዓልቲ እኳ ትኹን ንነፍሱ ከይነበረ፡ መላእ ዘመኑ ኣብ ምቾትን ኣብ ክፉእ ግብርን ምንቀኝነትን ንኃጢአትን ንዲያብሎስ ጥራይ ንዝነበረ
ሰብ እሞ ከመይ ዘይልቀሰሉ? ከም’ዚ ንዝበለ ሰብ ኪልቀሰሉ ኣይግባእን ዶ? ካብ’ቲ ዝረኽቦ እሳት ነጢቕና ከነውጽኦ ዶ ኣይንደልን
ኢና? እወ! ፍቓደኛታት እንተኴንና ነዚ ሰብ እዚ ካብ’ቲ ዝረኽቦ ምረረ ገሃንም ከነውጽኦ ንኽእል ኢና። ከይሰልቸወና ንጽልየሉ እንተኴንና፡
ከየቋረጽና ምጽዋት ንህበሉ እንተኴንና ከነድሕኖ ንኽእል ኢና። ዋላ እኳ ድሕነት ዘይግብኦ ሰብ እንተኾነ፡ እግዚአብሔር ናትና ጸሎት
ይሰምዕ እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ ነቶም ምሕረት ዘይግብኦም እኳ ምሕረት ዝገብረሎም ካብ ነበረ
(2ይ ቆሮ 1፡11 2፡10) ንሕና ድማ ካብ’ዚ ንላዕሊ ኪንገብር ይግብኣና። ከምዚ እንተድኣ ጌርና፡ ፈቲናን ፈቒድናን ንሓውና ንረድእ
እንተኴንና፡ ምእንታኡ ኢልና ዝሑል ማይ ንህበሉ እንተኴንና፡ ካብ’ቲ ኣሰቃቒ እሳት ኪድሕን ይኽእል እዩ።
ብሕይወተ ሥጋ ከሎ ዶ ምጽዋት ኣይሃበን እዩ? እግዚአብሔር ኣብ መወዳእታ ዕለት
መታን ከድሕኖ ሰበይቱን ኣዝማዱን ብእምነት ይሃብሉ። ብዙሕ ኃጢአት ሠሪሑ እንተኮይኑ፡ ብዙሕ ምጽዋት ይሃብሉ። ባዕሉ ንእሽተይ ሂቡ
እንተዝኸውን እኹል እኳ እንተነበረ፡ ንሕና ብዙሕ እንተሂብናሉ ድማ ይኣክል እዩ። እዞም ደቀይ! ነዚ ምስ ኃጢአቱ ዝሞተ ሰብ ሓወልቲ
ኪንሠርሓሉ ኢልና ጸደፍደፍ ኣይንበል። ኣብ’ዚ ምድሪ መዘከርታ ንኸነቚመሉ ኢልና ንጓየ ኣይንኹን። እቲ ሓቀኛ መዘከርታ ምጽዋት እዩ።
ብስሙ ንመጽውት ሽዑ መታን ኪጽልይሉ ንነዳያን ስመ ክርስትናኡ ንንገሮም። እዚ ምስ እንገብር እግዚአብሔር ኪርህርሃሉ እዩ። እቲ
ሰብ ባዕሉ እኳ ነዚ እንተዘይገበረ፡ ካልኦት ሰባት ኣብ ክንድኡ ስለ ዝሃብሉ እዚ ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ንኽረክብ ኪገብሮ እዩ።
እቶም ብስሙ ዝተመጽወተሎም ሰባት (ነዳያን) ካብ’ዚ ጊዝያዊ ሞት ዘይኮነ፡ ካብታ ዘለዓለማዊት ናይ መወዳእታ ሞት ንኽድሕን ኣብ
ቅድሚ እግዚአብሔር ይማልዱ።
እዞም ደቀይ!
ንሕና ጥራይ ሸለልተኛታት ኣይንኹን እምበር ናይ እግዚአብሔር ናይ ምድሓን ጥበቡ ብዙሕ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ሙታን ትጽልዮ
ጸለት ንከንቱ ኣይኮነን። ምጽዋት ዝወሃብ ውን ንከንቱ ኣይኮነን። መንፈስ ቅዱስ ነዚ ኪንገብር ዝኣዘዘና ነንሕድሕድና መታን ኪንጠቓቐም
ድኣ እምበር ንከንቱ ኣይኮነን። እዞም ደቀይ! ዝሞተ ሓውኹም ብምጽዋትኩም ከም ዝጥቀም ቅንጣብ ውን ትኹን ኪትጠራጠሩ የብልኩምን።
ኣብ ጊዜ ቅዳሴና ዲያቆን “ምእንቲ እቶም ብክርስቶስ ዘዕረፉ ሰባት ጸልዩ” ኢሉ ዝእውጅ ንከንቱ ኣይኮነን። ነዚ ዝእውጅ ግን እቲ
ዲያቆን ከይመስለኩም፡ መንፈስ ቅዱስ እዩ። እቲ ዲያቆን ነዚ ኪእውጅ ከሎ ኣብ ዙርያኡ ኣእላፍ መላእኽቲ ኣለዉ፡ ሊቃነ መላእኽቲ
ኣለዉ ወልደ እግዚአብሔር ኣሎ። እሞ እዚ ኣዋጅ ድኣ ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? ምእንቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ምእንቲ ካህናት ብሓፈሻ
ምእንቲ መላእ ህዝበ ክርስቲያን ዝቐርብ ጸሎት ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? በፍጹም! ኵሉ ዝግበር ብእምነት እዩ።
ኣብ’ኡ ኣብ’ቲ
ናይ ቅዳሴ ጊዜ ምንቲ ሰማዕታት ዝቐርብ ጸሎት ንከንቱ ዶ ይመስለኩም? ሓወይ! ቅዳሴ ፍሉይ ምሥጢር እዩ። ኣብ ቅዳሴ’ኮ ዘየለ የለን።
ስለ’ዚ ኣብቲ ሰዓት እቲ ቤተ ክርስቲያን ምዝኽኻራ ትኽክል እዩ። ሓደ ምድራዊ ንጉሥ ኣብ ማእከልና ምስ ዝመጽእ ከም’ዚ ግበረልና፡
ከም’ዚ ግበረልና እናበልና ንሓቶ ዶ ኣይኮንናን? ከም’ኡ ኢልና ምስ ሓተትናዮ’ኸ ኵሉ ዝሓተትኩሞ ከንቱ እዩ ዶ ይብለና እዩ? ኣይብልን
እዩ። ስለ’ዚ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኵሉ ምዝኽኻራ (ምልማና) ኸ ከመይ ኢሉ ከንቱ እዩ ይበሃል?
ስለ’ዚ ብእምነት ድኣ ነቕርበሎም እምበር ምንም ኣይጠቕሞምን እዩ እናበልና
ሸለል ንብል ሰባት ኣይንኹን። ነቶም ዝሞቱ ኣሕዋትና ዘየድሊ ሓዘን ካብ ንሓዝነሎም፡ ዘየድሊ ሓወልቲ ካብ ነቚመሎም፡ ንጸልየሎምን
ንመጽውተሎምን መሥዋዕቲ ድማ ነቕርበሎምን። ከም’ዚ እንተድኣ ጌርና ንዓኣቶም ኪንጠቕሞም ኢና፡ ንሕና ንርእስና ውን ኪንጥቀም ኢና። (ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ)
AMMENNNN KAL HIWET YESMALINN BAHKI AB LEBNA YEHDRELINA
ReplyDelete